A Testimony of Wia prison – presented through Elsa Chyrum

Torture
Torture

The following Tigrigna testimony was published on September 10th, 2005.

ግዚኡ ኣብ መፋርቅ ሓምለ 2001 እዩ ዝነበረ። ኮሚቴ ተማህሮ ዩኒቨርሲቲ ነቲ ብሚንስቲሪ ትምህርቲ ዝወጸ ኩሉ ተማሃራይ ዩኒቨርሲቲ ናብ ማእቶት ክኽይድ ከምዘለዎ ዝሕብር መጸዋዕታ ሕጊ ብዝመልኦ ኣገባብ ይቃወሙ ነበሩ። ነጥቢ ብነጥቢ ብምቅራብ ነቲ ጻውዒት ክኽውን ከምዘይክእል ናብ ፕረዚደንት ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ወልደኣብ ኢስሃቅ ኣቅረቡ። ገለ ካብቲ ዝቀረበ ነጥብታት ንምጥቃስ: 

1.        ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ርእሰ-ምምሕዳራዊ ኣሰራርሓ ስለዘለዎ፡ ብምኒስትሪ ትምህርቲ ዝወጽእ መጸዋዕታ ይኹን ሓበሬታ ንዕኡ ኣይምልከትን።

2.        ክረምታዊ ማእቶት ኣብ ቅዋም ኤርትራ ስለዘየለ፡ ተቀባልነት ከምዘይብሉ።

3.        ካብዚ ሓሊፍ ንተማሃራይ ናብ ክረምታዊ ማእቶት ብዘይ ድልየቱን ብዘይ ዶመዝን ከምዝሳተፍ ምግባር፡ ነቲ ኤርትራ ኣንጻር ግዱድ ሽቅለት ዝፈረመትሉ ንቻርተራት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ሰብኣዊ መሰላትን ትጥሕስ ምህላዋ ብምጥቃስ ገለጹ። ክወፍሩ እንተኾይኑ ግን ብድልየትን ብደሞዝን ክኽይድ ክምዘለዎ ጸብጻቦም ኣቅረቡ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ መጨረስታ እቲ ተባሂሉ ደሎ ስራሕ ከም ቆጸራ ሕዝብን ከም ሓበሬታ ምእካብን ጐስጓስ ንሕዝቢን ብተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ክፍጸም ኣለዎ ብምባል ኣብ ወርሒ 800 ናቅፋ ማለት፡ ኣብ መዓልቲ 26 ናቅፋ (1.30 ዶላር) እንዳተዋህበ ክሰርሕ ከምዘለዎ ፕረዚደንት ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ንተመሃሮ ገለጸሉ። እዚ እኹል ኣይኰነን፡ ንመግብና ንሆቴልና’ውን ዝኣክል ኣይኰነን ብምባል ተመሃሮን ኮሚቴ ናይ ተመሃሮን ስርዓቱ ብዝሓለወ ንመሰሎም ሓተቱ።

ኣብ ከምዚ እናሃለወ፡ ፕረዚደንት ማሕበር ተመሃሮ ዩኒቨርሲት ኣስመራ ሰመረ ከሰተ ብዕለት 31 ሓምለ 2001፡ ስዓት ሸውዓተ ናይ ንጉሆ፡ ብሰለስተ ናይ ጸጥታ ኣባላት ኤርትራ ካብ ገዝኡ ብናይ ገዛ መኪና ተወሲዱ ተኣስረ። ድሕርዚ ተማሃሮ ብዘቅረብዎም ጠለብ ንሕና ንመሰልና ሓቲትና፡ ንፕረዚደንት ተማህሮ ገበን እንተሊዎ፡ ናብ ፍርዲ ክቀርብ ኣለዎ ክብሉ ሕቶኦም ኣቅረቡ። ንኽምስሉ ንፕረዚደንት ተማሃሮ ብዕለት 9 ነሓስ 2001 ናብ ቤት ፍርዲ ኣቅረብዎ። ይኹን እንበር ክሲ ስለዘይተመስረተሉ፡ ቤት ፍርዲ ብቆጸራ ናብ ካልእ ግዜ ኣመሓላለፈ። ብሬድዮን ቴሌቪጂንን ኣብ ዝወጸ ምልክታ ኩሉ ተማሃራይ ናብ ማእቶት ክኽይድ ከምዝግባእ ተገልጸ። ይኹን እምበር ኣብፍርዲ ቀሪቡ እቲ ዝግባእ ፍርዲ ክወሃብ፡ ድሕሪኡ ንሕና ናብቲ ዝበሃል ደሎ ክንክይድ ብምባል ናብ ኣውቶቡሳት ምስቃል ኣበዩ።

