መርሓባ በጻሕቲ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ

Human Rights Concern - Eritrea (HRCE) is an independent non profit making, human rights organization based in UK. The organization is dedicated to the promotion and protection of the human rights of Eritreans at home and all over the world. HRCE believes that all human beings are equal regardless of race, religion, gender and political affiliation and strives for a peaceful Eritrea where fundamental human rights are respected.

Eritrea: Text of Resolution 2023 (2011) as adopted by the Security council Dec 5, 2011

Posted by | Posted in ሓደስቲ ጽሑፋጥ | Posted on 06-12-2011

The Security Council,

                                                                                                                                                                                                                                                    Recalling its previous resolutions and statements of its President concerning the situation in Somalia and the border dispute between Djibouti and Eritrea, in particular its resolutions 751 (1992), 1844 (2008), 1862 (2009), 1907 (2009), 1916 (2009), 1998 (2011), and 2002 (2011), and its statement s of 18 May 2009 (S/PRST/2009/15), 9 July 2009 (S/PRST/2009/19), 12 June 2008 (S/PRST/2008/20),

Read the rest of this entry »

PART 3 Appalling Work Conditions at Bisha-Nevsun Mining Project, Eritrea

Posted by | Posted in ሓደስቲ ጽሑፋጥ, ሰነዳት | Posted on 05-12-2011

Part 2 Appalling Work Conditions at Bisha-Nevsun Mining Project, Eritrea

Posted by | Posted in ሓደስቲ ጽሑፋጥ | Posted on 05-12-2011

Part 1 Appalling Work Conditions at Bisha-Nevsun Mining Project, Eritrea

Posted by | Posted in ሓደስቲ ጽሑፋጥ | Posted on 05-12-2011

ናይ ሓሶት ጠቐነ ክንድቲ ዝተጋነነ ይጋነን ሓቂ ኣይከውንን እዩ

Posted by | Posted in ሓደስቲ ጽሑፋጥ | Posted on 03-12-2011

ናይ ሓሶት ጠቐነ ክንድቲ ዝተጋነነ ይጋነን ሓቂ ኣይከውንን እዩ             

ዳንኤል ተወልደ ኣብ ኮምሽን ንልዕሊ 15 ኣዋርሕ ብንጽህና፣ በተወፋይነትን ብሙሉእ ድሌትን ውልቃዊ ዋኒኑ ንድሕሪት ገዲፍ፣ ምእንቲ መሰል ህዝቢ ካብ ኣሜሪካ ናብኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ከገልግል ምጽንሑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ከምዚ ዝዓይነቶም ኣብነታውያን ዜጋታት ክተባብዑን ክነኣዱን እንዳተገብእ ንዝንኦም ዘፋኹስን ናይ ቃልሲሞራሎም ብዝሃሲ መንገዲ መርትዖ ብዘይርከቦ ጠቐነ እንዳጸለምካ ምውራድን ካብቲ ብህዝባዊ እምነት ተነቢርሎም ዝተረከቡዎ ሃገራዊ ሓላፍነት ብዘይ ኣገባብ ምእላይኣይግባእን። ሓደ ካብቶም ንምስጓግ ዳንኤል ተወልደ ካብ ኮምሽን ኮይኖም ተቐሚጦም ዘለው ጠንቕታት ብዘይ ፍቓድን ኣፍልጦን ኮምሽነራት ኣኼባ ናይ ኮምሽን ብድምጺክቐድሕ ተረኺቡ ዝብል እዩ።  Read the rest of this entry »

