ናይ ሓሶት ጠቐነ ክንድቲ ዝተጋነነ ይጋነን ሓቂ ኣይከውንን እዩ

ናይ ሓሶት ጠቐነ ክንድቲ ዝተጋነነ ይጋነን ሓቂ ኣይከውንን እዩ

ዳንኤል ተወልደ ኣብ ኮምሽን ንልዕሊ 15 ኣዋርሕ ብንጽህና፣ በተወፋይነትን ብሙሉእ ድሌትን ውልቃዊ ዋኒኑ ንድሕሪት ገዲፍ፣ ምእንቲ መሰል ህዝቢ ካብ ኣሜሪካ ናብኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ከገልግል ምጽንሑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ከምዚ ዝዓይነቶም ኣብነታውያን ዜጋታት ክተባብዑን ክነኣዱን እንዳተገብእ ንዝንኦም ዘፋኹስን ናይ ቃልሲሞራሎም ብዝሃሲ መንገዲ መርትዖ ብዘይርከቦ ጠቐነ እንዳጸለምካ ምውራድን ካብቲ ብህዝባዊ እምነት ተነቢርሎም ዝተረከቡዎ ሃገራዊ ሓላፍነት ብዘይ ኣገባብ ምእላይኣይግባእን። ሓደ ካብቶም ንምስጓግ ዳንኤል ተወልደ ካብ ኮምሽን ኮይኖም ተቐሚጦም ዘለው ጠንቕታት ብዘይ ፍቓድን ኣፍልጦን ኮምሽነራት ኣኼባ ናይ ኮምሽን ብድምጺክቐድሕ ተረኺቡ ዝብል እዩ። ኣቶ ዳንኤል ተወልደ ከም ኣቦ መንበር ዜናን ሓበሬታን ኮምሽን ኣብ ዘካይዶ ናይ ስነዳ ስርሓት ፍቃድ ክጽበ ኔሩዎ’ዶ ኣይነበሮን ዝብል፣ ብቐንዱ ዘተሓትት ጉዳይ እኳ እንተኾነ፣ ንግዚኡ ነዚ ኣርእስቲ’ ዚ ሸለልኢልና ኣብቲ ከይተፈቕደሉ ቀዲሑ ዝብል እንተተመልከትና: ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝረእ ዘሎ ኣብ ኢድና ካብዝኣተው ናይ ደረቅ ስእሊ ከም ዝሕብሩዎ፣ ዳንኤል ንኣኼባታት ክቐድሕ ሽዑዑ ናይ መጀመርትኡ ዘይምንባሩ፣ ቅድሚኡ ኣብ ዝተገበሩ ብዙሓት ኣኼባታት ናይ ኮምሽንይቀድሕን ይስንድን ከምዝነበረ ከነረጋግጽ ንኽእል። ንዝያዳ ሓበሬታ ነዚ ምስዚ ጽሑፍ ኣሰኒና ነውጽኦ ዘለና ደረቅ ስእሊ ንመልከት።
ቅድሚ እታ ነዚ ጉዳይ ክትምርምር ተመዚዛ ዘላ ሽማግለ ብመሰረት መጽናዕታ እተቅርቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ትሕቲኡ ዝተመርኮሰ ውሳነ ኣብ ልዕሊ እዚ ጉዳይ ፍርድና ምሃብኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ፡ ነዚ ቀሪቡ ዘሎ ስእሊ ጥራሕ ብምምልካት ግን ኣብ ልዕሊ ዳንኤል ዝተመስረተ ክስን ብሰንኩ ድማ ዝተዋህበ ኣገባብ ዘይተኸተለ ውሳነን መሰረትዘይብሉ ጠቐነን ጸለመን ነቂልካ ከምዝተወስደ ምስነስተውዕል፣ ንሃገርን ህዝብን ከድሕኑ ዝተቀበሉዎ ህዝባዊ ሓላፍነት ማዕረ ክንደይ ብዘይ ኣገባብን ካብ ደረት ስልጣኖምወጻኢ ብዝኾነ መንገድን መሰል ሰባት ንክግህሱን ሕጊ ንክጥሕሱን ከም እተጠቕሙሉ ንርዳእ።
ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ ዝፍጸሙ ምግሃስ ሰብኣውን ዲሞክራሲያዊ መሰላትን ግፍዕታትን ንኽጣበቕ ደው ዝበለ ማሕበር ከምምዃኑ መጠን፣ ኣብ ልዕሊ ዳንኤል ተወልደ ዝተወስደ ስጉምቲ ብኹሉ መለክዒታት ዘይርትዓዊ፣ ዘይዲሞክራስያውን ዘይሕጋውን ምንባሩ እንዳረጋገጸ፣ ነቶም ከንቱጠቐነታትን ጸለመታትን ብምድርዳር ኣብ ልዕሊ ዳንኤል ተወልደ በደል ዝፈጸሙ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኮምሽን ነበርን ንኹሎም ኣብ ጭቡጥ መርትዖታት ዘይተመስረተ ዝንቡዕፍርዲ ኣብ ምትሕልላፍ ዝስርሑን ዝተሓባበሩን ዝደገፍን ኩሎም ኮምሽነራትን ብትሪ ይኹንን።
ቃልስና ምልኪ ኣፍሪስካ ብፍትሒ ምትካእ እንበር ምልኪ ብምልኪ ምትካእ ስለዘይኮነ፣ እዞም ንእሽተይ ህዝባዊ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ኣብ ሕቶ ህዝብን ርእይቶታቱንዘሽካዕልሉን ዝዕንድሩን ዘይሓላፍነታውያን ብእዋኑ ኣለሊና ገና ኣዝዮም ከየብላዕልዑን ኣብ ዝለዓለ ናይ ስልጣን ጽፍሒ ደይቦም ከም ሮማዲ ከየስፋሕፍሑን ካብ ምብዳልውልቀ ሰብ ሓሊፎም ከምዚ ናይ ሎሚ ውልቀ መላኺ ኣብ ምብራስ ሃገርን ህዝብን ከይተዋፈሩን ካብ ዝኾነ ይኹን ህዝባዊ ሓላፍነት ንምእጋዶምን ሓደገኝነት ናይ ከስዕቡዎዝኽእሉ ከቢድ ጸገም ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ኣብታ ኩላህና ንደልያ ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ልዑል ጠመተ ዘድልዮ ጥንቓቐ ክግበረሎምን ንላቦ።
ፍትሕን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!
ኤልሳ ጭሩም
ዳሬክተር
ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ
ለንደን፣ ዓዲ እንግሊዝ
29 ሕዳር 201