ኣብዚ ግዜ’ዚ ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ወልደኣብ ኢስሃቅ፡ ካብዛ ስዓት እዚኣ ኣትሒዝኩም፡ ኣካዳሚ ተዓጽዩ ስለዝኾነ፡ ሓላፍነት ኣይወስድን እንዳበለ፡ ብኢዱ እንዳ ደፍእ ካብቲ ካምፓስ (ቅጽሪ) ዩኒቨርሲቲ ኣውጽኣና። ነቲ ማዕጾ’ውን ዓጸዎ። ንጽባሒቱ ንግሆ ስዓት 8፡00፡ ፕረዚደንት ተማሃሮ ሰመረ ከሰተ ናይ ቤት ፍርዲ ቆጸርኡ ኣኺሉ ስለዝነበረ ተማሃራይ ፍርዱ ክሰምዕ ናብቲ ቤት ፍርዲ ገጹ ወሓዘ። ገለ ኣብቲ ውሽጢ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ገለድማ ኣብቲ ቅጽሪ ናይ ቤት ፍርዲ እንዳ ተጸበዩ ከለው፡ ብዓሰርተታት ዝቁጸሩ ወተሃደራት ነቲ ቤት ፍርዲ ተዘርእዎ። ናብ ቤት ፍርዲ ብምእታው ከኣ፡ ብበትርን ብብረትን እንዳኣፈራርሑን እንዳቀጥቀጡን፡ ንኹሎም ኣብኡ ዝነበሩ ተማሃሮ ክህዝዎም ፈተኑ። ኣብ ውሽጢ መጋባእያ ኣትዮም ክኣ ብርክት ዝበሉ ተማሃሮ ብሓይሉ ኣብመኪና ኣስቂሎም ናብ እስታድዮም ኣስመራ ኣእተውዎም። ልክዕ ኣብታ ሰዓት እቲኣ ናብ ሙሉእ ሃገር ዝዀነ ተማሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣቱ ከምዘለዎ ተመሓላለፈ። ኣብቲ ምሸት ብረትን ኣባትርን ዝሓዙ ወተሃደራት ኣብ መደቀሲ ተመሃሮ (ዶርሚቶሪ) ብምእታው ንኣዝዮም ብዙሓት ተማሃሮ ከካብ መደቀሲኦም ቅያር ክዳን ዘይብሎም ኣብ ዝባኖም ዝነበረ ጥራይ ተኽዲኖም እንዳሰራጠዩ ናብ ኣስመራ ስታዲዮም ወሰዱዎም። ምስቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሓዊስካ ኣስታት 300 ዝኾኑ ተማሃሮ ኔሮም። በቲ ዝሃርም ዝነበረ ዝናብ ጠስጢሶም ብቁሪ እንዳተገረፍን ብጥምየት እንዳተሳቀዩን መርየት ጸልመተ ወግሓ። ኣዴታትን ኣቦታትን ድማ ሙሉእ መዓልቲ ክሳብ ምሸት ኣብ ኣፍደገ ስታድዮም ንተመሃሮ ቅያር ክዳውንትን ዝብላዕን ክህብዎም ኢሎም ተኣኪቦም ኔሮም፡ ግና በባትር ተሰጉጎም ክምኡ’ውን ዝተቀጥቀጣ ኣዴታት’ውን ነይረን እየን።