ጓህና ገንፊሉ

Posted by | Posted in ሓደስቲ ጽሑፋጥ | Posted on 11-11-2011

ጓህና ገንፊሉ
እዚ ለንቕነ ኣብ ናይ ሃገራውያንን ዓለምለኻዊ ናይ ዜና ማዕከናት ተዘርጊሑ ንርእዮ ዘለና መጭወይቲ፣ ግፍዒ፣ ዓመጽ፣ ስቅያትን መቅተልትን ንጹሃት ኤርትራውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ኣብ በረካ ሲናይ ሓድሽ ዘይኮነስ መቀጸልታ እቲ ናይ ዓሰርተ ዓመት ህልቂት ናይ ጉዕዞ ስደት እዩ።
ኣብ እዋን ሓዘና ዝፍስሑን ብሽግርና ዝወራዘዩን ንሶም ፈጠርቲ ጸገምና ምዃኖም ንመን ይጠፍኦ። “ኣይትብከ እንድዩ ደብክየኒ” ከምዝበሃል ጋህስታት ናይ ሲናይ ዝወሓጦ ምስጢር ክተፍእ ኣብ ዝጀመረሉን ብዓለም ለኻውያን ጋዜጠኛታት መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ኣብ ዝጋውሓሉ ዘሎ ወቕቲ፣ እቲ ንመንእሰያት ሃገርና ናብ’ዚ ሕሰም’ዚ ክቃልዑ ዝገበሮም ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ “ዘይ ሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት” እንዳበለ ብመራኸቢኡ ይልፍልፍ ምህላው ኣስተውዒልካ ጌና በዚ ዘውረደልና ኣደራዕ ከይዓገበ ብኣስካሬን ኣሕዋትና’ ውን ፖለቲካዊ ሸቐጥ የካይድ ምህላው እዩ።
Read the rest of this entry »

መንዩ ፈላላይ

Posted by | Posted in ሓደስቲ ጽሑፋጥ | Posted on 11-11-2011

መንዩ ፈላላይ
ክቡራት ኣንበብቲ፣ እዚ ፈሊምናዮ ዘለና ኣርእስቲ ንዓና ንኤርትራውያን ንጉዳይ ሓድነትና ዝምልከት ምዃኑ እንዳኣገንዘብና መበገሲና ኩልና ንጥምረትና እእጃምና ንምብርካት ነቶም ሕማም ዓበቕ ኮይኖም ነንሕድሕድና ከይንተሓቛቖፍ ንዝኽልክሉናን ዘየልቦ ነገራት ክንሓክኽ ሰለም ከይበልና ከምንሓድር ዝገብሩና ዘለው ፈሊና ንምፍላጥ ምዃኑ ብትሕትና ንገልጸልኩም። ጉዳያትና ኣብ ክንዲ ብምዝንጣል ብምክብባር፣ነድርን ሕርቃንን ገዲፍና ርግኣትን ዓቕልን፣ ምንጽርጻርን ምጉብዕባዕን ወጊድና ብልዝብን ምክእኣልን፣ ቅርሕንትን ቂምን ምጽብጻብን ንገደል ሰንዲና ጸጽቡቑ ዘኪርና ጥራሕ ምዃና ንሰምር ምዝኽኻር ዘየድልዮ ፍሉጥ ሓቂ እኳ እንተኾነ፣ ግብራውነቱ ግን ሓሊኹ ሒዙና ኣሎ። ሽግርካ ምፍላጥ ፍርቂ ፍታሕ ምዃኑ ኣሚና ክንጽሕፍ ተደሪኽናን ኣፍደገ እቲ ጉዳይ በዚ መን’ ዩ ፈላላይ ዝብል ኣርእስቲ ነርሕዎ ዘለና።
Read the rest of this entry »

ህዝቢ ኤርትራ ኣኽሊል ባርነት ዝደፍኣላ ጸላም ወርሒ – መስከረም 2001

Posted by | Posted in ሓደስቲ ጽሑፋጥ, መደረ, ዜና | Posted on 26-09-2011

ኤልሳ ጭሩም ኣብ ኣኬባ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዙሪክ

ኤልሳ ጭሩም ኣብ ኣኬባ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዙሪክ

መደረ ኤልሳ ጭሩም ኣብ ኣኬባ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዙሪክ- ZURICH (SWITZERLAND)

ደቂ ሰባት ብሂወት ንክነብሩ ከምቲ ዝብላዕ መግቢ፣ ዝስተ ማይ፣ ዘተንፍሱዎ ኣየር ዘድልዮም፣ ውሕስነት ናይ ቀጻልነት ህይወቶም፣ ዘነባብሮም ሕጊ እንተዘይረኺቦም፣ ከምቲ ኣብ ሕጊ ናይ ዱር እቲ ህይወት እንሰሳታት ዝቕጽል፣ እቲ ድኹም ፍጥረት በቲ ካብኡ ዝሓየለ እንስሳ ክብላዕ ዝነብር፣ ደቂ ሰባት’ ውን ሕጊ እንተዘየልዩ እቶም ታሕተዎት ብህይወት ዝነብሩ መታን ነቶም ላዕለዎት ንኽነብሩ እዮም ዝነብሩ። ብዘይ ድልየትካ ምእንቲ ምቾት ካልኦት ትነብሮ ናብራ ብህይወት ምህላውካ ንዓኻ ዘይኮነ ነቶም ብኣኻ ዝግልገሉ ስለዝኾነ ብግብሪ የለኻን።

