ጸብጻብ ዕውት ናይ ዘተ ኣኼባ ኣብ ሚላኖ፡

ረቡዕ ዕለት 18 ግንቦት 2011 ብኣጋጣሚ መበል በዓል 20 ነጻነት ኤርትራን ፣ብማተዮ ሲስቲ ዝተባህለ ናይ ስነ ማሕበራዊ ተመራመሪ ዝተዳለወት መጽሓፍ ምስ ኣንበብቲ ንምፍላጥን ዝተመደበ ናይ ዘተ ምሸት ብዓወት ተዛዚሙ። ኣርእስቲ ናይታ መጽሓፍ “ ማሕበራዊ ቃልስታት ኣብ ኤርትራ – ካብ ምትሓዝ ባጽዕ ክሳብ ምምስራት ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ” ዝብል ኮይኑ ንሕሉፍ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ጊዜ ነጻነት ጥራይ ዝትንትን ኢዩ።እቲ ሕሉፍ ቃልሲታት ካብቲ ህልው ኩነታት ኤርትራ ተነጺሉ ክርአ ስለዘይክእል ምስቲ እዋናዊ ኩነታት ተዛሚዱ መታን ክግምገም መመላእታ ክግበረሉ ናይ ግድን ስለዝኾነ ብቀጻሊ ዝከታተልዎ ዝተፈላለዩ ክኢላታት ተዓዲሞም ተሞክሮኦም ከካፍሉ ተገብረ።በዚ መሰረት ድማ ብዘይካ ትሕዝቶ ናይቲ መጽሓፍ ክትገልጽ ዝመጸት ኤሊዛ ካስተላኖ፣ መምህር ዩኒቨርሲቲ ፕሮፈሰር ጃንፓውሎ ካልኪ ኖቫቲ፣ ጋዜጠኛ ማሲሞ ኣልበሪሲን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ኤልሳ ጭሩምን ዝተኻፈልዎ ዘተ ምሸት ነበረ። እቲ ኣኼባ ብዙሓት ልኡኻትን፣ ሓለፍቲ ናይተን ዝተፍላለያ ጉጅለታት (ማሕበራት) ህ.ግ.ደ.ፍን ብዙሓት ተቓወምትን ዝተኻፈልዎ ብምንባሩ ፍሉይ ኮይኑ ክርአ ክኢሉ ኢዩ።

ኣኼባ ተጀሚሩ ኤሊዛ ካስተላኖ ነቲ መጽሓፍ ዝምልከት ሰፊሕ መግለጺ ድሕሪ ምቕራባ ፣ ፕሮፈሰር ካልኪ ኖቫቲ ብወገኑ ታሪኻዊ ኣመዓባብላ ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ መግዛእታዊ መስርሕ ብምትእስሳር ክሳብ ግዜ ነጻነትን ድሕሪኡን ዝምልከት ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።ካብኡ ብምቕጻል ማሲሞ ኣልበሪሲ ብረታዊ ቃልስን ድሕሪኡን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጻወቶ ተራ ብምዝማድ ሓጺር መግለጺ ብምሃብ ኣበርክቶኡ ደምደመ።ኣብ መወዳእታ ድማ ኤልሳ ጭሩም ካብ ግዜ ነጻነት ጀሚሩ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝፈጸሞን ዝቕጽሎ ዘሎን ግህሰት ፖለቲካዊን ሲቪካውን መሰላትን ኣብ ኩሉ መዳያት ሂወት ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ሕጊ ኣልቦ ተግባራትን ብዝርዝርን ብሰፊሕን ድሕሪ ምግላጽ እቲ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ መደብ ተደምደመ። መግለጺ ተወዲኡ ናብ ናይ ሕቶን መልስን መደብ ምስ ተሰግረ እቲ ክሳብ ሽዑ ብምዕዝምዛም ጸጸኒሑ በጨቕ ክብል ዝጸንሐ ናይ ምዕግርጋር ልሙድ ባህሪ ጭፍራ ህግደፍ ክበርህ ጀመረ።ኣብ ክንዲ ነቲ ዝተዋህበ መግለጽታት ብጭብጥታት ምቅዋምን ሃዲእካ ርእይቶታት ምቕራብን ንኩሎም ኣቕረብቲ ክጻረፉን ከነኣእሱን ላሕ ክብሉ ጀመሩ፡፡

እታ ደቒቕ ዝኽረ ስውኣ

እቲ ዝገርም ብጀካ እቲ ካብ ህግደፍ ዝቐሰምዎ ናይ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ካሊእ መበገሲን ድሕረ ባይታን ዘይብሎም ክነሶም፣ ነቶም ብናይ ዓመታት ትምህርትን ተሞክሮን ክእለቶምን ፍልጠቶምን ዘረጋገጹ ሞያውያን ኣቕረብቲ መደብ ክዘልፉን ከናሽውን ምስማዕ ከም ኤርትራዊ ዜጋ መጠን ክትሓፍር ዘገድደካ ኩነታት ምፍጣሩ ኢዩ። ገለ ውሑዳት ሰባት ኣብቲ ትሕዝቶ ናይቲ መደረ ተሞርኩሶም ሕቶታት ከልዕሉን ክትዕ ክጅምሩ’ኳ እንተፈተኑ፣ Xብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ] ኮይኑ ብድምጺ ናይቶም ኣዚዮም ዝበዝሑ ፖለቲካዊ ዘተ እንታይ ምዃኑ ቅንጣብ ኣምር ዘይብሎም ጭፍራ ተዓብሊሎም ብዘይ ውጽኢት ተረፉ።ኮይኑ ግን ኣብ መንጎ ናይቲ ሕቶን ክትዕን ጊዜ ነቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉን ቅድሚኡ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜን መድርኽን በጃ ህዝብን ሃገርን ዝተሰውኡ ዜጋታት ንምዝካር ዝተመደበ ናይ ሓደ ደቒቕ ዝኽሪ ኩሉ ተሳታፊ ኣኼባ ብጽምዋ ኣኽቢርዎ።

ዘረባ ብምድግጋምን ድምጾም ብምቅላሕን እቲ ሓሶት ናብ ሓቂ ዝቕየር ስለ ዝመስሎም ብዙሕ ከዕገርግሩ’ኳ እንተፈተኑ ህድኣትን ተጻዋርነትን ዝነበሮ ኣተኣላልያ ዕድል ስለዘይሃቦም ከምቲ ልሙድ ባህሎም እንዳተጻረፉ ካብቲ ኣኼባ ክወጹ ተገደዱ። እዚ ጭፍራƒዚ ንገለ ዜጋታት ኤርትራ ወያኔ፣ዓጋመ ……ወዘተ እንዳበለ ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣኼባ ዝስንድዎን ከም ጭርሖ ወሲዱ ዘጎሳጉሰሉን ዘሎ ዘሕፍር ወገናዊ ዘመተ ነቲ ኣብዚ ቦታ’ዚ ንሳቶም ዝኽተልዎ ዘለዉ ማይቤታዊ ምትእስሳር ከይቅላዕ ንምክልኻል ዝጥቀመሉ ዘሎ ሽጣራ ምዃኑ ኩሉ በጺሕዎ ከምዘሎ ተገንዚቡ ክእርሞ ከነዘኻኽር ንፎቱ ።ነቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልይ ብካልእ ፍልልያት ከተጋፍሖ ምፍታን ካልእ ሳዕበናት ዝፈጥር ምዃኑ ክንሕብር ግቡእና ኢዩ።

ፍትሕን ደሞክራስን ንህዝቢ ኤርትራ።
ሓይልታት ተቓውሞ ሚላኖ።