ንጽባሒቱ ንግሆ ፈውሲ ሞት ሓደ ሓደ ክበጽሕ ዘይክእል ኣስቃጥላን ጉስማጥን ተዋህቦም። ኣብ ከባቢ ሰዓት 11፡00 ቅድሚ ቀትሪ ዝኽውን መካይን ተቀረባ። ሓበሬታ ከይሃቡ ከኣ ክሰቅልዎም ፈተኑ። እቶም ተማሃሮ ግን ዝበደልናዮ ነገር የለን መሰልና ብሕጊን ብኣገባብን ሓቲትና፡ ናበይ ትወስዱና ኣለኹም ኢሎም ሓቲቶም። እንተኾነ ብዘይ ዘረባ ተሰቀሉ ተባህሉ። ኣይንድይብን ክብሉ ቃሎም ኣስምዑ። ሓደ ካብቶም ሽጉጥ ሒዞም ዝነበሩ ሓለፍቲ ከኣ ወተሃደራት ክኣትው ኣዘዘ። ቁጽሮም ናብ 50 ዝበጽሑ፡ ፍርቆም ካላሽን፡ ፍርቆም ኣባትር ዝሓዙ ተሰሪዖም ኣተው። ብሓይሊ ደይቡ በልዎም። እቶም ተማሃሮ ከምዘይድይቡ ገለጹሎም። ብረቶም ኣዐመሩ። ሰብ በትሪ ንተማሃሮ ክሃርምዎም ጀመሩ። ኣውያት ተደርጓሐ። ብላዕልን ብታሕትን ናይታ ስታዲዮም ደረጃ ደይቦም ወተሃደራት ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ቀጥቀጥዎም። ብዙሓት ኣካላዊ ማህሰይቲ ወረዶም። ኣብ ደገ ኮይኖም ዝጽበዩ ዝነበሩ ወለድን ኣሕዋትን፡ ኣእወዩ። እቶም ወተሃደራት በባትር እንዳቀርሰሙ ኣባረርዎም። እግሩ ዝስበር ተሰይሩ፡ ዝፍጋእ ተፈጊኡ፡ ሓይሎም ምስደኽሞም፡ ብሓይሊ እንዳ ጐተቱ ሰቀልዎም። ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ብብሎኮ ባጽዕ ወሰድዎም። ሃለዋቶም ንፈልጥ ኣይነበርናን። ድሕሪ ቁሩብ ምዓልቲ ግን ኩሉ ተማሃራይ ስለዝሰዓቦም፡ ብዓይኑ ርእዩዎም። እዚ እቲ ኩሉ ተማሃራይ ናብ ዊዓ ምስ ተወስደ እዩ።

ዕለት 12 ነሓሰ 2001 እዩ ነይሩ፡ ድሕሪ ሰለስተ ምዓልቲ ካብቶም ብሓይሊ ዝተወስዱ ተማሃሮ ማለት’ዩ። ልክዕ ንግሆ ሰዓት 6፡00 ኣትሒዙ፡ ተማህራይ በቲ ዝወጸ ምልክታ ተሰናቢዱ ፈሪሁ ናብ ስታድዮም ዘርጠብ እንዳበለ ክእከብ ጃመረ። በብቁሩብ እንዳተኣከበ ከይቆረሰ ከይተመስሓ ኣብኡ ተዓጽዩ ምስወዓለ ልክዕ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቀትሪ ምስኮነ፡ መካይን በጥሓትን ኤነትረታትን ንውሽጢ እስታድዮም ኣተዋ። ኣስታት 1700 ዝኽውን ተማሃራይ ምስ ጥሙይ ከብዱ ምድላዋት ከይገበረ ምብጋስ ኰነ። ብብሎኮ ባጽዕ ወጻና። ናበይ ከምንኽይድ ኣይንፈልጥን ነበርና። ንባጽዕ ሓሊፍና ናብ የማናይ ወገን ናይታ ከተማ ናብ መንገዲ ዓሰብ ኣምራሕና። ድሕሪ 6 ሰዓት ኣስታት ሰዓት 10፡00 ናይ ምሸት ዊዓ እተባህለ ቦታ ኣቲና። ብዘይ ማይ ብዘይ መግቢ፡ ምስ ዝኹሉ ድኻም፡ ኣብቲ ኣእማን ዝበዝሖ ቦታ ብዘይ መንጸፍ ደቀስና። ብኹሉ ወተሃደራት ተኽቢብና ሓደርና። ሰዓት 10፡00 ናይ ንጉሆ ይኽውን ነተን ደቂ ኣንስትዮ ካባና ፈልዮም ንምብራቅ ወገን ወሰዱወን። ንሕና’ውን ዝነበረና ቦርሳ ተሰኪምና ድማ ጉዕዞ ብኣእጋር ቀጸለ። ነቲ ሰራዊት ዝቅመጠሉ ንጸጋም ገዲፍና ንሰሜናዊ ምዕራብ ገጽና ተጓዓዝና። ገለ ሕልፍ ሕልፍ ኢልካ ዝርከብ ቆጥቋጥ ዘለዎ ቦታ ምስ በጻሕና ኰፍ በሉ በሉና። ካብ መጀመርታ ምስተበገስና ካብ ሰዓት 6፡00 ናይ ንግሆ ስጋብ 11፡00 ንጽብሒቱ፡ ን30 ሰዓታት  ብዘይ መግቢ ተሳቀና።

