ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ሰብኣዊ መሰላት ምጉዕፃጽ

ብማሕበር ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ

ኣብ ጥሪ 2018፡ ጋዜጣ ሊብያ-ሄራልድ፡ ብምኽንያት ሓደ ዓመት ምኽፋት ኤምባሲ ጥልያን ኣብ ትሩብሊ ንኣምባሳደር ሚስተር ጂሰፐ ፐሮኒ ኣዘራሪባቶ። ኣብ ሊብያ፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ኣህጉር ኤውሮጳ ኢጣልያ ጥራሕ እያ ኤምባሲ ከፊታ ዘላ። ካልኦት ኣብ 2011 ንኮሎኔል መዓመር ቀዛፊ ካብ ስልጣን ዝኣለየ ህዝባዊ ማዕበል ሰውራ ሊብያ፡ ኤምባሲታተን ምስ ሰሓባ እቲ ኩነታት ስለዘይተረጋገአን ገና ዘተኣማምን  ማእከላይ መንግስቲ ስለዘይተፈጥረን  ኤምባሲታተን ክኸፍታ ኣይደፈራን።

ጥልያን ግን ደፊራ? ስለምንታይ? ስለምንታይከ ልዕሊ ኩለን ካልኦት ኤውሮጳውያን ሃገራት ተገዳስነት ኣሕዲራ?  ስለምንታይ:  ዝብል፡ ካብ መልሲ ዝያዳ ሕቶ ዘልዕል ብዙሕ ሕቶታት ክድርደር ይከኣል እዩ። ግን ከኣ ንኹሉ ሕቶታት መልሲ ምሃብ  ዘይከኣል እኳ እንተኾነ ብዛዕባ ሓደ ነገር ግን ኣርጊጽና ክንዛረብ ንኽእል ኢና።

ኣብቲ ቃለ መሕትት ንኣምባሳደር ጁሰፐ ሓያሎ ሕቶታት እዩ ቐሪቡሉ። ንገሊኡ ሕቶታት  ብዲፕሎማሲያዊ ቋንቋ ኣስፍሕ ኣቢሉ ክምልሶ እንከሎ ነቲ ሕቶታት ዘስዕብ ሕቶ ግን ብሓጺር መልሲ እዩ ሰጊሩዎ።

ንኣብነት፡-

“ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ስደት ክንዛረብ፡ ጥልያን ንምሊሻታት ገንዘብ ትህብ እያ ተባሂላ ክትውቀስ ጸኒሓ እያ። ስለምንታይ?”  ዝብል ሕቶ ቀሪቡሉ ብጋዜጠኛ፡

ካብቲ ቅድሚኡን ድሕሪኡ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ክህቦ ዝጸንሐ ዝርዝራዊ መልሲ ፍልይ ብዝበለ ከኣ፡ ኣምባሳደር ፔሮኒ ፡

“ንምሊሻ ኣይንሕግዝን ኢና!” ዝብል ሓጺር መልሲ ሂቡ ጥራሕ ሰጊሩዋ። እቲ ጋዜጠኛ ‘ውን  ተወሳኺ ሕቶ ኣየቕረበሉን።

ስለምንታይ እዮም ፔሮኒን እቲ ሓታትን ነታ ዛዕባ ደፊሮም ክኣትዉዋ ዘይደለዩ? ኣብ ሊብያ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት እስትንፋስ ኣብ ዘይህብ ሃዋሁው ኣይ ንላዕሊ ኣይ ንታሕቲ ኮይኖም ተዓፊኖም፡ መጻወቲ ሸፋቱን ነጋዶ ደቂ ሰባትን ኮይኖም፡ ኣብ ክፉት ዕዳጋ በርባዕተ ሚእቲ ዶላር ብጨረታ እናተሸጡ፡ ስለምንታይ ክዛረቡሎም ዘይደለዩ?

