መንዩ ፈላላይ

መንዩ ፈላላይ
ክቡራት ኣንበብቲ፣ እዚ ፈሊምናዮ ዘለና ኣርእስቲ ንዓና ንኤርትራውያን ንጉዳይ ሓድነትና ዝምልከት ምዃኑ እንዳኣገንዘብና መበገሲና ኩልና ንጥምረትና እእጃምና ንምብርካት ነቶም ሕማም ዓበቕ ኮይኖም ነንሕድሕድና ከይንተሓቛቖፍ ንዝኽልክሉናን ዘየልቦ ነገራት ክንሓክኽ ሰለም ከይበልና ከምንሓድር ዝገብሩና ዘለው ፈሊና ንምፍላጥ ምዃኑ ብትሕትና ንገልጸልኩም። ጉዳያትና ኣብ ክንዲ ብምዝንጣል ብምክብባር፣ነድርን ሕርቃንን ገዲፍና ርግኣትን ዓቕልን፣ ምንጽርጻርን ምጉብዕባዕን ወጊድና ብልዝብን ምክእኣልን፣ ቅርሕንትን ቂምን ምጽብጻብን ንገደል ሰንዲና ጸጽቡቑ ዘኪርና ጥራሕ ምዃና ንሰምር ምዝኽኻር ዘየድልዮ ፍሉጥ ሓቂ እኳ እንተኾነ፣ ግብራውነቱ ግን ሓሊኹ ሒዙና ኣሎ። ሽግርካ ምፍላጥ ፍርቂ ፍታሕ ምዃኑ ኣሚና ክንጽሕፍ ተደሪኽናን ኣፍደገ እቲ ጉዳይ በዚ መን’ ዩ ፈላላይ ዝብል ኣርእስቲ ነርሕዎ ዘለና።
ኣቦታትናን ኣቦሓጎታትናን ኣይንፈላለ ኢሎም ምእንቲ እዛ ሃገርን ህዝባን ተመሓሒሎም ኣስላማይን ክስታናይን ዝሓረዱዎ በብእምነቶም ጸልዮም በሊዖም። ንሶም ኪዳን ዝኣተውሉ ጊዜን ዝሰገሩዎ ጸበባን ንድሕሪት ተመሊስና እንተዘኪርና ጽንዓቶምን ንቕሓቶምን ምስ ዝነበሮም ደረጃ ትምህርቲ ከነዛምዶ ምስ ንፍትን ንሕና ክሳብ ክንደይ ድሑራት እሶም ኣዝዮም ምዕቡላት፣ ሕጂ ዘለና ኣዚና ስሱዓት ወለድና ግን ሓለይቲ ምንባሮም ዘይከሓድ ሓቂ እዩ።
ብምፍልላይ ዝረብሕ ብሓድነት ዝጉዳእ እዩ። ሓድነት ሓይሊ እዩ ከምዝበሃል በዚ ናይ ሓድነት ሓይሊ ዝሰግእ ጃንዳ እቲ ሓይሊ ምእንታን ተበታቲኑ ክዳኸም ንምፍልላይ ክጽዕትን ክሰርሕን ዘየማትእ ሓቂ እዩ። ብሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝጉዳእ ወገን መን እዩ ዝብል ሕቶ ኣብ ምምላስ ዝተፈላለየ ማእዘን ዝመበገሲኡ ኣመለኻኽታን ካብ ነንበይኑ ኩርናዕ ዝነቕል ስክፍታን ናይ ኣጠማምታ ፍልልይ ክህልው ባህርያዊ እዩ። በዚ ተኽፊቱ ዘሎ ኣርእስቲ መገዲ ጌርና ብቓልዕ እንተተመያየጥናሉ ቅደም ተኸተል ሰሪዕና ከም ኣስጋእነቶም ይኹን እዋናውነቶም ምልላዮም ኣይምጸገሙናን’ ሞ ንምፍዋሶም’ ውን ኣይምተሸገርናን።
ሃይማኖትካ፣ ባህልኻ ከይዓቐብካ ሃገር ክትዕቀብ ከምዘይከኣል ዝጠፍኦ ሰብ የለን። ዝተፈላለያ ባህልን ሃይማኖትን ሃሊውካ ነንሕድሕድካ ተኸባቢርካ ከምትሰምርን ኣንጻር ውዲት ሓያላን ከምትዕወት እቲ ኣብ 1950 ታት ንምምቕቓል ሃገርና ኤርትራ ኣንጠጥዩ ዝነበረ ደመና ጥፍኣት ናይ ገዛእ ህዝብና ብቑዕ ተሞክሮ እዩ። ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ዝጥቀሙሉ ናይ ፈላሊኻ ግዛእ ብልሓት ኩሉ ይፈልጦ እዩ ክበሃል ኣይከኣልን። እሶም ከም ብጹኣን ልዕሊ ማንም ተጣበቕቲ ሓድነት ኮይኖም ከምዝቐርቡን “ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ” እንዳበሉ ዝቓንይዎ ውዳሰ መዝሙር ብጋህዲ ብርሃን ንርእዮ ኣለና። እቲ ብውሽጢ ውሽጢ ናይ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ስነ መጎቶም ንምትግባር ዝነዝሕዎ ሕንዚ ንብዙሓት ደቂ ገርሂ ልባ ኣታሊሉ ምቅዋም ማለት ምኽዳዕ፣ ፖለቲካዊ መርገጺ ምስ ኣውራጃን ሃይማኖትን ብሄርን ኣተሓሒዞም ከምዝርእይዎ ደፊኑዎም እዩ።
