ኮረኔል ተስፋልደት ስዩም

ኮረኔል ተስፋልደት ስዩም (ወዲ ስዩም) ኣብ ኮርባርያ ተወሊዱ ኣብኡ ምስ ወለዱ ዓብዩ። ስድራቤቱ ምንም’ኳ ሓረስቶት እንተነበሩ ንደቆም ኣብ ምምሃር ገታኢ ስለዘይነበሮም ከም ኣሕዋቱ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸበ ዓንተር ተስፋልደት ኣብ መቦቀል ዓዱ ዝጀመሮ መባእታ ትምህርቲ ኣብ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ደቀምሓረ ብምቅጻል ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ብሉጽ መንእሰይ ነበረ።

ወላዲኡ ኣቶ ስዩም ብኸባቢኦም ህቡብን ሕፍርን ክኢላ ተዛራባይ ፖለቲከኛ ስለዝነበሩ ንዝዓበዩን ዝነኣሱን ደቆም ኣብ ምድላው ዓቢ ግደ ኔሩዎም። ሳዕቤኑ ከኣ ኩሎም ደቆም ተመራሪሖም ናብ ናጽነት ምንዳይ ወፊሮም ንኤርትራ ክውንቲ ንምግባር ደቂ ሓንቲ ማህጸን ዘይንዓቅ ኣስተዋጽኦ ኣበርኪቶም። ኣንተኾነ እቲ ኩሉ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ፡ ማእለያ ዘይብሉ ዝኽትምና ዘስዓበ፡ ስንክልና ጎዮም ዘይጸገቡ መንእሰያት ዘኸተለ፡ ማህጸን ወላዲት ዘምከነ፡ ንክትግምግም ዘጸግም ንብረት ዝበረሰሉ ናጽነት ግዳይ ንግስነት ኢሳያስን ጃንድኡን ስለዝኾነት ዳግማይ እቲ ዘይንብርከኽ መንፈሶም ፍትሒ ንምርግጋጽ ክልቲኦም ኣሕዋት ብርጋዴር ጀነራል እስቲፋኖስ ስዩምን ኮለኔል ተስፋልደት ስዩምን ንሓቅን፣ፍትሕን መሰልን ስለዝቆሙ ኣብ ምሕዩር ተሞቂሖም ወኖም ግን ኣይተጻዕደን።

ተስፋልደት ኣብ መጀመርታ 70ታት ተማሃራይ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ደቀምሓረ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብዝነበሮ ውዕውዕ ሃገራዊ መንፈስ ተደሪኹ ሃሙን ቀልቡን ፖለቲካ ኮነ። ንሃገራዊ ስምዒቱን ፖለቲካዊ መርገጺኡን ብጭብጥን ብመርትዖን ከረጋግጾ ስለዝመረጸ ጎኒ ኣካዳሚያዊ ትምህርቱ ንዕላማ ናይ 50ታት ናይ ኤርትራ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ምቋምን ምፍራስን ፈደረሽን ሰነዳት ብምውካስን ዓበይትን ለባማትን ብምሕታት ኣጻጽዩ ኣጽንዖ።

ንዓሚቕ ፍልጠቱ በቲ ካብ ወላዲኡ ኣቶ ስዩም ዝወረሶ ናይ ምዝራብ ተኽእሎኡ ጌሩ ንተማሃሮ ብምጉስጓስ ኣብ መንእሰያት ሃገራዊ ስምዒት ብምብርባር ኤርትራዊ ወኒ ኣብ ከተማን ገጠርን ኣብ ምጉህሃር እጃሙ ዕዙዝ ኔሩ። ተፈላጥነቱን ዝንኡን ምስ ዕድሚኡ ዘይመዛዘን’ ኳ እንተነበረ ኣቃልቦ ጸላኢ ካብ ምስሓብ ኣይተናገፈን።

ንድፍረቱን ትብዓቱን ዋላ ብብልሓት ይጠቐመሉ ተጻብኦ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳሓየለ ስለዝኸደ ነቲ ናይ ዩኒቨርስቲ ምእታው ዕድሉ ራሕሪሑ ለንቀይ ለንቀይ እንዳበለ ኣብ 1973 ዓ/ም ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ) ተሰለፈ።

ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ብዝነበሮ ህርኩትነትን ብልሕን ንቋንቋ ዓረብን ሳሆን ትግረን ክመልኮም ግዜ ኣይወሰደሉን፡ ንብረታዊ ቃልሲ ኣይተጋየሾን፡ ንፖለቲካ’ሞ ምኩር መምህር እንበር ካብኦም ዝደልዩ ኣይነበሮን። ሓቅን ሓሶትን ኣብ ምምዝዛን ይኹን ኣብ ምዕዛብ ባህሪያዊ ተውህቡኡ ስለዝኾነ ፍሽኽ እንዳበለ ዘድልዮ ቃላት ካብ ምድርባይ ዓዲ ኣይውዓለን። ምስቲ ዝነበሮ ሰጓሚ ኣተሓሳስባን ዘጋጥሞ ዝነበረ ዘይተጸበዩ ተርእዩታትን ከይተዳህለ ንሱር በተኽ ለውጢ ግዜ እንዳተጸበየ ንኩሉ መዳያት ቃልሲ ተተሓሓዞ።

ሰውራ ኤርትራ ተባራቲዑ ሓይሉ ዝባን ከበሳ ብምድያብ ንጸላኢ ኣብ ዝተወሰነ ከተማታት ከርኪሙሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ንፍልልይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ናይ ክልቲኡ ውድባት ተ.ሓ.ኤ.ን ህ.ግ.ሓ.ኤ ዕሽሽ ብምባል “ሕጂ ኣንጻር መግዛእቲ!!” ፖለቲካዊ ፍልስፍና ቀስ ኢልና ነርክበሉ” እንዳበለ ዓው ኢሉ ንህዝብን ሰራዊትን ይጉስጉስ ኔሩ። ኣብ መንጎ ናይ ብረት ረጽሚ ኣብ ዝለዓለሉ ዝነበረ ግዜ እንዳኣንጸርጸረ ብምረት ንረብሓ መን፡ ኣብ ምንቲ ምንታይ፡ እንዳበለ ካብ ወታደራውን ፖለቲካውን መምርሒ ተ.ሓ.ኤ እንዳወጸ ምስ መሰረታት ተጋደልቲ ይዝትን ንውዳበ ፍሉይ ተቋውሞ ናይ ክልቲኡ ውድባት ይጽዕርን ላዕልን ታሕትን ይብል ምንባሩን ብመሪሕነት ናይ ክልቲኡ ውድባት ብክፍእ ዓይኒ ይጥመትን ብኣንጻሩ ብህዝቢ ተፈታውነቱ ዓቢ ምንባሩ ይንገረሉ።

ተስፋልደት ካብ ምክትታል መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ ኣየምለጠን። ነቲ ምስ መሰረታት ተጋደልቲ ዝነበሮ ርክብ ንምድራት ወይ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ቦታ መዲብካ ዕምሩ ንምሕጻር፡ በቲ ካልእ መዳይ ከኣ ነቲ ዝነበሮ ብልሕን ትብዓትን ልዑል ኣወዳድባን ተጠቂሞም ስም ጀብሃ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ንምዕባይ ሓንቲ ፍልይቲ ኣሃዱ ብክልተ መስርዕ ጥራይ ዝቆመት ጋንታ ካብ ናይቲ እዋንቲ ንቡር ኣተዓጣጥቃ ኣጽዋር ፍልይ ብዝበለ ብዝሒ ኣርፒጅታት ዝዓጠቀት ብ “ኣስመራን ከባቢኣን ራዕድን ሽበራን” ናይ ዝተሰምየት ኣሃዱ ሓላፊ ገበርዎ።

