ጭሕሚ ብጻይካ ክላጸ ጭሕምኻ ማይ ልኸ

ሎሚ ቅነ ይሃምምን ይነጉድን ኣሎ። ስለናይቲ ደመናን ሰርብን ሓርየት ይሽትት ኣሎ። እሞ’ኸ ድኣ እዚ ኣዝመራ ይምልከተና ድዩ? እሂናይ ድኣ ከመይ ዘይምልከተና። ኣይ ንሕና እንዲና ግዳ ንጥላለት ፍትሒ ልዕሊ ዝኾነት ሃገር መስዋእትነት ዝኸፈልና። መን ኮን ኣሎ ከማና ፍረ ቃልሱ ካብ ዓውዱ ተዘሚቱ ዝተገፍዐ? ብጽምኢ ዲሞክራሲ ምሳጸና እንዶ ኣይኮናን ግዳይ ስደትን ከርተትን ዝኾና። እወ ኣእዛን ኩልና ኩር ኢለን ነቲ ደሃይ ጥዑም ወረ ይከታተላ ኣለዋ።

ውልቀ መለኽቲ ሓንሳብ ኣብ ስልጣን ምስ ደየቡ ብዝፍጽሙዎ ብልሽውና ስልጣን ምስተመንጠሉ፣ ዝስዕቦም ናይ ሕጊ ተሓታትነት ስለዝፈልጡ ካብ ነቲ ሒዞሞ ዘለው ስልጣን ኣረኪቦም ፍርዲ ናይ ኣበስኦም ኣብ ቅድሚ እቲ ዝገፍዑዎ ህዝቢ ዝቕበሉ፣ ነቲ ሓደራ ዘንበረሎም ህዝቢ ከጽንቱዎ ነቲ ሃገር ከኣ ከባድምዎ ይመርጹ። ከምኡ ክንዲ ዝኾነ ክሳብ ብዕድመ ኣሪጎም ኣብራኾም ዝጠልሞምን ሓንጎሎም ረሲዓን ዝኾኑ ከም ብዓል ሮበርት ሙጋቤ ናይ ዝንባቡዌ፣ ፊደል ካስትሮ ናይ ኩባ ክጸንሑ ይግደዱ። እንተኾይኑሎም’ውን፣ ስልጣኖም ከም ናይ ብዓል ሰሜን ኮርያ ፕረሲደንት ናብ ደቆም የመሓላልፍ። ገለ ስማዊ ቅዋም ዘለዎም መራሕቲ መንግስታት ከኣ፣ ዕድመ ስልጣኖም ዘናውሕ ዓናቅጽ ብምቕያር ኣቀዲሞም የመቻችእዎ።

ናይ ዘመና መለኽቲ ሰላሳ ዓመት ውሒድዎም ኣብ መቓብሮም ኮይኖም ንኽገዝኡ ዘፍቅድ ሕጊ ምንዳፍ ጥራሕ እዩ ተሪፍዎም ዘሎ። ዕድመ ዝምንጠል ኔሩ እንተዝኸውን ንነፍስወከፍ ዜጋ ብመልክዕ ግብሪ ድዩ ቀረጽ ንናይ ኩልና ዕድመ እንዳሸርመሙ ንመዋእል ምነበሩ ነይሮም።