ገለ ኣብ ደገ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ንምቅዋም ዝንቀሳቐሳ ፖለቲካዊ ውድባት ንባዕለን ብብዙሕ ምኽንያታት ካብ ጻሕያይ ምፍልላይ ነጻ ኣይኮናን። እቲ ከም ኣሜባ እንዳተባዝሓ ዝሓድራሉ ዘለዋ ቀንዲ ምኽንያት ካብዚ ሕማም ድሓር ስለዘይተገላገላ እዩ። ናይ ፖለቲካ ኣረኣእያን መርገጽን ፍልልይ ክህልው ባህርያዊ ኮይኑ፡ ኣብ ስልጡን ዓለም ንርእየን ዘለና ሰልፍታት ብሩህ መርኣያ እኳ እንተኾና፣ ኣብ ናይ ዓልየት ወገን ወይ ሃይማኖታዊ እምንት ዝተመርኮሰ ኣይኮነን መፈላለይእን። ኩልና ከምንፈልጦ ሃገሮም በየናይ ኣገባብ እንተተመርሐት ወይ ከመይ ዝኣመሰለ ፖሊሲ እንተተኸተለት እዩ ዝያዳ ዘማዕብላ ኣብ ዝብል ፍልልይ እዮም ሕጊ ተኸቲሎም ዝወዳደሩን ዝነቃቀፍን። እቲ ሓደ ስልጣን ስለዝሓዘ ወይ ስለዝሓየለ ነቲ ሓደ ዝጭፍልቐሉ ምኽንያት የለን። ምኽንያቱ ልዕልና ሕጊ ስለዘሎ። ይውሓድ ይብዛሕ ይድከም ይሓይል ብሕጊ ስለዝምእዘዝ። ምፍልላይ ናይ ኣረኣእያ ዋላ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ይብጻሕ ዝቀያየሙሉን ዝቐራሓኑሉን ሕነ ዝፋደዩሉን ምኽንያት የብሉን። ክልተ ኣሕዋት ካብ ሓንቲ ማህጸን ዝወጹ ይኹን ኣቦን ወድን ኣብ ክልተ ነንበይነን ሰልፍታት ኣባልነት ኣልይዎም መርገጺኦም ክፈላለ ይኽእል፣ ከምኡ ስለዝኾነ ንስጋዊ ዝምድንኦም ብዝኾነ ተኣምር ኣይትንክፎን እዩ።
ኣባና ኣብ ኤርትራውያን ሕጂ ዘይኮነ ኣብ ሓምሳታት ሰልፍታት ቆይመን ኣብ ዝነበራሉ ጊዜ እንትርፎ እቲ ብዘውዳዊ ስርዓት ንጉስ ሃይለስላሴ እንዳተመወለ ልዕሊ ሕጊ ኮይኑ ዓመጽን ጎነጽን ቅትለትን ዝፍጽም ዝነበረ ማሕበር ኣንድነት እተን ካልኦት ብሕጊ ዝቖማ ሰልፍታት ኣብ ነንሕድሕደን ብምጽውዋር ቃልሰን የካይዳ ምንባረን ዝምስክሩ ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋ ብህይወቶም ኣለው። ራእሲ ተሰማ ኣስመሮምን ወዶም ደጊያት ኣብርሃ ተሰማን ኣብ ክልተ ዝተፈላለያ ሰልፍታት ምንባሮምን እቲ ፖለቲካዊ ኣረኣእዮኦም ነቲ ናይ ኣቦን ወድን ዝምድንኦም ከምዘይጸለዎ ህያው ኣብነት ሕሉፍ ግብራዊ ተሞክሮ እዩ።
እቲ ድሒሩ ዝሰዓበ ብረታዊ ቃልሲ ግን ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክትጻወር ኣይትኽእልን እያ ብምባል፣ ናይ ምቅላስ መሰል ናይቲ ካልእ ውድብ ብምንፋግ፣ ኣብ ብረታዊ ረጽሚ ኣምሪሑ። በዚ ዝጀመረ ክሳብ ሕጂ እቲ ብቃልስን መስዋእትን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተረኽበ ናጽነት ፖለቲካዊ ህይወት ናይቲ ሃገር ብሒቱ ብምሓዝ ካልኦት ንከይሳተፍ ኣጊዱ፣ ስልጣን ገቢቱ፣ ሕጊ ረጊጹ፣ ቁጠባ ብሒቱ፣ ህዝቢ ከይዛረብ ብኣፍ ዓቢሱ፣ ናብ ድልየቱ ከይንቀሳቀስ ኮርኪሙ ሒዝዎ ኣሎ። እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ንምትግባርን ንኽመጾ ዝኽእል ተቓውሞ ንምምካትን ብዙሕ መዋእለ ንዋይ ብምፍሳስ ዝሰርሓሉ ምፍልላይ ማእለያ እኳ እንተዘይብሉ፣እቲ ፈፍሩዩ ኣብ ተኸታታሊ ጽሑፍና ክዝርዘር እዩ።