ንዕላማ ዝወፈረ ዝሕሰበሉ ፈልዩ ዝፈልጥ በዓል ርሑቅ ራእይ ምኩር ተጋዳላይ ብምንባሩ ነቲ ጋሪዱ ሒዙዎ ዝነበረ ሓጹር ብምብጣስ ጽልውኡ ኣብ ህዝቢ ኣዕዘዘ። ነቲ ደረቅ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቱ ትእዛዝ ተዓጻጺፋ ኣንጸባራቂ ወታደራዊ ዓወታት ብምምዝጋብ ንዝህዝቢ ጸባ ኣስተዮ። ኣብ ዝተመደበሉ ክሊ ከይተወሰነ ኣብ 1976 ዓ/ም ነቲ ደርጊ ሕረድ ዝመት ኢሉ ዘውፈሮ ብስም ራዛን ዙሉን ፕሮጀክት ዝፍለጥ ወራር ንምብርዓን ካብ ከባቢ ስሓርቲ ፍልይቲ ኣሃዱኡ ሒዙ ብዘበዘብ ለይትን መዓልትን ተጓዒዙ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፍ ነቲ ኣብ ዛላምበሳን ከባቢኣን በጺሑ ዝነበረ ወራር ሰራዊት ደርጊ ቅያ ብምፍጻም ደምሰስዎ።

ብድሕሪኡ ኣብቲ ብቐጻሊ ምስ ወታደራት ጸላኢ ዝካየድ ዝነበረ ጥምጥም ስለዝተወግእ ንክሕከም ንባርካ ምስወረደ ንከሰላ ከይዱ ከዕርፍ መምርሒ ተዋህቦ። ኩሉ እቲ ብድሕሪ መጋረጃ ዝጻወድ ዝነበረ ሽርሕታትን ዝኽሰት ዝነበረ ምዕባሌታትን ስለዘይተሰወሮ ህራይ ኢሉ ትእዛዝ ብምቅባል ኣንፈቱ ቀይሩ ካብ ዝተዳለወሉ ቅንጸላ ኣምሊጡ ናብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ብምንጽንባር ቃልሱ ቀጸለ።
ኣብ 1977 ዓ/ም ኣብታ ተማሂሩ ዝዓበየላ ከተማ ደቀምሓረ ኣብ ክፍሊ ቁጠባ ተመዲቡ ክሰርሕ’ኳ እንተጀመረ ኣብ ከባቢ ማይዓይኒንን ማይ ዕዳጋን ኣብ መንጎ ክልቲኡ ውድባት እቲ ኣብ ዕምሩ ዝጸልኦ ኩናት ሓድሕድ ተባርዐ። ነቲ ካብ ክፍልታት ዝተኣኻኸበ ሰራዊት ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብቲ ኩናት ሓድሕድ ዘወሃህድ ዝነበረ ሽዑኡ ናይቲ ከባቢ ክፍሊ ህዝቢ ሓላፊ ዝነበረ ሕጂ ናይ “መጀር ጀነራል” መዓርግ ሽመት ሒዙ ኣብ ልዕሊ ፍትሒ ዝዕንድር ዘሎ ሃይለ ሳሙኤል (ቻይና) ዘይወሓጠሉ ትዕዛዝ ሃቮ እንተኾነ ተስፋልደት ልዕሊኡ ናይ ኩናት ተመክሮን ናይቲ ከባቢ ፍልጠትን ስለዝነበሮ ነቲ ዝሃቦ ትእዛዝ ከምዘይቅበሎን ካልእ ዝሓሸ ስጉምቲ ከምዝወስድን ሓበሮ። ወዮ ጉድለቱ ዘይቅበል ክውደስ ዝደሊ ሓላፊ ክህድዶ ፈተነ። እንተኾነ ተስፋልደት ሓቅኻ ስለዘይትፈልጠኒ ኢኻ ድሕሪ’ ቲ ኣነ ዝገብሮ የራኽበና ብምባል ዕሽሽ በሎ። ሃይለ ሳሙኤል (ቻይና) ካብ ንግሁኡ በዚኣ ነኺስሉ ኣብ ዘዝኸዶ ኣንጻሩ ተዓጢቑ ሓንሳብ ኣቀባጢሩ ክሕዞ ይፍትን፡ ምዃን ምስኣበዩ ብኢድ ኣዙርን ብቀጥታን ክደቁሶ ኣብ መዋእል ዝተናውሓ ኩናት ተረባሪቦም ጥራሕ ዘይኮነ ድሕሪ ናጽነት’ውን ሸለል ኣይበሎን።

