መንእሰይ ሙሴ

ቤት ማእሰርቲ ዳህላክ ካብ ዝወሓጠቶም ሓደ እቲ መንእሰይ ሙሴ እዩ (ካብ ዕሱር ነበር ዝተልኣኽት)

ኣነው’ን ከምቲ ንኹሎም መንእሰያት ኢርትራ ዝበጽሖም ሕማቕ ዕድል ስለዝበጽሓኒ፡ ኣብቲ ምድራዊ ገሃነም-እሳት ክበሓል ዝከኣል ደሴት-ዳህላኽ ተኣሲረ ነይረ። ኣብ 2003 ወርሒ መጋቢት ከኣ ነቲ ዘሕዝንን ዘብክን ዕድል ዝበጽሖ ሙሴ ዝተባህለ መንእሰይ ረኺበዮ። ዝተራኽብናሉ ኣብቲ ውጽኣት ዝሓመሙ እሱራት ዝእሰሩሉ ፍሉይ ቤት ማእሰርቲ እዮ። ሙሴ ብዕድመ ኣዚዩ ዘይደልደለ ንእሽቶይ ስለዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዳህላክ ዘሎ ኣሰቃቒ ናብራ ክጻወሮ ብዘይምኽኣሉ፡ ብቀጻሊ’ዩ ዝሓምም ነይሩ። ብሕክምና ዝረድኦ ግን ኣይረኽበን። በዚ ክኣ ጥዕንኡ እናጐደለን ስቓዩ እናበርትዐን ክኽይድ ግድነት ኮይኑ።

ካብ ዕላሉ ከም ዝሰማዕኩዎ፡ ሙሴ ኣብ ኣዋሳ ዝተባህለ ከተማ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ተወሊዱን ዓብዩን። ገና ተማሃራይ ከሎ ከኣ’ዩ ምስ ስድራቤቱ ናብ ኤርትራ ዝመጸ። ኣብ ኤርትራ ምስመጸ ድማ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግቡኡ ክፍጽም፡ ናብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ወሪዱ። ካብኡ ዝድለ ኲሉ ከኣ ፈጺሙ እዩ። ብድሕሪዚ ኲሉ መንዕሰይ ኤርትራ ነቲ ባርባራዊ መንግስቲ ኤርትራ ጠንጢኑ ንስደት ከምርሕ ምስጀመረ፡ ሙሴ’ውን ንሱዳን ኣቢሉ ክስደድ ተገደደ። ዕድል ስለዝኽፍእ ግን፡ ኣብ ከባቢ ተሰነይ ምስ በጽሓ ተታሒዙ ተዳጐነ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሰነይ ብዙሕ ከምዝተቐጥቀጠን ከምዝተሳቐዬን እዩ ዝዛረብ። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ድማ ናብ ከባቢ ባረንቱ ኣብ ዝርከብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ ሓሊፍ። ጸኒሑ ድማ ናብ ኣስመራ ትራክ-C ይእሰር። ብድሕሪ’ዚ ከኣ ናብ ባጽዕ ወሲዶም ንኽልተ ወርሒ ኣብ ኮንቴነር ተዓጽዩ ስቓዩ ከምዝተቀበለ ከዘንቱ ከሎ፡ እቲ ኲሉ ስቓይ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ከመይ ኣቢሉ ከምዝኽኣሎ’ዩ ዝድንጽወካ።

 

እቲ ኲሉ ቤት ማእሰርታት ክኣ ከይተቐጥቐጥካን ከይተሳቐኻን ዝሕለፍ ብዘይምንባሩ፡ ሙሴ ባዕሉ ከዘንትዎ ክትሰምዕ ከሎኻ ንብኽያት ዝዕድም ታሪኽ ኮይኑ ኢኻ ትረኽቦ።

 

ሙሴ ከምቲ ዝበልኩዎ ኣብ ርእሲ ዕድሚኡ ንእሽቶ ምዃኑ፡ ዕላሉው’ን ልቢ ዝምስጥ ስለዝዀነ፡ እቶም ካብ ልሳኑ ዘውጽኦም ላዛ ዘለዎም ቃላት ሰሚዕካ ዝምነው ኣይኰኑን። እቲ ትግርኛ ዘይመለኽ ጽይፍ ዝበለ ኣደማምጽኡ እንተኾነ መቐረቱ ካልእ ነገር እዩ። ካብቶም ኣብ ዳህላክ ዝነበርና 900 ንኽውን እሱራት እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ሙሴ’ዩ ክበሃል ይከኣል። ነቲ ገና ካብ ዕድመ ቁልዕነት ዘይወጸን ተጻዊቱ ዘይጸገበን ህጻን ከምቲ ጌሮም ከሳቕዩ ምስረኣኻ፡ ሽዕኡ ኢኻ ኣብ ኤርትራ ሽፍታ እምበር መንግስቲ ከምዘየሎ ትርዳዕ።