ኣብ ታሪኽ መዋእል ደቂ ሰባት ብዝተኻየደ ቃልሲ ባህሪ ንምቕያር ዝጠፍእ ጉልበትን ዝደኸመ ሓንጎልን ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለ፣ በቲ ካልእ ከኣ ሃብትን ስልጣንን ንምግባት ኣብ ልዕሊ ፍትሒ ዝተኻየደ ዓመጽ ዝሓለቐ ህዝብን ዝወረደ ስቅያትን እንተሪእናዮ ዝመጣጠን ኣይኮነን። ጠንቂ ናይዚ ኹሉ ዓለምና ስለዝጸበበት፣ ጸጋታታ ስለዝወሓደ ወይ ክበላሓት ዝኽእል ሓንጎል ብተፈጥሮና ስለዘይብልና ኣይኮነን። እቲ ጸገም ብማዕረ ከነባብረና ንዝኽእል ልሙጽ ሕጊ ሓለዋ ስለዘይብሉ እዩ እዚ ኹሉ ምዝንባልን ስቅያትን።
ዘለናዮ መዋእል ሰብኣዊ መሰል ከም ንሂወት ዘድልያ መባእታዊ ነገር ምዃኑ ተኣሚኑ ነጻነት ኣህዛብ ተሓልዩ ሕግን ስነ ስርዓትን ተነጺሩ ኣብዘለወሉ ዘመን ብውልቀ መላኺ ዝምራሕ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንሃገር ሙሉእ ናብ ቤት ማእሰርቲ ብምቕያር ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ማሕይሩ ኮይኑ፣ ዕድል ዝረኸበ እግሩ ናብ ዝመርሖ ሃጽ ኢሉ ይጠፍእ ኣሎ።

እተን ንመሰናበዲ ዝተጠቕመለን ቃላት ከም ጅሓድ፣ጴንጤ፣ ወያኔ፣ ሲኣይኤ በብእዋኑ መድረኽ ኣሕሊፈን። ሕጂ ብውሽጢ ውሽጢ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ህድህዳዊ ምትእምማን ንምጥፋእ ብኣውራጃን ሃይማኖትን ንኽፈላልይ ዘካይዶ ዘሎ ዘመተ ናበይ ንምብጻሕ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን።

እቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ንቃለስ ኣለና ዝብሎ ብመዓር ዝተሸፈነ ዕረ፣ ቀንዲ ዕላምኡ ህዝቢ ኤርትራ ብቑዋም ክምራሕ፣ ብዲሞክራሲ ክመሓደር፣ ምርጫ ከካይድ ደረጃ ንቕሓቱ ኣየፍቅደሉን ዝብል ጨለነት “ደው በለለይ ክብለጸልካ” ንኸእምን ዝጥቀመሉ ፖለቲካ እዩ። ቀደም ድሕሪ ሞት ጥዕና ቀቢጹ ፍትሒ። ሕጊ ኪኖው ሓጹር ደርብዩ ንዓና ኣየስርሓናን እዩ፣ ብሙህራትን ክኢላታትን ተነዲፍ ድላይና ካብ ምግባር ዓጊቱ እዚ ግበሩ ከምዚ ኣይትግበሩ ኢሉ ዝኽልክለና ሕጊ ንስልጣና ስለዝጻባእን ንሕሉፍ ተግባራትና ስለዝጸባጸብን ኣየርብሓናን እዩ ዝበለ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ናይ ብሓቂ ድዩ ትንፋስ ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ክሰኩዕ?