ሜጀር ጀነራል ፍሊጶስ’ ውን ነቲ ምስ መዘንኡ ሃይለ ሳሙኤል (ቻይና) ዝነበሮ ውድድርን ቅንእን ዘስዓቦ ዘይምቅዳው ንኽጥቀመሉ ንተስፋልደት ክቐርቦ ፈቲኑ እዩ። እንተኾነ “ኣናፍራ ቆቋሕ ዘይፈልጥ ኣይሃዳናይን” ከምዝበሃል ኣብ ውልቃዊ ህልኾም ኣትዩ መጋበርያ ክኽውን ባህሪኡ ስለዘየፍቅደሉ ጠንቂ ዘይምርድድኦም ከኣ ኮነ ኢሉ ፕረዚደንት ኢሳያስ ዘሳወሮ ምዃኑ ስለዘይተኸወሎ ነብሱ ካብ ከምዚ ኣግሊሉ ፍትሒ ዝነግሰሉ ሃሰው ምባል’በር ብማልዶ ተጠቢሩ ብጓል መገዲ ዝኸይድ ሰብ ስለዘይኮነ ጸማም እዝኒ ሃቦ።

ተስፋልደት ምሉእ ሂወቱ ካብ ተዋጋኢ ሰራዊት ከይተፈለየ ምሉእ ኣካላቱ ብጠያይት ጸላኢ መንፊት ዝኾነ ሓደ ኢዱ ብሰንኪ መውጋእቲ ነርቭ ቆራይ፡ ሓደ ዓይኑ ኖጣቕ፡ ሓደ እግሩ ሰባር እዩ። ብታሕተዎት ተጋደልቲ ኣዝዩ ፍቱው ክኢላ ናይ ኩናት መራሕን ወዳብን ኮይኑ ዘረብኡ ባይታ ዘይወድቕ ፍሉጥ መዳራይ እዩ ነይሩ። ኣብ ሰራዊት ካብ ተራ ብሰንሰለታዊ መገዲ ክሳብ ኣዛዚ ብርጌድን ናይ ኮሎኔል መዓርግን በጺሑ። እዚ ጽፍሕን መዓርግን’ዚ ምስ ግድምንኡን ብቅዓቱን ተቀባልነቱን ኣበርክትኡን ክጥመት ከሎ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ምኽንያቱ እቶም ኣዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊትን ግንባራት ተባሂሎም ኣብ ልዕሊኡ ተመዚዞም ዝነበሩ ጀነራላት ብብቅዓት ኮነ ብስነምግባር ክንዲ ርብዑ ዘይኣኽሉ ኩሉ ዝፈልጦን ኣፍ ኣውጺኡ ዝዛረበሉ ዝነበረ ሓቂ እዩ። ነገራቱ ናይ ኣረኣእያን መርገጽን ሕቶን ብካልእ ከኣ “ካብ በዓል ጣፍ’ሲ ብዓል ኣፍ” ዝበሃል’ውን ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ ብ1989 ዓ/ም ኣብ’ቲ ሰሚናር ኮነ ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባታት ሓደ ካብቲ ጸቂጡ ዝዛረበሉ ዝነበረ ነገር፡ ሕጊ ክህልወና ኣለዎ። ሕጂ ናብቲ ዝበዝሓ ህዝቢ ዝርከበሉ ከባቢ ንዝርጋሕ ኣሎና። ካብ ሎሚ ኣትሒዝና መሰረት ሕጊ ኣንጺፍና ብኡ ክንቅየድን ክንሰርሕን እንተዘይጀሚርና በብዝመሰለናን ዝረኣየናን ክንከይድን ነገራት ክንፈትሕን እንተኾይና፡ ዝፈጥሮ ሃጓፍን ዘሕድሮ ልምድን ንሓዋሩ ቀሊል ኣይኮነን ይብል ኔሩ። ነዚ ክብል ከሎ ነቲ ክፍሊ ህዝቢ ባዕሎም ሓገግትን ፈረድትን ኮይኖም ሚዛኑ ዘይሓለወ ዝኽተልዎ ዝነበሩ ኣፈታትሓ ግርጭት ብምዕዛብ ኮይኑ ብዙሕ ግምት ዝሃቦ ሰማዒ ግን ኣይረኸበን።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ካብ 1992 ስጋዕ 1994፡ ተስፋልደት ካብቶም መጀመርታ ንወትሃደራዊ ቤት ፍርዲ ዘቖሙን ማእከላይ ዳኛ ናይቲ ቤት ፍርዲ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ኮይኑ ግን ካብቶም ኣብቲ ሽዑ ዝነበሩ ዳያኑ ፍትሓዊ ኣረኣእያን መርገጽን ስለዝነበሮ፡ ኣገባብ ኣፈራርድኡን ዘልዕሎም ዝነበረ ናይ ፍትሒ ሕቶ በቲ ስርዓት ቁቡል ስለዘይነበረ፡ ካብቲ ቤት ፍርዲ ንምምሕዳር ኣውቶቡሳት ኣስመራ ተቀይሩ።

