Category: ትግርኛ

ትግርኛ

ዋሕዚ ስደት ንምግታእ ሰብኣዊ መሰላት ምጉዕፃጽ

ብማሕበር ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ጥሪ 2018፡ ጋዜጣ ሊብያ-ሄራልድ፡ ብምኽንያት ሓደ ዓመት ምኽፋት ኤምባሲ ጥልያን ኣብ ትሩብሊ ንኣምባሳደር ሚስተር ጂሰፐ ፐሮኒ ኣዘራሪባቶ። ኣብ ሊብያ፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ኣህጉር ኤውሮጳ ኢጣልያ ጥራሕ እያ ኤምባሲ ከፊታ ዘላ። ካልኦት ኣብ 2011 ንኮሎኔል መዓመር ቀዛፊ ካብ ስልጣን ዝኣለየ ህዝባዊ…

ካብ ስልጣኖም ዝተወገዱ ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ይቕረ ሓቲቶም ንዝብል መግለጺ ብዝምልከት ዝወጸ ኣገዳሲ መተሓሳሳቢ

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ካብ ስልጣን ዝተወገዱ ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ከርስትያን ኤርትራ ይቕረ ሓቲቶም፡ ዝብል መግለጺ ኣዝዩ ከምዝተሓሳሰቦ ይገልጽ።

Bitweded

ቢትወደድ ኣብርሃ፡ ኤርትራዊ ኔልሰን ማንዴላ!

ሓርበኛ ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብርሃ፡ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ፡ ብዘይ ፍሉጥ ክስን ፍርድን በቲ እንኮ ዕሉል መላኺ እሳያስ ኣፈወርቂ ተቐይዱን ካብ ስድራ ቤቱ፣ መቕርቡ፣ መጋድልቱን ፈተውቱን ተነጺሉ ኣብ ሓንቲ ሸላ ካብ ዝዕጾ፡ ሎሚ 06 ጥቅምቲ 2015 መበል 24 ዓመቱ ኣቑጺሩ ኣሎ።

ሕጋውነት “ገበናት እንግሊዛዊ ትካል PVI ን ኣባላቱን ኣብ ኤርትራ”

ሕጊ ከም ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት መጠን ኣብ ጊዜን ቦታን ዝድረት፣ ካብኡ ምስ ዝዝምብል ናብ ዘይሕጋውነት ዝቕየር፣ ጥንቃቐ ዘድልዮ ሞያ ኮይኑ፣ ግህሰት ናቱ ከቢድ ሃሰያ ኣብ ሰብን ንዋትን ዘስዕብ፣ ካብ ፖለቲካን ሃይማኖትን ወገንን ነጻ ዝኾነ ዓውዲ እዩ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ኣህጉራዊ ሕጊ መዳያት ተራእዩ ዘይፈልጥ ከበድቲ ብድሆታት ይገጥሞ ኣሎ።

ሎሚ ዕለት 20 ሕዳር 2014፡ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት ክልተ ኣገደስቲ ፍጻመታት ተኸሲቱ። ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ፡ እቲ ኣብ ጀኔቫ ተጋቢኡ ዝቐነየ ናይ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ኮምሽን፡ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ስርሑ ከሰላስል ከም ዝጀመረ ብወግዒ ገሊጹ። ብኤርትራውያን ግዳያት ኣብ ዝወሃቦ…

ተወልደመድህን ተስፋማርያም (ማኦ)

ተወልደመድህን (ማኦ) ሓደ ካብቶም ኣብ ገድሊ ኤርትራ ተሳሒሎም ዝዓበዩ፡ ምኩራት ተጋደልቲ እዩ። ኣብ ድግሳ ተወሊዱ ከምዝዓበየ ድማ ይፍለጥ። ኣብ 1977 ከኣ ናብ ሃገራዊ ቃልሲ ተጸንቢሩ። ማኦ ከም ተጋዳላይ ተባዕ ተጋዳላይ ክኽውን ከሎ፡ ከም ሰብ ከኣ ኣርሒቑ ዝጥምት ለባምን መስተውዓልን ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰብ እዩ። እቶም ኣብ ጊዜ…

ኮረኔል ተስፋልደት ስዩም

ኮረኔል ተስፋልደት ስዩም (ወዲ ስዩም) ኣብ ኮርባርያ ተወሊዱ ኣብኡ ምስ ወለዱ ዓብዩ። ስድራቤቱ ምንም’ኳ ሓረስቶት እንተነበሩ ንደቆም ኣብ ምምሃር ገታኢ ስለዘይነበሮም ከም ኣሕዋቱ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸበ ዓንተር ተስፋልደት ኣብ መቦቀል ዓዱ ዝጀመሮ መባእታ ትምህርቲ ኣብ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ደቀምሓረ ብምቅጻል ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ብሉጽ…

ብርጋዴር ጀነራል እስቲፋኖስ ስዩም

ብርጋዴር ጀነራል እስቲፋኖስ ስዩም ሓደ ካብቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ኣባላት ባይቶ ኤርትራ እዩ። ብመስከረም 2001 ዓ/ም ምስ ብጾቱ ነቲ ቀይደ-በተኽን ዘይሕጋውን ዝኾነ ኣመራርሓ ፕረዚደንት ኢሳያስ ስለዝተቃወመ፡ ብዘይ ክስን ፍርድን ብዘስካኽክኽ ኩነታት መጀመርታ ኣብ እንባትካላ፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ዒራዒሮ ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ተዳጐነ።

መንእሰይ ሙሴ

ቤት ማእሰርቲ ዳህላክ ካብ ዝወሓጠቶም ሓደ እቲ መንእሰይ ሙሴ እዩ (ካብ ዕሱር ነበር ዝተልኣኽት) ኣነው’ን ከምቲ ንኹሎም መንእሰያት ኢርትራ ዝበጽሖም ሕማቕ ዕድል ስለዝበጽሓኒ፡ ኣብቲ ምድራዊ ገሃነም-እሳት ክበሓል ዝከኣል ደሴት-ዳህላኽ ተኣሲረ ነይረ። ኣብ 2003 ወርሒ መጋቢት ከኣ ነቲ ዘሕዝንን ዘብክን ዕድል ዝበጽሖ ሙሴ ዝተባህለ መንእሰይ ረኺበዮ። ዝተራኽብናሉ ኣብቲ ውጽኣት…

ቴድሮስ ገረዝጊሄር (ትሪባ)

ኢሳያስ ካብ ዝሞቖሖም ጀጋኑ ሓደ ቴድሮስ ገረዝጊሄር (ትሪባ) ቴድሮስ ኣብዛ ተወሊዱ ዝዓበየላን፡ ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ዝተጋደለላን ኣስመራ፡ በዚ ባርባራዊ ዝኾነ መንግስቲ ኢሳያስ ካብ ዝእሰር ነዊሕ ኰይኑ እዩ። ኣብቲ ብዙሓት ጀጋኑ ውሒጡ ዘሎ ካርሸሊ ተኣሲሩ ከምዘሎ ከኣ ይፍለጥ። ብሕማም ሽኮር ይሳቐ ምህላው’ውን ዝመጽእ ሓበሬታ…