ብፍላይ ኣምባሳደር ፔሮኒ ስለምንታይ እዩ ክዛረበሎም ዘይደለየ? እቲ ጉዳይ  ንዕኡ እዩ ዝምልከት፡ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ግን ኣቐዲሙ ብግልጺ ዝበሎን ሕጂ እውን ዝደግሞን እሙን ምላሽ ኣለዎ።

ብ18 ሕዳር 2017 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ብኢንግሊዝኛ Abandoning Human Rights to Curb Migration (ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ሰብኣዊ መሰላት ምጉዕጻጽ) ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ነቲ ኩነታት ብዝርዝር ገሊጹዎ ኣሎ።

ኣብዛ  ዝሓለፈ መንፍቕ፡ ብባርኾት ሃገራት ኤውሮጳን እተደገፈት ኢጣልያ  ብሊብያ ንዝመጽእ ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ኣብታ ርግኣት ዘይብላ ሃገር ምስ ዘለው ዕጡቓት ጉጅለታት ሊብያ ውዑል ኣትያ ኣላ።

እቲ ንብዙሓት ዘገረመን ዘዛረበን ጉዳይ ግን ኢጣልያ ዋሕዚ ስደት ንምግታእ፡ ምስቶም ሰብኣዊ መሰል ስደተኛታት ዝግህሱን ዘራኽሱን ሕገ ኣልባ ዕጡቓት ምስምማዓ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታተ ዝተራእየ ዋሕዚ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ንሕብረት ኤውሮጳን ኣባል ሃገራትን ኣሻቒሉዎም እዩ። ስደተኛታት ካብ ጎንጽን ዘበናዊ ባርነትን ራዕድን ሃድንን ሃዲሞም ስለዝመጽኡ ውሕስነት የድልዮም። ብፍላይ ከም ኤርትራውያን ዝኣመሰሉ ስደተኛታት፡ ዶባት ሃገሮም ክሰግሩ ብእልፊ ጠያይት እናተሳሕቱ ንዝወደቑ መኻይድቶም ከየልዓሉ ዝሰገሩ መንእሰያት ስለዝርከቡዎም፡ ዘተሃዳድኦም እዮም ዝደልዩ።

ስደተኛታት ደቀ ኣንስትዮ እውን ዓው ኢለን ዘይዛረባሉ፡ ክሳብ ሞተን ዝሰትረኦ ግን ኣብ ወሽጠን ኮይኑ ዝሓቕየን ዝፈልጠኦ ዛንታታት ግህሰት ስለዘለወን ልበን ዘረስርሰንን ንበዓተን ዝሕብሰለንን ይደልያ፡ ግን እቲ ኣብ ሊብያ ዘጋጥመን ዘሎ በንጻሩ እዩ።

መብዛሕትኦም እቶም ተገዲዶም ካብ ሃገሮም ዝስደዱ ግዳያት ብቐጥታ ናብ ኤውሮጳ ክኸዱ ኣይክእሉን እዮም። ካብታ ዝነቑሉላ መሬቶም ክሳብ እታ ዝዓልቡላ ምድረ ስደቶም ዝበጽሑዎ ዝኸፍሉዎ ገንዘብ ልዕሊ ዓቕሞምን ዓቕሚ ስድራቤቶምን እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እዮም ንህይወቶም በቲ ዘስካሕክሕ ምድረ ሰሃራን ሊብያን ማዕበል ሜዲተራንያንን ክስደዱ ዝግደዱ ዘለው። ኣብኡ ኽኣ እዚ ዘይበሃል ብመደብ እተሃንደሰ  ንህይወቶም ዝፈታትን ሽርሕን ውዲትን የጋጥሞም ኣሎ። “ ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ሰብኣዊ መሰላት ምጉዕጻጽ” ዘርእስቱ ዓንቀጽና እምበኣር ነዚ ክውንነት እዩ ዘንጸባርቕ።

