ጓህና ገንፊሉ

ጓህና ገንፊሉ
እዚ ለንቕነ ኣብ ናይ ሃገራውያንን ዓለምለኻዊ ናይ ዜና ማዕከናት ተዘርጊሑ ንርእዮ ዘለና መጭወይቲ፣ ግፍዒ፣ ዓመጽ፣ ስቅያትን መቅተልትን ንጹሃት ኤርትራውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ኣብ በረካ ሲናይ ሓድሽ ዘይኮነስ መቀጸልታ እቲ ናይ ዓሰርተ ዓመት ህልቂት ናይ ጉዕዞ ስደት እዩ።
ኣብ እዋን ሓዘና ዝፍስሑን ብሽግርና ዝወራዘዩን ንሶም ፈጠርቲ ጸገምና ምዃኖም ንመን ይጠፍኦ። “ኣይትብከ እንድዩ ደብክየኒ” ከምዝበሃል ጋህስታት ናይ ሲናይ ዝወሓጦ ምስጢር ክተፍእ ኣብ ዝጀመረሉን ብዓለም ለኻውያን ጋዜጠኛታት መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ኣብ ዝጋውሓሉ ዘሎ ወቕቲ፣ እቲ ንመንእሰያት ሃገርና ናብ’ዚ ሕሰም’ዚ ክቃልዑ ዝገበሮም ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ “ዘይ ሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት” እንዳበለ ብመራኸቢኡ ይልፍልፍ ምህላው ኣስተውዒልካ ጌና በዚ ዘውረደልና ኣደራዕ ከይዓገበ ብኣስካሬን ኣሕዋትና’ ውን ፖለቲካዊ ሸቐጥ የካይድ ምህላው እዩ።
“እንተዘይትንውንወኒ መን መጽደፈኒ” ስርዓት ኢሳያስ ሰብኣዊ መሰሎም ገፊፍ ኣብ መወዳእታ ዘይብሎ ጊላነት እንተዘይቆርኖም መድሓንቶም ዝተቐብረላ፣ ሓመዳ ቑሒሞም ዝዓበዩላ ዓዶምን ቤተሰቦምን ገዲፎም ሃጽ ኢሎም ንስደት ኣይምጠፍኡን። እዚ ሓጥያቱ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ምልካዊ ስርዓት’ ዚ ባዕሉ ዘሰወዶም ኢደ ቤዝኡ ኣስገርትን ደለልትን ወሃብትን ተቀበልትን ኮይኖም ካብ ማእከል ከተማታት ሃገርና ብናይ መንግስቲ መካይን ኣሽሓት ዶላራት ተኽፊሎም ናብ ጎረቤት ሱዳን የስግሩ፣ በዚ ከይተደረቱ ምስ ራሻይዳን በደዊንን ብምሽራኽ ተኻፈልቲ ናይ 21 ክፍለ ዘመን መርመም ሸቀጥቲ ኣካላት ወዲ ሰብ ኮይኖም ኣለው።
ኣብ ኣጻምእ ሰሃራ ነቂጾም ብኻምሲን ምድረበዳ ዝተደፍኑ ኣሕዋትና እታ ናይ መጨረሽታ ሕሞት ቀልቦም ዘጥፍኡላ ጊዜ እንታይ ይሓስቡ ምንባሮምን መረሮኦምን እንተኮማሲዕናዮ፣ ባሕሪ ሜድተራንያን ማዕበላ እንዳገላበጠት ሃሕ ኢላ ክትውሕጦም ከላ ዝነበሮም ጭንቀትን ውጥረትን እንተሰላሲልናዮ፣ ክትዛረበሉ ዝቐፍፍ ባርባራዊ ተግባር ናይ በደዊን ኣብ ዓይኒ ሕልናና እንተስኢልናዮ፣ ኢድና ከነጣምር ወይ ብኣፍና ጥራይ ክንግዕር ዘይኮነስ፣ ንመሰረታዊ ፍታሕ ቃልስና ከነበርኽ እዩ ዝድርኽ።