እቶም “ወረርቲ፣ብሽበራ፣ ሽርሕን ስለላን ዝተኸሱ እንግሊዛውያን ኣባላት PVI” በየናይ ሕጊ ነጻ ተለቒቖም?

ብ 10 ሰነ 2011፣ ሕጋውነት “ገበናት እንግሊዛዊ ትካል PVI ን ኣባላቱን ኣብ ኤርትራ”   ብዝብል ኣርእስቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንተጠቀስቲ እንግሊዛውያን ዜጋታት ዘሰከሞም ገበናዊ ሓላፍነትን መሰጋገሪ ሕጊ ኤርትራ ንተኸሰስቲ ዝህቦም ናይ ሕጊ መሰልን ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ግህሰት መሰልን ኣመልኪትና ብምዝርዛር፣ ንሓቀኛ ባሕርያት እቲ ስርዓት ምስ ኣቐዲሙ ኣብ ዜጋታቱ ክወስዶ ዝጸንሕ ሕጊ ኣልቦ ኣረመኔነት ኣነጻጺርና ብምግላጽ፣ ሕጂ ብናይ መንግስቲ እንግሊዝ ዝተወስደሉ ዲፕሎማስያዊ ስጉምትን ዝተዋህቦ መጠንቐቅታን ክወስዶ ዝኽእል ናይ ነጻ ምልቓቅ ቅልጡፍ ውሳነ ኣተነቢህና ምንባርና ዝፍለጥ እዩ። “ኣመል ምስ መግነዝ” ከምዝበሃል እነሆ ብኣሳላጥነት መንግስቲ ቐጠር ነጻ ተለቒቖም ። ሕጂ’ ኽ ድኣ ጋዜጣን ሬድዮን ቴሊቪጅንን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ድኣ እንታይ ውሓጠን?

እዞም ቀንዲ መዛረቢ ኮይኖም ዝቐነዩ እንግሊዛውያን ንኣስታት ሽድሽተ ኣዋርሕ ዝኣክል መሰሎም ተሓሪሞም እዮም ተቐይዶም ጸኒሖም። ናይ ሕጊ ምኽሪ ክረኽቡስ ይትረፍ፣  ኣብ ሚስጥራዊ ቦታ ስለዝተሓየሩ ጭቡጥ ህላውነቶም ዝፈልጥ ወገን ኣይነበረን። ንኽንድዚ ዝኣክል ጊዜ ካብ ኩሉ ተነጺልካ ምንባር ዝኸብድ መቕጻዕቲ የለን። ብፍላይ ንኸምዚኦም ዜጋታት ስልጡን ዓለምን ተጠቀምቲ ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ናይ ኣእምሮ ምዝንባል’ውን  ክፈጥረሎም ልዑል ተኽእሎ ኣሎ።

ሓቅን ፍርድን ካብ ከሳስን ተኸሳስን ብግልጺ ዝተኸራኸሩሉ ዘይሻራዊ መጋባእያ እዩ ዝርከብ። እንተኾነ፡ እዚስ ካብ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ከም “ደርሆ ሓሊኽካ ጸባ ዓጓ ምሕላብ” እዩ ዝውሰድ። ብጉድለቶም ስለዝተኣመኑ፡ ይቕሬታ ስለዝሓተቱ፣ ንግዚሄር ይጥዓሞ ኢልና ምሕረት ጌርናሎም ክብሉ’ ውን እንተኽኣሉ፣ ሽድሽተ ወርሒ ዝኣክል ብጽምዋን ተነጽሎን ዝተሳቐዩ ግዳያት ካብ ዝእሰሩ ንደሓር ደሃይ ዓለም ዘይረኸቡ ሰባት ብርጉጽ ሕላውነት ናይታ ዓለም ብዓባያ እኳ ይጠራጠሩ። ኣብ ከምዚ ዝነበሩ ግዳያት ደኣሞ ካብ በጃኹም ምሓሩና፣ ተጋጊና ኢና ሓሊፎም እንታይ’ ከ ክብሉ? ኣብዘይ ርጉእ ኩነተ ህላወ ዝወሃብ ቃል ብሕጊ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ዝኾነ ሰብ ዝርድኦ ተራ ነገር እዩ።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ልዕሊ እዞም ዜጋታት እንግሊዝ ዝኾኑ ኣባላት PVI ሸሞንተ ክስታት ኣቕሪብሎም ኔሩ። እቲ ምድርራብ ገዲፍና ኣብቶም ዓበይቲ ጉዳያት ወራር፣ ስለያ፣ ሽበራን ሽርሕን፣ ኣጽዋር ምኽዛን ዝብሉ ብመነጽር መሰጋገሪ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ንርኣዮ፡-