ኣብ 1995 ኣመሓዳሪ ናይ ከተማ ኣስመራ ናይ ህዝቢ መጉዓዝያ ኣውተቡሳት ኮይኑ ምስ ተመደበ ድማ፡ ስራሕ ንከጻፍፍ ካብ ውሽጢ’ቲ ትካል ንምኩራትን ብሱላትን ሰራሕተኛታት ኮሚተ ብምምዛዝን ባዕሉ ምስኦም ብምውሳእን ውሽጣዊ ሕግታት ብምንጻፍ ናይ ምቁጽጻር ኣገባብን ኣፈጻጽማን ኣገማግማን ኣተኣታተወ። ንቀጻሊ ዕብየት እቲ ትካል ጎኒ ንጎኒ ድልየት ተገልጋላይ ህዝቢ ምርኩስ ብምግባር ናይ 5 ዓመት ውጥን ስራሕ ሓንጸጸ። ምንም’ኳ እቲ ዝህቡዎ ዝነበሩ ኣገልግሎት ምስቲ ቅልጡፍ ናህሪ ብዝሒ ተጠቃሚ ክመጣጠን ናይ ኣውቶቡሳት ሕጽረት፣ ዘይምቹእነት ጎደናታትን ዘይብቁዕ ምሕደራ ትራፊክን ዘስዓቦ ጸገም ከምቲ ዝደልዮ እንተይዓገበሉ፡ እቲ ትካል ብኣታዊታቱ ክመሓደር ናቱ ናይ ምሕደራ ርእሰ ምምሕዳር ክህልዎ ብዘይ ናይ ዝኾነ ድጎማ ብልቃሕ ብቅዓት ዘለወን ኣውተቡሳት ካብ ደገ ከእቱ ዘቅረቦ ሰፊሕ ናይ ስራሕ ብጽሑፍን ብሰነዳትን መርትዖን ዝተሰነየ እማመ ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ተነጽገ።

ብኣንጻሩ ኣብ ፋይናንስን ልቸንሳን ኢድ ምትእትታው ተቀላቀለ። ካልኣይ ኢድ ዝኾና ኣውተቡሳት ብውልቀሰብ መጺኤን ባዕሎም ብዝገመትዎ ንሰማዒኡ ዘስደምም ዋጋ ክቅበልን ንዝተዋህቦ መምርሒ ብዘየማትእ ኣትሪሩ ስለዝተቋወመ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 1996 ካብ ዝነበሮ ናይ ስራሕ ሓላፍነት ደው ኣቢሎም ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሰደድዎ።

ንተስፋልደት ፈጺሙ ኣይሓደሶን። እኳ ድኣ ካብ መጀመርያ ዘድህበሉ ዝነበረ ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን ስለዝነበረ ብዘቅረቦ ውሕሉል ጠለብ ምስቶም ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ናይ ሕጊ ማህደረ ትምህርቲ ዝወስዱ ዝነበሩ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ተላኢኹ ንክመሃር ዕድል ረኸበ። ትምህርቱ ብልዑል ጸብለልትነት ዛዚሙ ምስተመልሶም ኣብ ምንታይ ይመደብ ዝብል ሕቶ ንምምላስ እቲ ኣብ ተ.ሓ.ኤ ካብ ዝስለፍ ከሎ ጀሚሩ ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ናይ ምሕጻር ስጉምቲ ተቀባልነቱን ህቡብነቱን ንምህሳስን፡ ጽልውኡ ንምድራትን ወትሩ ኣብ ጉዕዞ ናይ ቃልሲ ሂወቱ ስለዘይተፈልዮ፡ ኣብ 1996 ጠበቃ ናይ ሚኒስትሪ ምክልኻል ተባሂሉ ተመዚዙ ኣብ ሓንቲ ጸባብ ስራሕ ዘይብላ ቅድሚኡ ከም ቅርጺ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ዘይነበረት ቤት ጽሕፈት ተዳጎነ። እቲ ዝተመደቦ ስራህ ምንም’ኳ ትሕቲ ዓቅሙ ይኹን’ምበር እቲ ባጀት ናይቲ ሚኒስትሪ ብውልቃውያን ነጋዶ ምስ ሰበስልጣን ዝተጸግዑ ሰብ ረብሓ ይምዥረጥ’ኳ እንተነበረ መን’ሞ ናብ ሕጊ ንኽቀርብ ናብኡ ይምረሓዮ።