እዚ ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓንቲ ውድብ ንላዕሊ ክጸውር ኣይክእልን እዩ ዝብል ሕማም ስጋዕ ሕጂ ስለዘይተፈወሰ ንፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝብና ረሚስዎ ኣሎ። ኩለን እተን ተቓወምቲ ውድባት ሓንቲ ንህላወ ናይተን ካልኦት ኣሚና እቲ ፍልልይ ብመርትዖ ዝተሰነየ ክትዕ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ከእምን ክንዲ ዝፍትን ቁልቁል ዝኣፍ ኣነ ዝኽተሎ ኣገባብን ኣነ ዝብሎን እዩ ቅኑዕ ኢልካ ምድራቕ ካብኡ ሓሊፍ ነቲ ንሓሳብካ ዘይተቐበሎን ካብቲ ንስኻ ትኽተሎ ኣገባብ ዝተፈለየ ስልቲ ዝተጠቕመ ወይ ክኽተል ዝደለየ ብዓይኒ ጽልኢ ምርኣይን ምትህልላኽን ሓደ ካብቲ ንሓድነት ህዝቢ ዝፈላልይ ኣገባብ እዩ። ምጥቕቓን ወጊድና ብኸመይ ሓሳባትና ኣብ ህዝቢ ዘርጊሕና ኣእሚና ወይ ንርእስና ኣሚና ኣብ መጨረሻ ብድምጺ ህዝቢ ይውሰን ከም ኣድማሳዊ መትከል ክንቅበሎ ድኣ እምበር መሸፈኒ ድኻማትና ክንጥቐመሉ ኣይግባእን።
መቃለሲ ቦታ መናሃሪ ንግብራዊ ስራሕ እዩ። ብዶቡብ ወይ ብምዕራብ እንተኾነ ለውጢ የብሉን። ይምችኣንን ይሰልጠንን ዝበለ ወገን ብዝመረጾ ቦታ እስትራቴጂዑ እንተቀየሰ ክሳብ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእተወ ናብ ሹት እስከ ትሓልፍያ ዝዓይነቱ ናይ ዌብ ሳይታት ውግእ ዘኸትል የብሉን። ሓቂ ብሓቂ ኩለን እዘን ክንገልጸን ዝጸናሕና ናይ ተቓውሞ ውድባት ምስ ሓይለን ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝንቀሳቐሳ ነይረን እንተዝኾና ብኹነታተን ንምግምጋም ኣብ ሕድሕዳዊ ኣካላዊ ረጽምን ኣምባጓሮን ምተሸመማ ኔረን። እሞኸ’ ድኣ ንሓደ ዕላማ ካብ ኮነ ቃልስና፣ “ከይንሰማማዕ ስለዝተሰማማዕና” ድዩ እቲ ጸገም? ወይስ ብጉልባብ ተቃውሞ ናይ ስልጣን ጽምእና ንምርዋይ ኣብ ህልኽ ስለዝተጸመድና? ህዝብና ዝዓጦ ጉዳይ እንተሃልዩ ብኸመይ ካብ መግዛእቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ተገላጊሉ፣ መስተርሖት ረኺቡ ብርግኣትን ሰላምን ኣብ ሃገሩ ይነብር ድኣ እንበር ኣብ ማይ ቀጠነ ዝዓይነቱ ምፍልላይ የሎን።
ክቡራት ተኸታተልቲ ጽሑፍና ኣብዝመጽዕ ክፋል ኣብ ህዝቢ ዘሎ ናይ ምፍልላይ ስምዒታት ክንድህስስ ኢና’ ሞ ስጋዕ ሽዑ ሰናይ ቅነ ንምነየልኩም።
ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት – ኤርትራ
ለንደን፣ ዓዲ እንግሊዝ
14 ጥቅምቲ 2011