ተወልደመድህን ተስፋማርያም (ማኦ)

ተወልደመድህን (ማኦ) ሓደ ካብቶም ኣብ ገድሊ ኤርትራ ተሳሒሎም ዝዓበዩ፡ ምኩራት ተጋደልቲ እዩ። ኣብ ድግሳ ተወሊዱ ከምዝዓበየ ድማ ይፍለጥ። ኣብ 1977 ከኣ ናብ ሃገራዊ ቃልሲ ተጸንቢሩ። ማኦ ከም ተጋዳላይ ተባዕ ተጋዳላይ ክኽውን ከሎ፡ ከም ሰብ ከኣ ኣርሒቑ ዝጥምት ለባምን መስተውዓልን ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰብ እዩ። እቶም ኣብ ጊዜ ቃልሲ ዝፈልጡዎ ተጋደልቲ ድማ፣-

በሊሕ በዓል ሰፊሕ ኣእምሮ
ብዙሕ ዝመራመር
ክምዕብል ዝቃለስ
ምሁራዊ ክትዕ ዘዘውትር
ኣብ ለውጢ ዝኣምን
ክፍት ሓሳብ ዘለው ብምባል’ዮም ዝገልጹዎ።

ተወልደመድህን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ተመዲቡ ብጅግንነት ግቡኡ ክፍጽም ምስ ጸንሓ፡ እቲ ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ ብኽብሪ ዝዝክሮ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ንዝዓበየ ሃገራዊ ጉዳይ ሊኢኹዎ። እቲ ዕማም መስዋእትነት ዝሓትት ከቢድ መለእኽቲ እዩ ነይሩ። ኣስመራ ኣቲኻ መንነትካ ቀይርካ ገባር መሲልካ ዝዕመም ስራሕ ስለዝነበረ፡ ትብዓትን ምስጢራውነት ዝሓትት ከቢድ ዕማም እዩ። እዚ ኩሉ’ዚ ግን ነቲ ብጅግንነት ዝግለጽ ባህርያት ዝነበሮ ተወልደመድህን ዝጽግም ኣይነበረን። ሞት ንዒቑ ኣብ መቓብር ዝድብል ጅግና ኮይኑ ድማ፡ ነቲ ኩሉ ከጋጥም ዝኽእል ፈተና ሓንቢሱ ወጺኡዎ።

ድሕሪ ናጽነት ከኣ ምስታ ከምኡ ንዓቢ ምስጢራዊ ተልእኮ፡ መንነታ ቀይራ ኣስመራ ኰይና ትሰርሕ ዝነበረት ኣልጋነሽ ተመርዕዩ፡ በዓል ሓደርን ኣቦ ቈልዑትን ክኽውን ክኢሉ። ኣብ ሓዳርን ቈልዑትን ምውላድ ምስ በጽሓ ከኣ፡ ሓቦ ተቐኒቱን ስኑ ነኺሱን ዪኒቨርሲቲ ኣትዩ። ልዑል ነጥቢ ኣምጺኡ ከኣ ብኽብሪ ተመርቑ። ብድሕሪ’ዚ ከኣ ሞያዊ ብቕዓቱን ተኣማንነቱን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከም ምክትል ኣምባሳደር ኤርትራ ኮይኑ ንክሰርሕ ንኬንያ ተላኢኹ። ብብቕዓት ከኣ ክእለቱ ከመስክር ክኢሉ። ኣብ ኬንያ ከሎ ድማ ውግእ ባድመ ምስተላዕለ፡ እቲ እንኮ ሰብ ንመንግስቲ ከይተወከሰ ሓላፍነቱ ፈሊጡ ተኸታታሊ መብርህን መልስን ንናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ዝህብ ዝነበረ ሰብ’ዩ። እዚ ካልእ ዘይኮነ ንቅንዕንቱን ትብዓቱን ዝገልጽ’ዩ። ካልኦት እንተተጋገና ከይንእሰር ኢሎም’ዮም ዘይዛረቡ። ተወልደመድህን ግን ከምኡ ኣይነበረን።