ሱቕ ምባል ኢድካ ምሃብ እዩ ዝብል ጽኑዕ መርገጺኡ ከይቀየረ ነቲ ዘጋጠሞ ዕድል መዝሚዙ ናይ ትምህርቲ ሽውሃቱ ንምርዋይን ናብ ረብሕኡ ንምቅያርን ዓቅሙ ኣኻዕቢቱ ንቀጻሊ ንምምዕዳው እንዳሰራሕኩ ክመሃር እየ ኢሉ ንሓለፍቱ ኣፍቂዱ ኣብ ዩኒቨረስቲ ኣስመራ ኣብ ዓመተ ትምህርቲ 1997/98 ኣተወ። ሕማቅ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ናይ ዶብ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ ምስተባርዐ ከቲቱ ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ብምኻድ ኣዛዚ ብርጌድ ኮይኑ ኣብ ምፍሻል እቲ ኩናት ዳግም ብቅዓቱ ብምምስካር ዕዙዝ ግደ ተጻወተ። ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዝነበሮ ሓልዮትን ውሕሉል ኣተሓሕዝኡን ብኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ተፈታውነቱ ጥርዚ ደየበ። ዝንኡ ካብ ኣሃዱኡ ሓሊፍ ናብ ምሉእ ግንባር ብምልሓም ኣብ ሓድሽ ወለዶ ጽልውኡ ሓየለ።

ካብ ፍጥረቱ ንዝረኣዮ ጉድለት ካብ ምንቃፍ ድሕር ዘይብል ብምዃኑን ብኣካይድኡ ስለዝቀንኡ ኩናት ጠጠው ምስበለ ብኩሎም ላዕለዎትን ኣብ ማዕርኡ ጽፍሒ ዝነበሩ ሓለፍቲ ክጥመት ጀመረ። ከምዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ ኣብ ሂወቱ ሓድሽ ስለዘይኮነ ግምት ከይሃቦ ናይ ብርጌዱ መደብ ብምውጻእ ባህሊ፡ ስፖርት ፡ ኣካዳሚ፡ ወታደራዊ ትምህርቲ ናይ ግዜ ሰሌዳ ሰሪዑ ብቅዓት ዘለዎም ኣካላት መዚዙ ንምዕባለን ስልጠናን ኣሃዱ ብጥብቂ ተተሓሓዘን ብዓቅሙ ዘፍቀዶ ውልቃዊ ሽግር ኣባላቱ ይፈትሕን ነበረ። ኣብ የማነ ጸጋም ናይታ ብርጌድ ዓስኪረን ዝነበራ ካልኦት ብርጌዳት ኣባላት ብዝሓደሮም ቅዱስ ቅንኢ ኩሉ ዕላሎም ብዛዕባ ንጥፈታትን ሓድነትን ኣሃዱ ተስፋልደት ኮነ። ብዘይኣፍልጦ እዚ ክፍለሰራዊት ሰባት ናብ ስድርኦም ክበጽሑ ትሰድድ ኣሎኻ ተባሂሉ ተኸሰሰ። ጀሚርካዮ ዘሎኻ መደብ ትምህርቲ ናይ ኣሃዱ ጠጠው ኣብሎ። ብግንባር ደረጃ መደባት ወጺኡ ክዕደል ኢዩ ተባህለ። ብውልቂ ከኣ ናብ ካልእ ኣሃዱ ንግንባር ጋሽ ባርካ ተቀየረ።

