Category: ሰነዳት

እገዳ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ፡ ንረብሓ ህዝቢ’ዶ ንጉድኣቱ?

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዕለት 23 ታሕሳስ 2009 ብቑጽሪ መዝገብ (ውሳነ) 1907/2009 ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ክጸንዕ ወሲንዎ ዘለዎ እገዳ፡ ብደገፍትን ተቓወምትን እቲ ስርዓት ዝተፈላለየ ግብረ-መልስታት ክወሃቦ ቀንዩ ኣሎ። እቲ ስርዓትን ደገፍቱን ከምቲ ወትሩ ግዜ ዝገብርዎ፡ ካብ ሓቂ ሓኪሎም፡ ዝጥዕሞምን ክኸውን ዝደልይዎን ትንተናታት ይህቡሉ ከም…