Category: ትግርኛ

ትግርኛ

መደረ ኤልሳ ጭሩም – ኣብ ጽንብል 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ

ኤልሳ ጭሩም፡ ኣካያዲት ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት – ኤርትራ ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፣ ሎሚ ብምኽንያት ሸሞንተ መጋቢት ኣህጉራዊ ምዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ መንጎኹም ተረኺበ ካብቲ ብዙሕ መዳርግቲ ዘይብሉ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሽኡን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮና ብፍላይ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ኣደራዕን ንኽዛረብ ዕድል ብምርካበይ ዝስምዓኒ ሓጎስ ወሰን የብሉን።…

እገዳ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ፡ ንረብሓ ህዝቢ’ዶ ንጉድኣቱ?

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዕለት 23 ታሕሳስ 2009 ብቑጽሪ መዝገብ (ውሳነ) 1907/2009 ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ክጸንዕ ወሲንዎ ዘለዎ እገዳ፡ ብደገፍትን ተቓወምትን እቲ ስርዓት ዝተፈላለየ ግብረ-መልስታት ክወሃቦ ቀንዩ ኣሎ። እቲ ስርዓትን ደገፍቱን ከምቲ ወትሩ ግዜ ዝገብርዎ፡ ካብ ሓቂ ሓኪሎም፡ ዝጥዕሞምን ክኸውን ዝደልይዎን ትንተናታት ይህቡሉ ከም…

ጭሕሚ ብጻይካ ክላጸ ጭሕምኻ ማይ ልኸ

ሎሚ ቅነ ይሃምምን ይነጉድን ኣሎ። ስለናይቲ ደመናን ሰርብን ሓርየት ይሽትት ኣሎ። እሞ’ኸ ድኣ እዚ ኣዝመራ ይምልከተና ድዩ? እሂናይ ድኣ ከመይ ዘይምልከተና። ኣይ ንሕና እንዲና ግዳ ንጥላለት ፍትሒ ልዕሊ ዝኾነት ሃገር መስዋእትነት ዝኸፈልና። መን ኮን ኣሎ ከማና ፍረ ቃልሱ ካብ ዓውዱ ተዘሚቱ ዝተገፍዐ? ብጽምኢ ዲሞክራሲ ምሳጸና እንዶ…