ልክዕ ሰዓት 12፡00 ፍርቂ መዓልቲ ድማ ብጽምኢ ማይ ተማሃሮ ክወድቁ ምስ ጀመሩ፡ ናብ ሓደ ዓቢ ሩባ ናብ ሩባ ሓዳስ ዝሕውስ ወሰዱና። ኣብቲ ንኽዶ ዝነበርና ጉዕዞ ገለ ብጾትና ክወድቁ ጀመሩ። ክነልዕሎም ኣይፍቀደናን ነበረ። ኣብቲ ሩባ ምስ በጻሕና ኣብቲ ውሽጢ ውሕጅ ሓርየት ኣተና። ነቲ ሓርየት ማይ ኣብ ጥራይ ከብድና ሰተናዮ። ብዙሓት ኣብኡ እንከለው ወደቁ። ተሰኪምና ናብ ላዕሊ ኣውጻእናዮም። ገዲፍክሞም ኪዱ በሉና። ሃለዋቶም ዘጥፍኡ ብዙሓት ወዲቆም ነበሩ። በቲ ካብታ ከባቢ ማይ ትወስድ ዝነበረት ቦጥ በብሓደ እንዳ ገበሩ ወሰድዎም። እዝከረኒ ንበልዖ ምስ ሰኣና ኣብቲ ስግር ናይቲ ንሰትየሉ ዝነበርና ሩባ፡ ብዙሓት ኣጣል ርኣና። ናብኡ ገጽና ሰለይ እንዳበልና ከድና። ኣብኡ ተረፍ ናይቲ ኣብኡ ዝነበረ ሰራዊት ንቁጽ ባኒ እተን ኣጣል ይበልዓ ነበራ። እተን ኣጣል ይበልዖኦ ዝነበራ ንቁጽ ባኒ ምስ ረኣናዮ ኣዚና ተሓጐስና። ሕማቅ እንዳጨነወና ክኣ በቲ ሓደ ወገን እተን ኣጣል ይበልዓ፡ በቲ ሓድ ድማ ንህና ክንበልዕ ፈተንና። እንተዀነ እቲ ባኒ ኣዝዩ ዝነቀጸ ስለዝነበረ ምሕያኽ ኣበየና። ኣብ ክዳንና ጌርና ናብቲ ሩባ ብምውሳድ ከኣ፡ ኣብቲ ማይ ኣለኽናዮ። ንነብስና በሊዕና፡ ነቶም ኣብቲ ደረት ሩባ ኣብ ገረብ ደቂሶም ብጥምየት ድሳቀዩ ድነበሩ ኣዕሩኽና ኣምጻእናሎም። ቁሩብ ሓይሊ ረኺብና ድማ ክንንቃሳቀስ

