ኣብ እስራኤል ብዝነብሩ ተቓወምቲ ይኹን ደገፍቲ ስርዓት ኤርትራ ዝፍጸም ክትራን፥ ምምንዛዕ ቴለፎን፥ ማህረምትን ቅትለትን ብቕጽበት ደው ክብል ኣለዎ!

ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ፥ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዝቃወሙ ወይ ዝድግፉ፡ ንኻልኦት ኤርትራውያን ኣብ ጽርግያ ደው እንዳበሉ፥ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡  ስርዓት ትቃወሙ ዲኹም ትድግፍ ኢሎም ይሓቱ፡ ቴለፎኖም ከረክቡዎም ይሓቱ፥ እንተ ኣቢዮም ድማ ይቕጥቕጡዎም፣ ብኻራሩ ይውግኡዎም ወይ ይቕተሉዎም።

ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት እንተተቓዊሞሞ ኣካላዊ ማሕረምቲ ይወርዶም፣ ብኻራ ይውጉኡ ገለ ድማ ይቕተሉ። ሞባይሎምን ካልእ ንብረቶምን ድማ በቶም ነቲ ስርዓት ዝድግፉ ይውሰድ። ብተመሳሳሊ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት እንተድኣ ደጊፎም በቶም ነቲ ስርዓት ዝቃወሙ ተመሳሳሊ ማህረምቲ፥ መውጋእትን ቅትለትን የጋጥሞም። 

ኣብ እስራኤል፡ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ኩነታት ንውልቀሰባት ኣብ ጽርግያ ደው ናይ ምባል ስልጣን ኣለዎም፡ እንተኾነ ግን ሞባይልካ ናይ ምሕታት ዓቕሞም ብፍሉይ ሕጋዊ ደረታትን ኣገባባትን ይግዛእ እዩ።

ብሓፈሻ ፖሊስ ገበን ፈጺምካ፡ ትፍጽም ኣለኻ ወይ ክትፍጽም ተቀሪብካ ኣለኻ ዝብል ርትዓዊ ጥርጣረ እንተሃልይዎም ደው ኣቢሎም  ክሓቱኻ ይኽእሉ። ይኹን እምበር፡ ንሞባይልካ ክፍትሹ ምሕታት ብሰንኪ ብሕታውነትን ሕጋዊ ርእይቶታትን ዝያዳ ዝተሓላለኸ እዩ። ገለ ወሰንቲ ነጥብታት እነሆ፤

  1. ምኽንያታዊ ጥርጣረን ናይ ምፍታሽ ትእዛዝን፦ ፖሊስ ሞባይልካ ምስ ገበን ዝተኣሳሰር መርትዖ ከም ዘለዋ እንተጠርጢሮም፡ ብተለምዶ ትሕዝቶኣ ንምምርማር ናይ ምፍታሽ ትእዛዝ ካብ ቤት ፍርዲ የድልዮም። እቲ ትእዛዝ ብዳኛ ክወሃብ ኣለዎ፣ ብዘይካ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ንክፍጠር ዝኽእል ገበን ደው ንምባል ቅልጡፍ ወይ ውሑስ መርትዖ ምዕቃብ ወሳኒ ኣብ ዝኾነሉ እዋን።
  1. ፍቓድ፦ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ፖሊስ ንሞባይልካ ንምፍታሽ ፍቓድካ ክሓቱኻ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ሕቶ ናይ ምንጻግ መሰል ኣሎካ፣ ፍቓድ ዘይምሃብካ ድማ ብዘይ ትእዛዝ ምፍታሽ ምኽንያት ኣይህብን እዩ።
  1. ኩነታት ማእሰርቲ፡- ኣብ ትሕቲ ማእሰርቲ እንተሃሊኻ፡ ፖሊስ ንዓኻን ንብረትካን፡ እንተላይ ንሞባይልካን ናይ ምፍታሽ ሰፊሕ ስልጣን ክህልዎም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ከምዚ ኩነታት እውን እንተኾነ መሰልካ ንምሕላው ክትክተሎ ዘለካ ሕጋዊ ገደባትን ኣገባባትን ኣሎ።
  1. ሕግታት ብሕታዊነት ዳታ፦ እስራኤል ንውልቃዊ ሓበሬታ ውልቀሰባት ዝሕሉ ሕግታት ብሕታዊነት ዳታ ኣለዋ። ፖሊስ ነዞም ሕግታት ከኽብር ኣለዎም፡ ብዘይ ግቡእ ሕጋዊ ፍቓድ ድማ ብዘይ ፍቓድ ውልቃዊ መረዳእታ ክረክብ ኣይክእልን። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኩነታት ፖሊስ ከይተረፉ ቅድሚ ዝኾነ ሰብ ቴለፎኖም ከረክብ ምሕታት ሕጊ ክኽተሉ ከምዘለዎም ብንጹር የረድእ።

ኣብ እስራኤል በቶም ንስርዓት ኤርትራ ዝቃወሙን ዝድግፉን ኤርትራውያን፥ ናይቲ ዝነብሩሉ ሃገር ሕግታት ጥሒሶም ኣብ ፎቆዶ ኣንጎሎታት ጸኒሖም ንዝረኸቡዎ ሰብ ክኸትሩ፥ ሞባይልኩም ሃቡና ኢሎም መንዚዖም ክወስዱ፥ ክቁስሉን ክቐትሉን ጸኒሖም እዮም። ከምዚ ዓይነት ዘይሕጋውን ካብ ስነ ምግባር ዝወጸ ተግባራት ንዓመታት ኣብቲ ዕቑባ ሓቲቶም ዝነብሩሉ ሃገር ከካይዱ ጸኒሖምን ኣለውን። ፖሊስ እቲ ሃገር እኳ ክገብሩዎ ዘይክእሉ ነገራት፥ ሓተቲ ዕቑባ ኤርትራውያ ተቃወምትን ደገፍትን ክገብሩዎ ጸኒሖም ኣለው።

ስለዚ፥ እቲ ክግበር ዝጸንሐ፥ ክትራን፥ ምምንዛዕ ቴለፎን፥ ማህረምትን ቅትለትን  ዘይሕጋዊ፥ ዘስካሕክሕን ባርባራዊ እዩ፥ ብቕጽበት ድማ ደው ክብል ኣለዎ።

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት – ኤርትራ


Leave a Reply