“ንበዓል ነጎዳ ሓዊ ደብሶ” ከምዝበሃል ኣብ ከረን ንላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት ጋሽ ባርካ ብሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ሓጎስ ክሻ ብዛዕባ ህሉው ፖለቲካውን ቁጠባዊ ምዕባሌታትን መጻኢ መደባትን ሰሚናር ኣብ ዝተገብረሉ ግዜ ተስፋልደት ከምዚ ኢሉ ሓተተ፡-
ስለምንታይ ቅዋም ዘይትግበር? ህ.ግ.ሓ.ኤ. ታሪኻዊ ተልእኹኡ ኣብቂዑ እዩ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ዘየረክብ? ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ዝሓለፈ ረጽሚ ዋላ ሓንቲ እጃም ኣይነበሮን ንምዃኑ ኣሎ ዲዩ? ህላውነቱኸ እንታይ ኣድላይነት ኣለዎ ብምባል ስሩዕን ኣሰንባድን ሕቶ ኣቅረበ።

ኣዳራሽ ብናይ ኣኼቤኛታት ጥቅዒት ድብልቅልቅ ኣተዎ። ተሓታቲ ተዳሂሉ ብመታልሑ ረሃጽ ኮረር ኮረር እንዳበለ ናብቲ ብየማኑ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ፍሊጶስ ኣቅባሕበሐ። ወዮ ሜጅር ጀነራል ፍሊጶስ ከምዛ መጻልእቲ ሜጅር ጀነራልሃይለ ሳሙኤል (ቻይና) ክኾኖን ክሕዞን ከቀባጥረሉን ላዕልን ታሕትን ክብል ዘይጸንሓን፡ ካብ ግንባር ሰንዓፈ ተቀይሩ ምስ መጾ ፍሉይ ሓለፋ ክገብረሉ ዘይቀነየ፡ እዚ ኣብ እንዳ መስተ ምስ ካልኦት ከምዚ ከማኻ ቄናን ኣረኣእያ ዘለዎም ክትዛረቡሉ ዝጸናሕኩም ኢዩ ጽናሕ ክንረኣኣ ኢና ኢሉ ኣግባዕባዓሉ። ተስፋልደት ጉዳይ ናብ ጓል መገዲ ኣይትስደዱ።

መልሲ ናይ ዝሓተትኩዎ ሕቶ ጥራሕ ኣስምዑና ካብኡ ዝተረፈ እዚ ናትካ ምፍርራሕ ዘይኮነ ግንባረይ ንዓረር ዘወፈኹ ዝተራእየኒ ክዛረብ፡ ዘይበርሃለይ ክሓትት ንመዋእለይ ዝተቃለስኩሉ ማንም ዘይግህሶ መሰለይ እዩ ኢሉ ለዚቡ መለሰሉ። እቲ ክምለስ ዘይክእል ሕቶ ተጎስዩ ኣኼባ ብዘይኣገባብን ወግዕን ተበተነ።

ንጽባሒቱ ካብዚ ግንባር ተቀይርካ ኢኻ ናብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ሎሚ ኺድ ተባሂሉ ዝኾነ ወግዓዊ ናይ ምፍናው ኣኼባ ይኹን ናይ ምርክኻብ ስነ ስርዓት ዘይብሉ ብዘይዝኾነ መሰነይታ ወረቀት እቲ ዘጉባዕባዓሉ ኣዛዚ ከይረኸቦ ሳንጥኡ ጠቕሊሉ ናብ ኣስመራ ተመልሰ። ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ከኣ ወርሒ ወርሒ ናብዚ እንዳመጻኻ ፈሪምካ ካብ ፋይናንስ ደሞዝካ ውሰድ ኣብ ዝደለናካ ግዜ ባዕልና ክንጽውዓካ ኢና ስለዝበልዎ ናብ ክብርቲ በዓልቲ ቤቱን ፍቱዋት ደቁን መዓስክር ደንደን (ቃኘው) ከይዱ ኮፍ በለ።

ግዜያቱ ከም ኣጋጣሚ ወርሓት መስከረም ስለዝነበረ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ እንደገና ተመዝጊቡ ምዱብ ትምህርቱ ጀመረ። እንተኾነ ዓቕሙን ተቀባልነቱን ፍሉጥ ስለዝነበረ፡ ሕጂውን ዝኸፍኣ ንተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ክውድበልና እዩ ብዝብል ዓቢ ስግኣት ኣብ ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ናይ ስለያ ትካላቱን ሓደረ። እንታይ ከምዝገብርን ምእታውን ምውጽኡን ዝከታተሉ ገለ ካብቶም ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ከይተረፈ ሰለይቲ ተመደበሉን ደድሕሪኡ ዞኽ ዞኽ ክብሉ ድማ ተራእዩ።