ሙሴ ብሰብ ዝፍቶ ባህርያት ስለዝነበሮ፡ ምስኡ ከዕልልን ምስኡ ክጻወትን ዘይደሊ ሰብ ኣይነበረን። ሙሴ መልክዑ ቀይሕ፡ ጸጉሪ ርእሱ ለማሽ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ካብ ተሰነይ ጀሚሩ ብባረንቱን ኣስመራን ባጽዕን ሓሊፉ ዳህላክ ዝበጽሔ ናይ ቤት-ማእሰርቲ ስቓይ ኣዚዩ ሃሲዩዎ እዩ። ምስዚ ኩሉ’ዚ ግን ከም ሙሴ ጌሩ ብሰብ ዝተፈትወን ዝተሓብሓበን ሰብ የለን እንተተባህለ ሓሶት ኣይኮነን። እዚ ኲሉ ኮይኑ ግን ሕማሙ እናኽፍእ ስቓይን ቃንዛንው’ን ከምኡ እናበርትዖ ስለዝኽደ፡ ናይ ስነ-ኣእምሮ ጭንቀት ክገብረሉ ጀሚሩ። ሓኪምን መድሓኒትን ከኣ ኣብ ዳህላክ ዝርከቡ ኣይኮኑን። ተወሳኺ’ውን ጥሜትን ዕርቃንን ኣሎ። ትዃንን ቁማልን ቁንጭን ክኣ መናብርትኻ እዮም። እዚ ኹሉ’ዚ ተደማሚሩ ከኣ’ዩ ንሙሴ ኣብ ከቢድ ናይ ስነ-ኣእምሮ ጭንቀት ዘብጽሖ። ኣብ ኣብያት ማእስርቲ ኤርትራ ዘሎ ስቓይ ኣሽምባይዶ ሙሴ ዘይደረቕ ቆልዓ፡ ንሕና ኢና ዝብሉ ኣሰብኡት’ውን ዝኽእሉዎ ኣይኮኑን።

 

ብድሕሪ’ዚ ኣነ ካብ ዳህላክ ወጺኤ ነዊሕ ምስገበርኩ፡ መተኣስርትና ዝነበሩ’ሞ ዝወጹ ረኺበ ብዛዕባ’ቶም ኣብኡ ዝገደፍናዮም ከነዕልል ኰለና፡ እቲ ለይለይ ዝብል ፍቱው ዝነበረ ሙሴ ብወርሒ ነሓሰ 2003 ከምዝሞተን፡ ኣብኡ ኣውራ ጐደና ዝተባህለ ቦታ ከምተቐበረን ነጊሮምኒ። ኣብቲ ግዱድ ስራሕ ወደብ፡ መራኽብ ከነራግፍ ንኽደሉ መንገዲ ስለዝተቐብረ ኽኣ፡ ኩሉ ጊዜ ናብ ስራሕ ክማላለሱ ከለው፡ ኣማዕድዮም እንዳርኣይዎ ይሳቐዩን ይሽቑረሩን ከምዝነበሩ ይዛረቡ። ከምኡው’ን እቶም ሓለፍቲ ቤት-ማእሰርቲ ዝበሃሉ ብዕሊ ኣኼባ ጸዊዖም፡ “ሙሴ ሞይቱ ኢሉ ክዛረብ ዝተረኽበ ወይልኡ” ብምባል ነቲ ህዝቢ ከምዘፈራርህዎ ሓቢሮምኒ። ተሓቢእካ ዝሕባእ ነገር ግን የለን። ብገዛእ ሕልንኦም ስለዝሳቐዩ እቲ ተግባሮም ዝሕባእ ስለዝመስሎም እዩ። ደቂሶም ክሓድሩ ከምዘይክእሉን ዝሕብኡሉ ጉድጓድ ከምዘይብሎምን ግን ካብ ሕጂ ጀሚሮም ክፈልጡ ኣለዎም። ናይዚ ኲሉ ሕጂ ዝፍጽምዎ ዘለው ግፍዒ ጽባሕ ህዝቢ ኤርትራ ክጸባጸቦም ከም ዝዀነ ጽቡቕ ጌሩ ክርድኦም ኣለዎ። እቲ ሕጂ ከም ጸወታ ዘፍስስዎ ዘለው ደም ዕሸላት ቈልዑት ጽባሕ ክሕተቱሉ ምዃኖምሲ ይረድኣዮም ደኣ።

 

እዚ ብዛዕባ ሓደ ሙሴ ኢና ንዛረብ ዘሎና። ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ኣረሜናዊ ግፍዒ መርኣዪ ክኽውን ደኣ’የ ንሙሴ ጠቒሰ ክጽሕፍ ዝደለኹ እምበር፡ ኤርትራስ ናይ ብዙሓት ጸወታኦም ዘይጸገቡ መንእሰያት መቓብር እያ ተለዊጣ ዘላ። እዚ ግፍዒ’ዚ ክሳብ መዓስ ከምዝቕጽል ግን እንድዒ።

ሙሴን ከም ሙሴን ዝኣመሰሉ መንእስያት ኲሎም ዘጥፍኡዎን ዝበደሉዎን ነገር የለን። ሃገራዊ ግቡኦም ኣማሊኦም እዮም። ባራዩ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኖም መወዳእታ ንዘይብሉ ግዜ ግን ኣብ በረኻ ኰለል ክብሉ ኣይደለዩን። ንዘይኣምኑሉ ዕላማ እምቢ ክብሉ ከኣ መሰሎም እዩ ነይሩ። ቋንቋ ሕጊ ዝርድኦ መንግስቲ ግን ኣብ ኤርትራ የለን። ናይዚ ኲሉ ግፍዒ መወዳእታ ክንርኢ ጥራይ ኣምላኽ ብህይወት የጽንሓና። ህዝቢ ኤርትራኽ ክሳብ መዓስ’ዩ ኮን ደቁ ብግፍዒ እናተሳቐዩን እናተቐትሉን እናረኣየ ክነብር?

 

ብዝኾነ ነቲ ጥዑምን ሕያዋይን ሙሴ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ። ንወለዱን ንየሕዋቱን ክኣ እግዚኣብሄር ጽንዓት ይሃቦም።

ኤልሳ ጭሩም
ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ
29 ሓምለ 2005