ጀመርና። ኣብቲ ደረት መንገዲ ፡ ካብቲ ሩባ ምስወጻና፡ ብዙሓት ተማሃሮ ወዲቆም ርኣና። ድሒሩ ከምዝሰማዕናዮ፡ ይርጋ ዮሴፍ ብዕለት 14 ነሓሰ 2001 ከምኡ ድማ የማነ ተኪኤ ብዕለት 19 ነሓሰ 2001 ከምዝሞቱ ሰማዕና። ብዙሓትው’ን ስነኣእምሯ’ውን ኣካላውን ስንክልና ኣጋጢምዎም። ንኣብነት ኣብ ጐድንና ዝድቅስ ዝነበረ ናይ 2ይ ዓመት ናይ ስነ-ህይወት (Biology) ተመሃራይ፡ ናይ ኣእምሮ ጸገም ኣጋጢምዎ ተጸሊሉ። ናይዚ ኩሉ ስቃይ እቲ ንልዕሊ 30 ሰዓታት ብዘይ መግብን ማይን ከምኡ’ውን ባህርያዊ ኩነታት ዊዓ ተደሚርዎ ኣብ ሂወትና ዓቢ ፈተነ ነበረ።

ዊዓ ካብ ባጽዕ ንሸነኽ ደቡብ 45 ኪሎሜትር ካብ መንገዲ ዓሰብ ንየማን እልይ ኢልካ ካብ ከተማ ፎሮ ንሰሜናዊ ምዕራብ ኣስታት 6 ኪሎሜትር ብሰሜን፣ ብምዕራብን ብደቡብን ጐቦታት እተኽበት ዓሟቅ መዓስከር ወተሃደራት’ያ። ኣብቲ ግዜቲ ኣዝዩ ሙቀት ስለዝነበረ ልዕሊ 45 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ከምዝነበረ ኣብቲ ክሊኒክ ተዓቒቦም ዝነበሩ ብጾትና ሓቢሮምና። እቲ ዘገርም ግን በዚ ልዑል ሙቀት፡ ንዊዓ ንማእሰርትን ንስቅያትን ቦታ ክትከ’ውን ምምራጾም እዩ።

ነቶም ኣብኡ ዝጸንሁ ወተሃደራት “እዚኦም ንመንግስቲ ኽግልብጡ ዝፈተኑ እዮም። ጸረ ሃገር እዮም። ጸጊቦም እዮም። ንስኹም ኣብ ድፋዓት ኮንኩም ሃገርኩም ተገልግሉ፡ ንሳቶም ድማ የማርጹ” ዝብል ጌጋ ሓበሬታ ተዋሂብዎም ከምዝነበረ ገሊዖም ነጊሮምና። ድሕሪ ሰሙን ኣቢሉ ይኽውን ፡ ኣዛዚ ናይታ ኣብኣ ዝነበረት ክፍለሰራዊት 35 ኰነሬል ገብሪኤል ወልደስላሴ ንኣስታት 2000 ንኽውን ተማሃሮ ኣከበና። ኣብ 4 ጉጅለ ድማ መቐሉና። እታ ቀዳመይቲ ጉጅለ ኣዋልድ ዝነበረኣ ንጽባሒቱ ንግሆ ንገልዓሎ ዝተባህለት ብማእሰርቲ ፍልጥቲ ዝኾነት ቦታ ወሰዱወን። ሓለፍቲ ናይታ መዓስክር ተቃውሞ ከይመጽእ ብምስጋእ ነተን 2 ጉጅለ ናብ ገልዓሎ ወሰድዎም። 2 ጉጅለ ድማ ኣብ ዊዓ ተረፍና። እቶም ናብ ገልዓሎ ድኽዱ ብጾትና ከምዘዕለሉና፡ ገልዓሎ ኣዝዪ ሃሩር ዝኾነ ቦታ፡ ንመዓልቲ ክልተ ሰዓት እንዳተጓዕዙ ከቢድ ስራሕ ይሰርሑ ከምዝነበሩን ብዙሕ ግፍዒ ከምዝወረዶምን ይገልጹ።

