ካብ ስልጣኖም ዝተወገዱ ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ይቕረ ሓቲቶም ንዝብል መግለጺ ብዝምልከት ዝወጸ ኣገዳሲ መተሓሳሳቢ

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ካብ ስልጣን ዝተወገዱ ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ከርስትያን ኤርትራ ይቕረ ሓቲቶም፡ ዝብል መግለጺ ኣዝዩ ከምዝተሓሳሰቦ ይገልጽ።

ኣብቲ ብዕለት 08 ነሓስ 2016 ብመራሕቲ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ፓትሪያሪክ ኣንጦንዮስ ንዝፈጸምዎ ጌጋታት ተኣሚኖም ከምኡ ድማ ብሰንኪ ጌጋታቶም ኣብ ልዕሊኦም ኮነ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ንዝተፈጸመ ሳዕቤናት ይቕረ ሓቲቶም ተባሂሉ።

ኮዩኑ ግን ብመጀመርታ እዚ ቃል እዚ ካብ ልሳኖም ወጺኡ ድዩ ኣይወጸን ዝብል ሕቶን፥ ኣብዛ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እትልለን ብኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመስከረላን ሃገር፡ እቶም ፓትሪያሪክ ይቅረ ንክሓቱ ኣብ ልዕሊኦም እንታይ ዓይነት ጸቕጢ ተጌሩ ዝብሉን ሕቶታት ዛጊት ምላሽ ኣይረኸቡን ዘለዉ። ናጻ ዝኾነ ኣካል ተረኺቡ ነቲ ጉዳይ ክሳብ ዘየጻረዮ ድማ እቶም ፓትሪያሪክ ብወለንትኦም እዮም ይቕረ ሓቲቶም ክብሃል ኣይክኣልን እዩ።

ብዕለት 15 ጥሪ 2006 እቶም ካብ ስልጣኖም ዝተወገዱ ፓትሪያሪክ ኣብ ዝጻሓፍዎ ደብዳቤ “እዚ ኣብ ልዕለይ ዘንበርክሞ ናይ ሓሶት ክስን፡ ካብ መንበረይ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ምእላይኩምን ሕጊ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣየፍቅዶን እዩ” ኢሎም ነይሮም በዚ መሰረት ድማ፡ ካልእ መረጋገጺ ክሳብ ዝርከብ፡ እቶም ካብ ስልጣኖም ዝተወገዱ ፓትሪያሪክ ይቅረ ሓቲቶም ዝብል መንግስቲ ኤርትራ ዘጽደቖ መግለጺ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብፍጹም ዘይኣምነሉን ብዓይኒ ጥርጣረ ክርአ ዘለዎን እዩ። እዚ ድማ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝቐረበ ንሃይማኖታዊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ነቐፌታ ንምንእኣስ ኮነ-ኢልካ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተኣልመ ውዲት ከምዝኾነ ክፍለጥ ኣለዎ።

ፓትርያሪክ ኣንጦንዮስ ካብ 2006 ጀሚሮም ሃይማኖታዊ ሕጊ ብዘየፍቕዶ ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ማሓዩር ከምዝጸንሑ ይፍለጥ። እቶም ፓትሪያሪክ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ናይታ ሃገር ንዝገብሮ ጣልቃ ምእታው ብትሪ ይኹኑኑ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ፓትሪያሪክ ኣንጦንዮስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ዘይሕጋዊ ዝኾነ ኣኼባ ቅዱስ ሲኖዶስ ድሕሪ ምክያዱ እዩ። እቲ ካልእ ምኽንያት ድማ ነቶም ኣብ ቀጽሪ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ዘምልኹ ዝነበሩ ከባቢ 3000 ዝኾኑ ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበት ስለዘይነጽግዎም ከምዝኾነ ይዝከር። መንግስቲ ኤርትራ ንሃይማኖታዊ ሕጊ እንደገና ብምጥሓስ እዩ ነቶም ፓትሪያሪክ ኣብ 2007 ብካልእ ፓትሪያሪክ ተኪእዎም እቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝተተኵኡ ፓትሪያርክ ‘ውን ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም እዪም።

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ (ሓሰመኤ)
ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ
12 ነሓስ 2016