ንሕና ኤርትራውያን ስለምንታይ ኢና ስጋዕ ክንድዚ ንደሃል ወይ ናይ ነብስና ጥራሕ ንሓስብ። እቶም ኣብ ደገ ገንዘብ ናይ ኣስገርቲ ዝቕበሉን ዝድልሉን ኣካል ናይዚ ዝፍጸም ዘሎ ገበን’ ዶ ኣይኮኑን እዮም። ናይዚኦም ፍንጪ ሓበሬታ ናብ ዝምልከቶ ሕጋዊ ኣካል እንተ ኣረኪብና ምስዚ ዘሎ ቴክኖሎጂ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ዘሸግር ኣይኮነን። ጾርካ ካባኻ ሓሊፍ ዝስከመልካ ዋላ ሓደ የለን። ሽግራትና ባዕልና ንፈልጦ። ጽዕነትና ኸኣ ንሕና ጥራሕ ኢና ንሕንገጦ።
ናይ ቀደም ዘመን ሸፋቱ ጸልማት ተጎልቢቦም ወይ ጽምዋ በረኻ መሪጾም “ትኽተር’ ዶ ትምተር” ኢሎም ብምፍርራሕ ገንዘብን ስልማትን ዘሚቶም ከምዝስወሩ ይትረኽ። ደም ንኸይተኽሉ ሂወት ሰብ ኣየጥፍኡን እዮም። ኣሸበሸብ መንነቶም እንተተለልዮም ኣብ መቕርቦም ሕነ ከይፍደ ብኣዝማዶም ተለሚኖም ዝራሰዩዎ ንብረት ኮነ ጥሪት ይመልሱ ምንባሮም ይዝንተው። ናይ ዘለናዮ መዋእል ሸፋቱ ግን ብጸሓይ ቀትሪ ካብ ማእከል ከተማ ሰባት ሓባቢሎም ብመካይን ናብ ርሑቕ ቦታ ጨውዮም ብምውሳድ ኣብ ገዛውቲ ዓጽዮም ብቴሌፎናት እንዳደወሉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላራት ዝእዝዙ፣ ሰባት ንመሸጣ ዘሰጋግሩ፣ ኣካላት ናይ ሰብ ጎዛዝዮም ኣብ ዕዳጋ ዘውርዱ ኣረሜን እዮም።
ድንቂ ተባሂሉ ዝተነግረሉ ዘመናዊ ዝርፍያ ገንዘብን ሃብትን ናይ ማፍያ ጊዚኡ ኣብቒዑ ሓሊፍ ነበረያ ነበረ ኮይኑ። ኣብ እግሩ ዝተተክእ ምስግጋር ዕጸ ፋርስ ዘፍ ናብ ዝብለሉ ደረጃ ምስ ተበጽሐ እነሆ መሰክሕ ንግዲ ውሽጣዊ ኣካላት ወዲ ሰብ ብዓመጽን ጭካነን ኣብ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝፍጸመሉ መዋእል ተበጺሑ። ዓለም ፎእ ኢላ ንገበርቲ ህከይ ሃዲና ናብ ሕጊ ከተቕርብን እቲ ጉድ ብምቕላዕ ክቛረጽ ኩልና ነንፈልጦ ኣብ ክንዲ ነጋልጽ መብዛሕትና ቃንዛና ንውሽጢ እህህ ክንብል ጸኒሕና። ሎሚ እቲ ጉድ ባዕሉ ኣፍ ኣውጺኡ ካብ ጋህስታት ሲናይ ምስ ኣእወየ ጓሂና ገንፊሉ።
እቲ ኣብ ምስግጋር መንእሰያትና ቀንዲ ረባሒ ዝኾነ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ገንዘቦምን ገንዘብ ኣብ ደገ ዘለው ቤተሰቦምን ጊሒጡ ኣብ መጨረሻ ንኣባይ የረክቦም ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣሰሮም ንክጠፍእ ኣብ ሰብ ዘይርከቦ በረኻታት ይደፍኖም። እዚ ነውራም ውልቀመላኺ ስርዓት ጠንቂ ክስደዱ ዝቐሰበ ባዕሉ፣ ካብ ሃገር ዘስግሩ እሶም እቶም መኮንናቱ ብዘይ ፍተሻ መካይኖም፣ ምስ ራሻይዳ ኣብ ዶባት ተሻሪኾም ዝዓዩ ባዕሎም፣ ካብ መደብር ስደተኛታት ዘጭውዩ ንሶም፣ ኣብ በረኻታት ግብጺ ናይ ቋንቋ ተርጎምትን ገንዘብ ኣብ ደገ ተቐበልትን ብተዘዋዋሪ ዝለኣኹዎም በጋሚዶታት፣ ደቅኹም ስግረ ዶብ ከይዶም ኢሉ ንስድራቤት ኣብ ኤርትራ 50,000 ናቕፋ ዝቐጽዕን ዝኣስርን ባዕሉ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እዩ።