እቶም ኣብ ዊዓ ዝነበርና ክልተ ጉጅለ’ውን ፈላልዮምና። ገሌና ኣብቲ መዓስከር ገሌና ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣከቡና። ክንሸይን ይኹን ክንሰርህ ከለና ኩሉግዜ ብወተሃደራት ንሕሎ ነበርና። ኣብ ኣዝዩ ሃሩር ዝኾነሉ ሰዓታት፡ ንኣስታት  3 ሰዓት ዝኽውን እምኒ ንእክብ። እቲ የእማን’ውን ኣብ ግዜ ቀትሪ ኣዝዩ እዩ ዝረስን። ነቲ ርሱን እምኒ ኣብ መንኰብና ተሰኪምና ኣኪብና ጽርግያ ንሰርሕ ነበርና። ሓደ ለይቲ ብርቱዕ ህቦብላ ዝተሓወሶ ማይ ሃሪሙ መዕቀሊ ስለዘይነበረ ኣብ ዝባንና ተቐቢልናዮ ኣብ ጨፈቃ ድማ ሓዲርና። ንንጉሁኡ ብዙሓት ሓሚምና።

ድሕሪ ወርሒ ኣቢሉ፡ ዶክተር ወልደኣብ ኢስሃቅ ኣብቲ ቦታ ኣኼባ ክገብር መጸ። ብተመሃሮ ሓያል ሕቶታትን ርእይቶታትን ቀረበሉ። ይኹን እምበር እቶም ድሓቱ ድነበሩ ብጾትና፡ ብቪድዮ ካሜራ ይቅድሑ ስለዝነበሩ፡ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ብለይቲ ኣተሲኦም ካብ ጐድንና ወሰድዎም። እቲ መሪር ናብራ ማእሰርቲ ቀጸለ። ብዕለት 8 መስከረም 2001፡ንኽልቲኡ ጉጅለ ኣብ ዊዓ ዝነበርና ብኮረኔል ገብርኤል ወልደስላሴ ኣኼባ ተገበረልና። ሓይሊ ብዝመልኦ ምጉብዕባዕን ፈከራን “ነቲ ንሃገርን ንህዝብን ዝጠቅም ጻውዒት ብምፍራስኩምን ብምእዳምኩምን ገበነኛታት ኢኹም። ስለዚ ተጋጊና ኢና ኢልኩም እቕሬታ ሕተቱ” በለና። ብዛዕባ መሰልካ ምሕታት ገበን ከምዘይኰነ፡ ሓደ ካባና ተሲኡ ተዛረቦ። ይኹን እምበር ምፍርራህ ብምቅጻል፡ “ተጋጊና እንተዘይኢልኩም ካብዚ ዝኽፍእ ካልእ መቅጻዕቲ ክወሃበኩም እዩ” ብምባል ኣፈራርሃና። ድሕርዚ ንጽባሒቱ ንጉሆ ኣውቶብሳት ብምቅራብ ንመገዲ ዓሰብ ገጾም ወሰዱና። ኣብ መበል 2ይ ምዓልትና፡ ዕዲ ዝበሃል ቦታ በጻሕና። ካብኡ ቀጺልና ብዕለት 11 መስከረም 2001 ፍርቂ መዓልቲ ይኽውን፡ ካብ ዕዲ ናብቲ ዝመጻናዮ ወገን መለሱና። ኣብ ፍርቂ መገዲ፡ ኣብ ዓርኮብኰባይ ዝበሃል ቦታ ኣውረዱና። ኣብኡ ብዙሓት ወተሃደራት ይሕልውና ነበሩ። ከምቲ ዝተረዳዕናዮ ኣብኡ ተጋጊና ኢልና ይቕሬታ ክንሓትት ክሓቱና እሞ ነቶም ዝኣበና ክርሽኑና እዩ ነይሩ። ካብኡ ሓደ ወረቃቕቲ ዝሓዘ፡ ምስኡ ኽኣ በትርን ብረትን ዝሓዙ ወትሃደራት ንተመሃራይ በብሓደ እንዳ ጸውዑ፡ ርሕቅ ኢሎም ይሓትዎ ነበሩ። ንነብሲ ወከፍና “ኣነ ንመንግስትን ንሃገርን ዝጠቅም፡ ብመንግስቲ ዝወጸ ኣዋጅ ብምፍራሰይ ቅኑዕ ወይ ጌጋ በል” ዝብል ወረቀት ዝተጻሕፎ በብሓደ ተሓተትና። ኣየፍረስናን ብዛዕባ መሰልና ኢና ሓቲትና እንተልካ ከም ኣድመኛ ትቁጸር ዝብል ሓበሬታ ተጻሒፍዎ ነበረ። ኩሉ ተማሃራይ ተሓተተ። እቲ ዝገበርናዮ ቅኑዕ ምዃኑ ኩላህና ንፈልጥ ኔርና፡ ግና ብሓይልን ብምፍርራሕን ጌጋ እዩ ንኽንብል ኣገደዱና። እቲ ዝደልይዎ ረኺቦም፡ ንሕና ግን ከሲርና። ብፍላይ ንይርጋ ዮሴፍን ንየማነ ተኪኤን ስለዝኽፈልና። ክምኡ’ውን ብዙሓት ስለዝሓመሙናን ስለዝሰንከሉናን ስለዝተኣስሩናን። ድሕርዚ ሕቶኦም ምስወድኡ፡ ናብታ ዝነበርናያ ቦታ ዊዓ መለሱና።