ኣኬባ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዙሪክ

ኣኬባ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዙሪክ

ኣብ ሕጊ ዘይብላ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ሰላምን ርግኣትን ረኺቡ ክቀስን፣ ቁጠባዊ ዕቤትን ምዕባለን ተጎናጺፍ ክዓቢ፣ ምስ ጎረባብቱ ብምክብባርን ብምትሕግጋዝን ተሳንዩ ከነብር ዝከኣል ኣይኮነን። ዕግርግር፣ ህውከት፣ ድኽነትን ስደትን፣ ዓመጽን መቕዘፍትን ምዓልታዊ ህይወቱ ኮይኑ ባህሉን ስነ ምግባሩን ክብለል፣ መንነቱን ሃገራውነቱን ክበታተን ዘይተርፍ ዕጭኡ እዩ።

ልክዕ ከምዚ እዋን ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ነቶም ንዴሞክራሲያዊ ለውጢ ዝተንቀሳቀሱ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብህዝቢ ዝተወከሉ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ሰዓብቶምን ሞያውያን ጋዜጠኛታትን ብወግዒ ኣሲሩ፣ ኢሳያስ ውልቀ መላኽነቱ ዝኣወጀሉ ዕለት፣ ህዝቢ ኤርትራ ንዝኸፈለሉ ረዚን ዋጋ ኣሽሓት ሰማእታት ተመንጢሉ ኣኽሊል ባርነት ዝደፍኣላ ጸላም ዕለት ምዃና ጥራሕ ኣይኮነን ዘጉህይ። እቲ ስዒቡ ዝመጸ ፍልሰት ንስደት፣ ጥፍኣት ንሕልፈት’ውን ኣይኮነን ንበይኑ ዘስቆርቁር። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ናይ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትቡቀል ስነ ሞገት ተኸቲሉ ህዝብን ሃገርን ብኣልማማ ከብርስ ዝተኽተሎ ሜላ ንጥሙር ሓድነት ምፍልላይ ኣስዒቡዎ ዘሎ በሰላ’ ውን ቀሊል ኣይኮነን።

ኣብ መንገዲ ስደት ብኾረሩማ ሙቀት ናይ ምድረበዳ ኣጻምእ ዝመኽኽ ህይወት ጭልቕዓት፣ኣብ ማያት ባሕርን ውቅያኖሳትን ድራር ዓሳ ኮይኑ ሓመድ ኣዳም ዘይለበሰ ነብሲ መንእሰያት፣ ናይ በረኻታት ሲናይ ትንግርቲ ኣጸያፍነቱን ኣስካሕካሕነቱን ብዋጋ ኹሉ ዝሕተቱ ናይ ሎም ሹመኛታት ህ.ግ.ደ.ፍ እዮም።
ኣብ መንቀራቕሮ ዒራዒሮን ኣብ ጎዳጉዲ ቤት ማእሰርትን ዝሓልፍ ዘሎ ህይወት ዜጋታትና ምዓልቱ ኣለዎ። እቲ ብሰንኩ ዝሰዓበ ዝኽትምና ናብ መን ከምዝሰግር ትንቢት ዘድልዮ ኣይኮነን። ዋላ ጊዜ ይመጠጥ እቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ኩናት ስንኩላን ዝተፈጸመ ጭፍጨፋ፣ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ዝተቀዝፉ ንጹሃት፣ ብናይ ሃይማኖቶም እምነት ሀለዋቶም ዝጠፍእ ዜጋታት፣ ብሽርሕን ጉርሕን ዝተሸርቡ ሰባት፣ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብጥይት ዝቑለዎ ዘለው መንእሰያት፣እቶም ኣብ ፍሉጥን ዘይፍሉጥን ቤት ማእሰርትታ ኤርትራ ዝሓቐቑን ዝሳቀዩን ዘለው ንጹሃት ዜጋታት ከመይ ኢሎም ይርስዑ።