ማይ ቤት ህ.ግ.ደ.ፍ ተሕለምልም ኣላ። ሕጂ ንናይ ፖለቲካ ኢንጅኔር የማነ ገብርኣብ ዓቢ ዕዮ ገዛ ተዋሒብዎ ኣሎ። ንበዓል መበል 21 ዓመት ጽንብል ስርሒት ፈንቅል ዝኸውን መደረ ከዳልው። “በቃ ሕጂ በርባዕተ መሓውርና ጠጠው ኢልና ኢና፣ ስርያት ዕደና ወርቂ ተጀሚሩ፣ ብብርኩት ምህርትና ዋጋ ሓለኽቲ ባይታ ዘቢጡ፣ ኣድማዒ ምውሳኽ ደሞዝ ክግበር ሰፊሕ መጽናዕቲ ተጀሚሩ ኣሎ፣ ጽጋብ ጥራሕ የኽእለና ከይንብስኑው….ወዘተ” ዝብል ካብ ናይ ዝሓለፈ መብጽዓታት ዘይፍለን ግን ከኣ ነቲ ዝሃምምን ዝነጉድን ዘሎ ሰርቢ ናይ ቱኒዝን ግብጽን ….. ለውጢ ዝከላኸል። ንኹሎም ኣዘዝቲ ሰራዊት ጥብቂ ጥንቃቀ ክገብሩ፣ ዝኾነ ኣባሎም ብዕረፍቲ ይኹን ብምብጻሕ ከይሰዱ፣ ኮብሊሎም ዝበሃሉ ተገፊፎም ክቕፈዱ፣ ንዝኾነ ምልዕዓል ብዘይንሕስያ ክዶቕሱን ኣብነት ንሰላማዊ ሰልፊ ስንኩላን ማይ ሓባር ብኣድራጋ ጠያይት ምርሽራሽ ክኽተሉ። ሚኒስትሪ ዜና ነዚ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ንምዕቡላኽ ጽዑቕ ፕሮፓጋንዳ ናይ ውሽጢ ሃገር ብምግባር ሕሉፍ ቅያታትና ከም ሓዲሽ ብምቕላሕ ኣቃልቦ ምስሓብ። ኣእዛን ሰማዕቲ ንምዕባስ ኣንጻር እተን ተተኺለን ዘለዋ ሳተላይት ዲሽ ሓዲሽ መግትዕን ክልከላን ክግበር። ሓለፍቲ ምምሕዳራት ህዝቢ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ተሓባቢሮም ኢሳያስ ኣፈወርቂ ስዮም ናይ እግዚኣብሄር ምዃኑ ብዘይኩኡ ካልእ ንሃገርና ክመርሕን ክሓልየላ ዝኽእል ፍጡር ከምዘየሎ፣ ንዓለም ከመሓድር ዝኽእል ዓቕሚ ከም ዘለዎ ንህዝቢ ጎስጊሶም ከእምኑ። ስነጥበባውያን ብዜማ ክውድሱ፣ ብጽሑፍ ክሙጉሱ፣ ብቕብዓ ከጸብቑ፣ ናይ ባህላዊ ጉዳያት ህ.ግ.ደ.ፍ ቀንዲ ዕማም ተዋሂብዎም። ኣቤት ቀልባዕባዕ!