ብድሕሪኡ ካብ ዕለት 18 ስጋዕ 21 መስከረም 2001 ገለ ጉጅለ 15 ንኣመሓድራ መንግስቲ ዝተቃወሙ ሰበ ስልጣናት ምስተኣሰሩን እተን ዝነበራ ብሕቲ

ጋዜጣታት ምስተዓጸዋን እቶም ጋዜጠኛታት ምስተኣሰሩን፡ ኣባና’ውን ከቢድ ሓለዋ ገበሩ። እቲ ማእሰርትን መቅጻዕትን ካብቲ ዝነበሮ ገደደ። ዋላ ውጽኣት ሓሚምካ’ውን ክትሸይን ፍቃድ ኣይወሃበካን ዝነበረ። ንጉሆን ምሸትን ብወተሃደራት እንዳተሓለኻ ንሽንቲ ትኽይድ። ኣብ ሓደ ገፊሕ ዳስ ጸሓይ እንዳተወቃዕና ምስ ድዀነ ሰብ ከምደይንራኽብ ጌሮም ኣሰሩና። ብጸሓይ፣ ብሃሩር፣ ብሕማም ብዙሓት ተሃሰዩ።

ብዕለት 19 መስከረም 2001, ድማ እቲ ዝተጸለለ ናይ 2ይ ዓመት ተማሃራይ ስነ-ህይወት(Biology)፡ መርፍእ ወጊኦም ናብቲ ናይ ወተሃደራት ክሊኒክ ወሰድዎ። ክሳብ ሕጂ ድማ ኣይሓወየን።

ኣብ መወዳእታ፡ ሜጀር ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ኣኼባ ኣካየደልና። ከምዚ ዝስዕብ ድማ በለና “ንስኹም ከም ብኤይድስ ዝተለኽፈ ሰብ ብጉጀለ 15 ተለኺፍኩም ኢኹም። ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ዝበደልኩም ገበነኛታት ኢኹም ። መንግስቲ ንጽቡቕኩም ስለ ዝሓስብ ዝበለኩም ሕራይ ትብሉ። ብዝኾነ እቲ ዝገበርኩምዎ ገበን ኣብ ርእስኹም ኰይኑ ክትከዱ ኢኹም በለና”። ብለይቲ ኽኣ ንገለ ገለ ብጾትና ኣተሲኦም ወሰድዎም። ንሕና ግን ብጽባሒቱ ብዕለት 7 ሕዳር 2001፡ ድሕሪ ዳርጋ ሰለስተ ወርሒ ስቕያትን መከራን ካብ ዊዓ ንኣስመራ ተመለስና። ሞራልና ኣዝዩ ተተንኪፉ ዝነበረና ተስፋ ኩሉ በኒኑ። ከምኡ’ውን ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኤርትራ መጻዒ ናብራና ድቕድቕ ዝበለ ጸልማት ምዃኑ ተረዲእና። ምዓስ ከምዝወግሕ ድማ እንድዒ!።