ተወልደመድህን ንዓይ ይጥዓመኒ በሃሊ ስለዘይነበረ፡ ብቓንዛ ህዝቢ ይሳቐ ከምዝነበረ እቶም ብቀረባ ዝፈልጥዎ ይምስክሩሉ። በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሰራዊትን ዝወርድ ኣደራዕ፡ እንታይ ገደሰኒ በሃሊ ኣይነበረን። ካብ ዝኾነ ካልእ ዕላል፡ ሃገርን ህዝብን ኣልዒሉ’ዩ ክዛረብ ዝመርጽ ነይሩ። ጌጋ ክርኢ ከሎ ካብ ክነቅፍ ክመክር እዩ ዝመርጽ። ኣብ ኣኼባ ኰነ ኣብ ዕላል ዘተ ክለዓል ከሎ፡ ፈሪሑ ኣፍ ክሓትም ዘይሕሰብ ነገር እዩ። እቶም ብትብዓቱን ብልቦንኡን ዝፈትውዎን ዘኽብሩዎን ፈተውቱ ኲሎም፡ በቲ ግልጺ ኮይኑ ተቢዑ ምዝራቡ፡ እቲ ሓቂ ምውሓጥ ዘይለመደ መንግስቲ ከይጻብኦ ክስከፉሉ ጸኒሖም እዮም። ንሱ ግን ሞት እንተኾነ’ውን ካብ ሓቂ ሃዲሙ ክሕባእ ዝደሊ ዓይነት ሰብ ኣይነበረን።

እቲ ኣብ 2001 ተላዒሉ ዝተኾልፈ ለውጢ፡ ንተወልደመድህንን ንብዙሓት ተጋደልቲ መዓንጥኦም ክሳብ ዝቕረጹ ኣሕሚሙዎም እዩ። ገለ ዘይግበር ክሳብ መዓስ እዩ ብኸምዚ ዝኸየድ ዝብሉ ብዙሓት ተጋደልቲ ነይሮም። ተወልደውን ፈሪሑ ኣፍ ኣይተለጉመን። ግን ከኣ ሓንቲ ምዓልቲ ለውጢ ትመጽእ ትኸውን፡ ኢሳያስ ልቢ ይገብር ይኸውን ኢሉ ተስፋ ከይቆረጸ ጸኒሑ ኔሩ። ልቢ ኢሳያስ ግን ሽዓ ኢላ ክትልብም ስለዘይክኣለት፡ ተወልደመድህን ቃንኡ እናተቐየረ ናህሪ ተቃውሞ እናዕበየ ምንቃፍ እናዘውተረ ስለዝመጸ “ካብ ብጾታ ጢል ኢላ ዝወጸት መሸላ፡ ወይ ንዑፍ ወይ ንወንጭፍ ከምዝበሃል”፡ ካብ ናይሮቢ ናብ ኣስመራ ትድለ ኣለኻ ዝብል መልእኽቲ ይበጽሕ። ንሱ ግን ፍርሕ ዝብል ከብዲ ስለ ዘይብሉ እምበር፡ ኣብ ኣስመራ ከመይ ዝበለ ድግስ ይጽበዮ ከምዝነበረ ጠፊኡዎ ኣይኮነን። ጀጋኑ ግን እምክቱ
እምበር ኣይሃድሙን እዮም።

ተወልደመድህን’ውን ኣይሃደመን። ኣብታ ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ኮይኑ ቅያ ዝሰርሓላ ኣስመራ ከኣ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2003, ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። ኣብ ካርሸሊ ኣብ ካሜራ 16 ከኣ ይርከብ ኣሎ። እቲ መንግስቲ ምሁርን ለባምን ኣይፈቱን’ዩ። ንከም ብዓል ተወልደመድህን ዝኣመሰሉ ከበድቲ ሰባት ደኣ፡ ንዝለዓለ ሓላፍነት ክጽውዑ’ዩ ዝግባእ ዝነበረ እምበር፡ ዘየጣቓዕኩምልና ኢልካ ምእሳርሲ፡ ንባዕሎም ነቶም ሕጂ ዝኣስሩ ዘለው ተመሊሱ ክወቕዖም እዩ።

እታ ተቓሊሳ ግቡኣ ዝፈጸመት ኣልጋነሽ፡ በዓልቲ ቤቱ ድማ፡ ምስ ደቃ ዘይግብኣ ቃንዛን ስቓይን ትቕበል ኣላ። እቲ ዝፈልጦም ኩሉ፡ ኣየ እዛ ስድራ’ዚኣ ዘይኢዳ ረኺባ ዘይብል የለን።

ካብ መቓልስቱ ነበር
ኣስመራ
05 መስከረም 2007