ምእሳር ውልቀ ሰባት ብሕጊ ዘይተማእዘዘ ስጋብ ዝኾነ፣ ዘይቅቡል ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ ብዓውታ ክውገዝ ዘለዎ ስለዝኾነ ንዝሓለፍ ዓሰርተ ዓመታት ተቃውሞና ብዘይ ምቁራጽ ከነስምዕ እኳ እንተጸናሕና መለኽቲ ዝርድኦም ቋንቋ እሱ ብዘይምዃኑ ጥራይ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ዘውረዱዎ ዓቢ ገበን ክጠዓሱሉ ይትረፍ’ ሲ ንሓንቲ ካልኢት’ ውን ትኹን ልቢ ህዝቢ ዘረስርስ ቃላት ወስ ከብሉ ኣይተሰምዑን።
በዚ ናይ ሎሚ ኣጋጣሚ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ኢ-ሰብኣዊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንምዝካር እኳ ተኣኪብና እንተሃለና፣ ካብ ተራ ኣኼባን ዓመታዊ ዝኽርን ዝሓለፈ ንመለኽቲ ዕድል ዝኸልእን ንውጹዓት ዜጋታትና ድማ ካብቲ ንዓመታት ዝኣክል ኣሳቒዎም ዝጸንሐ ባርባራዊ ግፍዒ ንምንጋፍ ኩሉ ክብደትናን ዓቕምናን ብምጽንቃቕ ብሓባር ንሰርሓሉን ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ሳቦያ ኢልና ብሓባር ንለዓለሉ ጊዜ ክኸውን ይግባእ። እዚ ኣብዚ ዓመት’ዚ ንርእዮ ዘለና ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእኸላይ ምብራቕን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓልን ዓመጽን ንዘመናት ክኸይድ ዝጸንሐ ግፍዒ ዝወለዶ ድኣ እንበር ሰባት ኣብ ጽርጊያታት ወጺኦም ህይወቶም ብጥይት መለኽቲ ክምንጠል ስለዝደለዩ ኣይኮነን። ንሕና ኤርትራውያን ካብ ከምዚ ዓይነት ባርባራዊ ግፍዒ ተናጊፍና ነጻ ኣተሓሳስባን ንሕና እንደልዮን እንብህጎን መንግስትን ስርዓትን ንክህልወና ኢና ንዘመናት ከም ኣራዊት መሮር ኣብ በረኻ ሰፊርና ኣንጻር ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝተቓለስና። ቃልስና ሰብኣዊ ናጽነትን ፍትሕን ንምርግጋጽ እኳ እንተነበረ፣ ውጽኢት ቃልስና ከምዝምስክሮ ግን ንባዕዳውያን ገዛእትን መለኽትን ካብኦም ብዝገደዱ ሃገራውያን መለኽትን ጠለምቲ ሕድርን ምትካእና እዩ።

ዕላማና እዚ ክሳብ ዘይነበረን፣ በቲ ዘምጻእናዮ ለውጢ ጀለምታ ንብዓትና ከነንቅጽ ስጋብ ዘይክኣልና ድማ፣ ዝኸፈልናዮ ህይወትን ኣካልን ርትዓዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ የዕውተና እዩ ክንብል ስለዘይንኽእል፣ ካብዞም ኣብ ከባቢና እንርእዮም ዘለና ኣብነታውያንን ጀጋኑን ናይ ለውጢ ሃዋርያት ኣህዛብ ገለ ነገር ተማሂርና ኣብ ሃገርና ሰላምን ቅሳነትን ንኽነግስ ብኹሉ ሓይልና ንለውጢ ዝደረኸ ኣውያትን ተቃውሞን ነካይድ።
እቶም ንዓና ዝወለዱ ኣቦታት እተን ንዓና ዝወለዳ ኣዴታት ናይ ወላድ መኻን ኮይኖም፣ ረዳኢ ኣብ ዘይብሉ ዕጹው ገዛ ዘይስማዕ ስቅያት እንዳሕለፍን እንዳተሳቐዩን ንሕና ኣብዚ ኮይና ንዛንየሉ እዋን ኣይኮነን። ልዕሊ ኹሉ ግና እቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ንሓንቲ ካልኢት’ ውን ይኹን ክረኽቦ ዘይከኣለ ፍትሕን ሰላምን ቅሳነትን ተዓዲልና ከነብቅዕ ነዞም እዚ ዘይረኸቡ ወገናትና ነዚ ንክረኽቡ ካብ ምሕላምን ምጽዓርን ዓዲ እንተውዒልና፡ ሎሚ ብሕልና፣ ጽባሕ ድማ ብታሪኽ ተሓተቲ ምዃና ክንርስዕ ኣይግባእን።