ኣብ 2016 ሓሙሽተ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ኣፍሪቃ 2.3 ሚልዮን ስደተኛታት ዳርጋ ማዕረ እተን ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ዘዕቆበኦም 2.5 ሚልዮን ስደተኛታት አዕቂበን። እዞም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብሰለስተ መስመር እዮም  ናብ ኤውሮጳ ክስግሩ ዝፍትኑ፡ ቀዳማይ፡ ብመገዲ ቱርኪ ናብ ግሪኽ ወይ ብሃገራት ባልካን ናብ ኤውሮጳ፡ እቲ ካልኣይ ብሰሃራን ባሕሪ ሜዲተራንያንን ገይሮም ናብ ማልታን ጥልያንን፡ እቲ ሳልሳይ ከኣ ብኣትላንቲካዊ ውቅያኖሰ ሰጊሮም ብምዕራብን ሰሜንን ኣፍሪቃ ናብ ግዝኣት ስፐይን ይኣትዉ።

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ነቶም ብቱርኪ ዝኣትዉ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ቱርኪ ተሰማሚዖም፣ ነቶም ብምብራቕ፡ ብሜዲተራንያን ዝኣትው ንምግታእ ከኣ ውሕስነት መሰላቶም ብዘየገድስ ኣብ ሊብያ ምስ ዘለዉ ዕጡቓት ምልሻ ውዕል ኣትዮሙሎም። ዝኾነ ይኹን ግህሰት የጋጥሞም ብዘየገድስ ባባሕሪ ናብ ጥልያን  ክሰግሩ የብሎምን።  እቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ኩነታት ካብቲ ዝሓለፈ እዋናት ኣዚዩ ዝተፈልየ ክነሱ ዋሕዚ ስደት ንምዕጋት ምስ ዝኾነ ኣነ ዓቕሚ ኣሎኒ ኪገብር ይኽእል እየ ዝብል ሓይልን ዕጡቕን ክትሰማማዕ ወሲና – ትገብሮ ከኣ ኣላ።

መገዲ ስደት ሰሃራ ሊብያን ማእከላይ ባሕርን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ተወሳኺ መሰናኽልን እዱድ ውዲትን ኣዚዩ ከቢድ እዩ። ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኮሎኔል መዓመር ቀዛፊ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ብፍላይ ከኣ ጸለምቲ ዜጋታት እታ ኣህጉር ብሕብሪ ቆርቦቶም ጥራሕ ብዙሕ ግፍዒ ወሪዱዎም እዩ። ገሊኦም ኣብ ፈቐድኡ ተኣሲሮም፡ ገሊኦም ከኣ ተበታቲኖም፡ ኣብ ሃገረ ስደቶም ብፍርሕን ሽቑረራን ክነብሩ ተገዲዶም። እቶም ካብ ዝጸንሖም መነባብሮን ህይወትን ዝተፈናቐሉ ኣማኢት ጸለምቲ ከኣ ኣብዚ ዘሕዝን፡ ውዱብ ንጥፈታት ንግድ ደቂ ሰባት ተዋፊሮም ዘነውር ገበን ይሰርሑ ኣለው።

እቶም ብኽንደይ ጸገምን ሽግርን ክንደይ ሓጹር ሞት ተሳጊሮም ኣብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ኮነ ኣብ ኣብያተ ማእሰርትታት ብዙሕ ዘስካሕክሕ ስቓይን ግፍዕን እዩ ዝወርዶም። ብዙሓት ደቀንስትዮ እውን ክትዛረበሉ ብዘሕፍር ጸብጺብካ ዘይውዳእ ኣገባብ፡ ጾታዊ ዓመጽን ግህሰትን  ኣጋጢሙወን እዩ።

ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን መኻዝን ትሕተ መሬት ነጋዶ ደቂ ሰብን፡ ስደተኛታት ብነበልባለ ፕላስቲክ ዝባኖም እናተለብለበ ካብ ቤተ-ሰቦም ገንዘብ ክሕለወሎም ዝተሓተቱን ግፍዒ መሪሩዎም ዝሞቱን ኣዲኦም ትቑጸሮም።  ካብን ናብን ነጋዶ ሰባት ይሽየጡ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ናውቲ ኣካላቶም ተመዝሒቑ ብምሻጡ ብሞት ዝተፈልዩ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ሎሚ ብዙሓት በዚ ስቓይ ሓሊፈን ኣብ ኤውሮጳ ዝበጽሓ ደቀንስትዮ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርትታት ሊብያ ካብ ዓመጽተን ብዘይድላየን ዝወለደኦም ዕሸላት ሓቒፈን ሕሉፈን እናዘከራ፡ እናተቐንዘዋ ውሉዳት ዓመጽ ዘዕብያ ውሑዳት ኣይኮናን።