እዚ ንመቃነይ ዝኸውን ሜላ ድኣምበር ከም ውልቀመለኽቲ ነብሶም ዝፈትው ፍጥረት ስለዘየለ ሃሞምን ቀልቦምን ብኸመይ ነብሶምን ዝዘረፍዎ ሃብትን ናብቲ ኣቀዲሞም ዝመደብዎ ናይ መጨረሽታ መዕቆቢኦም የምልጡ እዩ። ሽዑ ዘሎ ምክሕሓድ ክትኣምኖ እዩ ዘጸግም። እሞ ህዝባዊ ናዕቢ በዝን ብወዲ ከምዝን ይግታዕ ድዩ? መተንፈሲ ስኢኑ ዝጸንሐ ሓንሳብ እንተነቲጉ ዓጋቲ ከምዘይብሉ እቲ ብታሪኽ ንሰምዖ ዝነበርና ሎሚ ኣብ ጎረባብትና ብዓይንና ንርእዮ ኣለና። መን ኣሎ ሎሚ በዚ ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ድከቱ ዘይሰተየ? ዋላ’ውን እቶም ንነብስና ይጥዓመና ብሃልቲ ሰበ ስልጣናትን መጋበርያ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝኾኑ ሽሕ እኳ ኣብቲ ብልሽውና እንተተቆማጥዑ ካብቲ ህቦብላ ንምምላጥ መህደሚ ዘናድዪን ሸለብ ገለብ ዝብሉ ድኣ እንበር ሙሉእ እምነት ሃልይዎም ብትብዓት ክምክቱ ድሉውነት የብሎምን። ድሮ’ኳ ገሊኦምስ ገንዘቦምን ስድርኦምን ብዝተፈላለየ ምስምስ ንስደት የሕሊፎሞም እዮም። እቶም ጨለታት ተደናገጽቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ነቲ ዘይተርፍ ውድቀቶም ዝተገንዘቡን ከም ሓለይቲ ህዝብን ሃገርን “ይኽደነና ጥራሕ ናይ ስልጣን ባዶሽ ከይፍጠር” ይብሉ ኣለው። ወዳጄ ባዶሽ ናይምንታይ ባዶሽ? ሓንጎሎም እዩ ባዶሽ። ንሶም ዝምነዩዎ ኤርትራ ሃገርና ዳግማይ ሶማል ኮይና ኣብ ኩናት ሕድሕድ ክትጥበስ ንሶም ከኣ ንሕሉፍ ገበኖም ሓታቲ ዘይብሎም ክተርፍን “ዘመነ ህግደፍ ይሓይሽ፡ ኣይበልናን’ዶ” እንዳበሉ ዳግማይ ከላግጹ እዩ ሓሳቦም። ህዝብና ዘኽፍኣሉን ዘጸብቐሉን ዝፈልጥ ብዓል ክቡር ባህሊ ንሕጊ ተማእዚዙ ዝኸይድን ይቕረ በሃልን እዩ። ኣብ ሃገርና ደም ዘለዎ ቅርሕንቲ ኣብ ሞንጎ ቀቢላታት ይኹን እንዳታት ወይ ጉጅለ የሎን። ኣዘዝቲ ሰራዊት ህ.ግ.ደ.ፍ ዋላኳ ናይ ሓባር ረብሓ ይሃልዎም ኣብ ነንሕድሕዶም ብግርጭታት ዝተገማምዑ፡ ካብ ሓለፍቲ ቦጦሎኒ ንታሕቲ ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሎም እዮም። ስለዚ መን ምስ መን ወጊኑ ንመን ክወግእ? ሕልሞም ሕልሚ ዶርሆ እዩ ንብሎም።

ለውጢ ኮፍ ኢልካ ባዕሉ ዝመጽእ ኣይኮነን። ብርግጽ ሜላ ህ.ግ.ደ.ፍ ፈላሊኻ ግዛእ፣ ንጥምረት ዝሕንኩል፣ ስለያዊ ስልኳን፣ ንሕስያ ዘይብሉ መቕዘፍትን ዘኽተሎ ሳዕቤን መግዛእቲ ውልቀመላኺ ክሳብ ሎሚ ዕምሩ ከም ዝናዋሕ እኳ እንተገበሮ፣ እቲ ሕሰም ዝዓርዓሮ ህዝቢ ብውሽጡ ዘይራገምን ንጥፍኣቶም ዘይምነን የሎን። ክንዲዝኾነ እነሆ ልቡን ቀልቡን በዚ ዘሎ ጥዑም ንፋስ ናይ ብዓል ቱኒዝን ግብጽን ተሳሒቡ። እሞ ሃየ ንሳቶም’ውን ህውከትን ዕግርግርን ፈትዮም ኣይኾኑን፣ መግዛእቲ ውልቀምልኪ ዒቕ ስለዝበሎም እዮም። “ጭሕሚ ብጻይካ ክላጸ ጭሕምኻ ማይ ልኸ” እዩ ነገሩ።

ኦ ህዝቢ ኤርትራ፡ የማን ጸጋምካ ቁልሕ በል። ኣፈሙዝካ ንፍትሒ ሓልወሉ። ቀላጽምካ ንዲሞክራሲ ኮስኩሰሉ። ልሳንካ ንሓድነት ዘይመሉ። ሓንጎልካ ኣስፊሕካ ጠምተሉ። ፍርያት ጸጋ ናይዚ ሰርብን ደመናን ኣብ መዓላ ራህዋ ህዝብኻ ኣውዕሎ። ኣይትተሓመል!