በዚ ኣጋጣሚ መበል ዓሰርተ ዓመት ብቑሉዕ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝተጋህሰሉ ዕለት ንምዝካር ተኣኪብናሉ ዘለና ምዓልቲ፣ ነቲ ብኣረሜን ውልቀመላኺ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝብና ዝወረድ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕን ጌና ዝቕጽል ዘሎን ምስቁርቋርን ምስትንታንን ጥራሕ እኹል ደይኮነ፣ ጠንቂ ናህና ስደትን ከርተትን ንሱ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምዃኑ ፈሊጥና ካብ ስልጣኑ ምስ ዝእለ ጥራሕ እቲ ግፍዒ ኣብቒዑ ናይ ህዝብና ራሕዋ ዝመጽእን ናህና ከም ድላይና ምስ ወለድናን ኣሕዋትናን ኣብ ሃገርና ንራኸበሉ ዕድል ዝርከብን ምዃኑ ተገንዚብና፣ ሕልናና ዝዓግበሉ ቃልሲ ንምእላይ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ክንሰርሕ፣ ኣብ ክንዲ እቲ ከምተቃለስቲ ኣብ ነንሕድሕድና ዝፈላልየና ነጥቢ ነተኩር፣ ናብቲ ዝያዳ ዘቀራርበና ጉዳይ ከነድህብን ክንጸቅጥን ከምዝግባእ ሕልናዊ ድርኺትና ክዓዝዝ ለበዋ ናይ ኩላህና ክኸውን፣ ብስም እቶም ኩሎም ግዳይ ናይዚ መሪር ኣደራዕ ኮይኖም ዘለውን ጌና ኣብ ኣፈፌት ናይቲ ሓደጋ ተጋሊጾም ዘለው ምሕጽንታ ንቀበል።

የቀንየለይ

ኤልሳ ጭሩም
ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት – ኤርትራ
17 መስከረም 2011

እቶም “ወረርቲ፣ብሽበራ፣ ሽርሕን ስለላን ዝተኸሱ እንግሊዛውያን ኣባላት PVI” በየናይ ሕጊ ነጻ ተለቒቖም?

Posted by | Posted in ሓደስቲ ጽሑፋጥ | Posted on 14-06-2011

ብ 10 ሰነ 2011፣ ሕጋውነት “ገበናት እንግሊዛዊ ትካል PVI ን ኣባላቱን ኣብ ኤርትራ”   ብዝብል ኣርእስቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንተጠቀስቲ እንግሊዛውያን ዜጋታት ዘሰከሞም ገበናዊ ሓላፍነትን መሰጋገሪ ሕጊ ኤርትራ ንተኸሰስቲ ዝህቦም ናይ ሕጊ መሰልን ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ግህሰት መሰልን ኣመልኪትና ብምዝርዛር፣ ንሓቀኛ ባሕርያት እቲ ስርዓት ምስ ኣቐዲሙ ኣብ ዜጋታቱ ክወስዶ ዝጸንሕ ሕጊ ኣልቦ ኣረመኔነት ኣነጻጺርና ብምግላጽ፣ ሕጂ ብናይ መንግስቲ እንግሊዝ ዝተወስደሉ ዲፕሎማስያዊ ስጉምትን ዝተዋህቦ መጠንቐቅታን ክወስዶ ዝኽእል ናይ ነጻ ምልቓቅ ቅልጡፍ ውሳነ ኣተነቢህና ምንባርና ዝፍለጥ እዩ። “ኣመል ምስ መግነዝ” ከምዝበሃል እነሆ ብኣሳላጥነት መንግስቲ ቐጠር ነጻ ተለቒቖም ። ሕጂ’ ኽ ድኣ ጋዜጣን ሬድዮን ቴሊቪጅንን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ድኣ እንታይ ውሓጠን? Read the rest of this entry »

ሕጋውነት “ገበናት እንግሊዛዊ ትካል PVI ን ኣባላቱን ኣብ ኤርትራ”

Posted by | Posted in ሓደስቲ ጽሑፋጥ | Posted on 10-06-2011

ሕጊ ከም ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት መጠን ኣብ ጊዜን ቦታን ዝድረት፣ ካብኡ ምስ ዝዝምብል ናብ ዘይሕጋውነት ዝቕየር፣ ጥንቃቐ ዘድልዮ ሞያ ኮይኑ፣ ግህሰት ናቱ ከቢድ ሃሰያ ኣብ ሰብን ንዋትን ዘስዕብ፣ ካብ ፖለቲካን ሃይማኖትን ወገንን ነጻ ዝኾነ ዓውዲ እዩ። Read the rest of this entry »