ነቲ ኩሉ ሸኸርከር ብኣግኡ ዘስተብሃለሉ ተስፋልደት፡ ኣነ ንነብሰይ ከም ድላየይ እየ ዝገብራ። ሕጂ ናብ ትምህርቲ ዓለም ተመሊሰ ተማሃራይ ጌረያ ኣለኹ ንኹሉ ቀስ ኢለ ከርክበሉ ኢየ እንዳበለ ከሎ፡ ኣብ 2001 ዓመተ ምህረት ንትምህርቲ ምስከደ ካብ ካምፓስ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ብኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ተጨውዩ ንዝተወሰነ ዓመታት ሓታቲ ዘይብሉ ኣብ ጸልማት ካርሸሊ ተዳጉኑ ነበረ። ሕጂ ግን ዔራዒሮ ዝተባህለ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ዝርከብ ዘስካሕክሕ ቤት ማእሰርቲ ምስ እቲ ስለ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ መዋእሉ ክርቲቱ ዝተበጀወን ንስለ ፍትሒ ሓቂ ስለዝተዛረበን ብዘይ ክስን ፍርድን፡ ተዳጉኑ ዘሎ ኣባል ጉጅለ15 ዝኾነ ሓው ብርጋዲየር ጀነራል እስቲፋኖስ ስዩም ተሓይሩ ኣሎ።

ወዮ ድኣ ኣብ ዘመነ ኢሳያስ ኩሉ ግርንቢጥ ኮይኑ’በር፡ ኮሎኔል ተስፋልደት ኮነ ብርጋዲየር ጀነራል እስቲፋኖስ እዚ ኹሉ ግፍዒ ክፍጸሞም ጻምዖም ኣይኮነን። ዋጋ እቲ ኩሉ ዝፈጸምዎ መወዳደርቲ ዘይርከቦ ጅግንነት ግን፡ ንሳቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝበልዩ፡ ኣንስቶም ማዳ ከምዝስለማ፡ ደቆም ዘኽቲሞም እንጀራ ንኸብዶም፡ ጨርቂ ንዝባኖም ከምዝስእኑን ምግባር፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ብመንግስቲ ኢሳያስ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ክሳብ ክንደይ ዘስካኽክኽ ምዃኑ’ዩ ዘርእይ።
ኤልሳ ጭሩም
ለንደን, ዓዲ እንግሊዝ
1 ሕዳር 2007
__________________________________________________
ነዛ ካብ ብዙሑ ብውሕዱ ብዛዕባ ኮረኔል ተስፋልደት ስዩም (ወዲ ስዩም) ታሪኽ ሂወት ትገልጽ ጽሕፍቲ ንምድላው ንዝተሓባበርኩምኒ መተዓብይቱን መጋድልቱን ልባዊ ምስጋናይ የቕርበልኩም።
ክቡራት ኣንበብቲ,
ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ጽሑፍ’ዚ’ ስቓይ ናይ ኮረኔል ተስፋልደት ስዩምን ስድራቤቱን ንምግላጽን፡ ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ምግሓስ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ንምቕላዕ እዩ። ጽጹይ ሓበሬታ ኣብ ደገ ኮንካ ምእካብ ኣሸጋሪ ስለዝኾነ፡ እቲ ክእረም ዘለዎ እንዳኣረምና፡ እቲ ክውሰኽ ዘለዎ እንዳወሰኽና፡ ነዚ ሓጺር ታሪኽ ህይወት ኮረኔል ተስፋልደት ስዩም ከነግፍሖን ኣብ ክንዲ ምፍልላይ ተጠሚርና ታሪኽ ናይቶም ግዳያት ኮይኖም ዘለው ንጹሃት የሕዋትና ከነቃልሕ ናይ ኩላህና ሓላፍነት እዩ።
ምስ ልዑል ምስጋናን ኣኽብሮትን።

ኤልሳ ጭሩም