ኢሳያስን ጉጅልኡን ሱር መሰረትና ከጥፍኡና ካብ ዝዕጠቑ ሓጺር ኣይገበሩን። እቲ ናይ ኣልማማ ስጉምቲ ብውሽጢ ሃገርን ደገን ኮይኑ ነቶም ብቐረባ ከረኻኽበልና ዝኽእል ብቐጥታ፣ ነቶም ከበጻጽሓልና ዘይክእል ከኣ ብተዘዋዋሪ ገንዘብና ዘቑቑ ብሞራል ከምዘይንትንስ ብምግባር ኣብ ስደት ተበሊልና ንክንሃሰሉ ለይትን ምዓልትን ይሰርሕ ኣሎ። ሎሚ ዋላ እቶም ኣለዎም ዝበሃሉ ሰብ ጸጋ’ውን ይኹኑ ቀሲኖም ንብረቶም ዘመሓድሩሉን ናይ ቤተሰብ ፍቕሪ ዘስተማቕሩሉ ባይታ ዝበሃል የለን። እዚ ቆንጠጠፈ ዝኾነ ስርዓት’ ዚ “በቲኣ እንተኸድካ ሰብኣይ ጓልካ፣ ናብቲኣ እንተበልካ ሰይቲ ወድኻ ትሞተካ” ብዝኾነ ኣገባብ ኣብ ሂወቶምን ንብረቶምን ስለዝመጾም ግዳይ ሓዳሪ ሕማም ኮይኖም። ኣብ ኤርትራ በዓል ስልጣን ይኹን ተራ ብመንፈስ ረጊኡ ዝነብር ሰብ የለን። ከምቲ ንናጽነት ንምምጻእ ኣብ ገዛ ከፈተ መስዋእቲ ዝተኸፍለ፣ ሕጂ’ ውን ኣብ መንገዲ ስደት ረዳኢ ዘይብሉ ዝጠፍእ ዘሎ መንእሰይና ዳርጋ ንነብስወከፍ ስድራ በጺሑዎ ኣሎ።
ወግሐ ጸብሐ ደድሕሪ ሳዕቤን ክንልህልህ ዝቀደመ ሓሊፍ ዝኸፍእ ክስዕብ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ጸገም ተሸሚምና ብኣህጉራዊ ሕጊ ዘይቅየድ፣ ሰብኣዊ መሰል ዘየኽብር፣ ስነምግባር ዘይብሉ፣ ብዑሉላት ገበነኛታት ዝምራሕ ክንበርስ ጊዜ ምውሳድ ዘዋጽእ ስለዘይኮነ ኩልና ተሓባቢርና ነቲ ኣረመናዊ ስርዓት ንምእላይ ቃልስና ነሕይል። ነቶም ኣብ ደገ ዘለው ደለልትን ተቐበልትን ናይ’ዚ ጭፍራ ልኡኻት ኣብ ዘዘለውዎ ዓዲ ናብ ሕጊ ኣቕሪብና ንፋለሞም። እቶም ራሻይዳን በደዊንን ካብ ስራሕ ንብረት ኮንትሮባንዶ ሰጊሮም፣ ብጃንዳ ኢሳይስ ተተባቢዖምን ዓጢቖምን ኣብ መሸጣ ውሽጣዊ ኣካላት ወዲ ሰብ ተዋፊሮም ባርባራዊ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ዝፍጽሙ ዘለው፡ ኣብ ሱዳን ኮነ ግብጺ ናብ ሕጊ ዝቀርቡሉ ኣህጉራዊ ጸቕጢ ንኽግበር ኩልና ንለዓል። ንፈልጦ ንሓብር፣ መርትዖ ንኣክብ፣ ኩሉ ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ። ድሕሪ ደጊም ዒቕ ኢልና እዩ ዝተረፈ የለን።
ጽንዓት ንህዝቢ ኤርትራ!
ኤልሳ ጭሩም
ኣካያዲት ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ
ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ
10 ሕዳር 2011