መንግስቲ ጥልያንን ሕብረት ኤውሮጳን ነቶም ላዕለዋይ ኢድ ኣሎና ዝብሉ ምሊሻታት ሊብያ፡ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንኸይሰግሩ ባሕሮም ንኽቆጻጸሩ ልክዕ ከምቲ ምስ ቀዛፊ ዝገብሩዎ ዝነበሩ፡ መሳርሒታትን ካልእ ሓገዝን ይቕርብሉ  ይቕርቡሎም  ኣለዉ።

ስለዚ “ስደተኛታት ንህይወቶም ብዘስግኣ ውሕስነት ዘይብለን ጀላቡ ናብ ባሕሪ ክኣትዉ የብሎምን!” ሰናይ ብዝመስል ብሂልን ቋንቋን ንምሊሻታት ሊብያ ዝወሃብ ዘሎ ሓገዝ እምበኣር፡ “ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ሰብኣዊ መሰላት ምጉዕጻጽ” እዩ። ምኽንያቱ እቶም ኣብ ኣጻምእ ሰሃራ ኮነ ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ዝተሓዙ ስደተኛታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እታ ሃገር ዘጋጥሞም ግፍዕን መከራን ኣብ ሲኦል እውን ከምኡ’ዶ ይህሉ ይኸውን ዘብል እዩ።

እቶም ወግሐ ጸብሐ ኣብ ማዕከናት ዜናኦምን ኣኼባታቶምን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ዝምድሩን ዝዛረቡን መንግስታት፡ “ ዋሕዚ ስደት ንምግታእ!” ምስ መንግስታት እተን ዜጋታተን ብዘጋጥሞም ሃድንን ግፍዕን፡ ማእሰርትን ውርደትን ዝገድፉወን ዘለዉ ሃገራት፡ “ብመስርሕ ካርቱም!” ዝፍለጥ ካልእ ጓዕጻጺ ውዑል ተፈራሪሞም እዮም።

እቲ ብስም “መስርሕ ካርቱም” ዝፍለጥ ውዕል ነተን ጠንቂ ስደት ዝኾና ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ዶባተን ብጽኑዕ ንኪቆጻጸራ ወተሃደራት ስልጠናን መሳለጥያታትን ከምኡ እውን ናይ ገንዘብን ንብረትን ሓገዛት ዘፍቅድ እዩ። እዚ ተግባር’ዚ ምስቲ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ዝፈረማሉን ዝተሰማማዓሉን ውዑል ኣደማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታት ዝጻረር እዩ። ምኽንያቱ እቲ ውዕል ሓደ ሰብ ብፖለቲካዊ፡ ብዓሌታዊ፡ ብመንነቱ፡ ኣባል ናይ ሓደ ፍሉይ ማሕበራዊ ጉጅለ ብምኻኑ፡ ወይ ብሃይማኖታዊ እምነቱ ኣብ ህይወቱ ሓደጋ ከየጋጥሞ ሰጊኡ እንተወጺኡ ማሕበረሰብ ዓለም ሓላፍነት ክስከም ግዱድ እዩ። ሕጂ ግን በንጻሩ ነቲ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ስግኣታት ሃገር ዝለቐቐ ኮነ ኣብ ሃገር ብስግኣት ተዓፊኑ ዘሎ ሰብ ድሕነቱ ብዘየገድስ መሰላቱ ክጉዕጸጽ ኣለዎ ምባል፡ ከምቲ “ክውዕየካ ብምንካ ክዝሕለካ ብኢድካ” ዝበሃል ድርብ መለኪዒታት ምሓዝ እዩ። እቲ ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ኣብ 2015 ኣብ ቫሌታ ማልታ ንስርዓታት ሊብያ፡ ሱዳንን ኤርትራን ክወሃብ ዝተወሰነ ሓገዝ እምበኣር ነዚ ክውንነት እዚ እዩ ዘንጸባርቕ።

ንኣብነት፡ እቲ ትካላት ፍትሒ ኬንያን ኤርትራን ንምምሕያሽ ተባሂሉ  ብሕብረት ኤውሮጳ ዝተዋህበ 40 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ብፍላይ ኣብታ ከሳሲን ፈራድን ብሓደ ሰብ ዝፍጸመላ ትካላት ፍትሒ ብፍላጥ ዝለመሰላ ኤርትራስ ናይ ብሓቂ ድዩ ከድምዕ? ምቁጽጻር’ከ ክግበር ይከኣል ድዩ? ብዙሕ ክምለስ ዝግበኦ ሕቶታት እናሃለወ፡ ብዝኾነ ይኹን ዘተስፉ ምኽንያታት ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ኩሉ መዳያዊ ፈተነታት ኪገበር ዘንቀደ ሕብረት ኤወሮጳ ነቲ ቐንድን ሱሩን እቲ ጸገም ኣይተረደኦን ወይ ክርደኦ ኣይደለየን ዘሎ።

እቲ ንስምምዕ ካርቱምን ቫሌታ ማልታን ተኸቲሉ ኣብ መንጎ ሕብረት ኤውሮጳን ሊብያ ዝግበር ዘሎ ስምምዕ ንስደተኛታት ኪጎድኦም እምበር ክጠቕሞም ኣይኮነን። ድሕሪ እቲ ስምምዕ ሱዳን ኣማኢት ሓተትቲ ዑቕባ ኤርትራውያን ብሓይሊ ቀይዳ ንኤርትራ ጠሪዛቶም። ብድሕሩኡ ኣብ ዝግበር ዘሎ ስምምዓት እውን ርኡይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እዩ ዝረአ ዘሎ።

ሕብረት ኤውሮጳ ኮነ ኣባል ሃገራት ነቲ ጠንቂ ሕሰምን ስደትን ፍልሰትን ዝኾነ ኢትሃብራዊ ፍኑው ማእሰርቲትን ብተዘዋዋሪ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ክድጉማን ክምውላን ኣይግባእን እዩ። በንጻሪ እኳ ደኣ ነቲ ቐንድን ምኽንያትን ጃምላዊ ስደት ኮይኑ ዘሎ መሰረታዊ ዘቤታዊ ምኽንያት ክኹንነኦን  ክቃወሞኦን’ዩ ዝግባእ።

እቲ ሕጂ መሰላት ስደተኛታት ጓዕጺጹ ዝግበር ዘሎ ስምምዕን ሽርክነትን ንጸገማት ስደተኛታት መሊሱ ዘጋድድ እምበር ዝፈትሕ ኣይኮነን። ፖሊሲታት ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ መሰረታዊ ጠንቂ ስደት ኣፍሪቃውያን ክሳብ ዘይመለሸ ንዋሕዚ ስደት ስደተኛታት ክዓግቶን ክንክዮን ኣይኮነን። እንተደኣ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ክብል ምስቶም ብሕጊ ዘይግዝኡን ዘይምእዘዙን ሰብኣዊ መሰል ዜጋታቶም ዘይኽብሩ ስርዓታት ተሓባቢሩ፡ ሰብኣዊ መሰላት ይጥሕስን፡ ንክብርታቱን መትከላቱን  ኣብ ዋጋ ዕዳጋ የእቱን ከምዘሎ ክዝክር ይግባእ። ብስርዓተ ሕጊ ምስ ዘይግዝኡ መለኽቲ ስርዓታት ውዑላት ምግባር ቅቡል ኣይኮነን። ሰብኣዊ መሰላት ብኸምዝን ወዲ ኸምዝን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክወድቕ ነውርን ኣብ ታሪኽ ይቕረ ዘይበሃሎ ክሕደትን እዩ።

ሓልዮት ሰብኣዊ መስላት – ኤርትራ
ለንደን፥ ዓዲ እንግሊዝ