መሰጋገሪ ገበናዊ ሕጊ ዓንቀጽ 252 (1) (ሀ) ብናይ ኩናት ኣጽዋር ጌርካ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ሰበ ስልጣናትን ሽበራ ክትፈጥር ምድላይ ክሳብ 15 ዓመት ክበጽሕ ዝኽእል ጽኑዕ ማእሰርቲ የቕጽዕ።

መሰጋገሪ ገበናዊ ሕጊ ዓንቀጽ 254 ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ምልዕዓል ንምፍጣር ናይ ገበን ሽርሐኛታት፣ ናይ ኩናት ኣጽዋርን ጠያይትን ወይ ስንቅን ገንዘብን ዘዳለወን ናብ መሬት ኤርትራ ዘእተወ ወይ ነዚ ዝመሳሰል ገዚፍ ዝኾነ ኣጽዋር ዝኣከበ፣ ክሳብ 15 ዓመት ዝበጽሕ ጽኑዕ ማእሰርቲ የቕጽዕ።

መሰጋገሪ ገበናዊ ሕጊ ዓንቀጽ 265 (1) (ሀ) ዝኾነ ሰብ ንናይ ወጻኢ ሃገር መንግስቲ ወይ ትካል ጠቅሚ ክብል ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ኮነ ትካላት ህዝብን ዜጋታትን ጉድኣት ንምብጻሕ ናይ ፖለቲካ፣ ዲፕሎማሲ፣ ውትህድርና ወይ ቁጠባዊ ስለያ ዘካየደ ክሳብ 10 ዓመት ዝብጽሕ ጽኑዕ ማእሰርቲ የቕጽዕ።

ከማ ኣበሃህላ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እንተኾይኑ፣ ኩሎም እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቂሶም ዘለው ናይ ሕጊ ዓናቕጽ ተጣሒሶም እዮም። እቲ ሕጊ ዝህቦ መቅጻዕቲ ርኢናዮ ኣለና። ካብ መጀመርታ ግን ሓጋጊ ኣካል ነዚ ሕጊ’ዚ ክድንግግ ከሎ ናጽነት ፍርዳዊ ኣካልን ሙሉእ ናይ ምክልኻል መሰል ተኽሳሲ ብምሕላው ብዘየጠራጥር መርትዖ ተኸሳሲ ነቲ ዝተኸሰሰሉ ጉዳይ ከም ዝፈጸሞ ምስ ዝረጋገጽ እዩ ገበናዊ ሓላፍነት ብምሃብ መቕጻዕቲ ዝብይን።

እቲ ብትካል PVI ብብረት ዝተሰነየ ወራር ኣብ ልዑላዊ መሬትና ተፈጺሙ ዝበሉዎ ግን፣ ባዕዳዊ ወራርን ምክልኻል ልዑላውነትን ዝጠንቑ ኩናት ስለዝኾነ ናይ ወራርን ተወራርን ድንነት ብኣህጉራዊ ሕግን ውዕላትን ንኽረእ ምስ መስደመም ድራምኡ ንግደፎ።

PVI ንኣህጉራዊ መራክብ ዝከላኸል ትካል እዩ። ካብ ተጻብኦታት ንክከላኸል ብሕጊ ዝቆመ ትካል በየናይ ኣገባብን ኣበይ ቦታን ነዘን ኣህጉራውያን መራክብ ይከታተለን ብዙሕ መግለጺ ዘየድልዮ ንጹር ነገር እዩ። ብረት ዝዓጠቁ ተጻባእቲ ብብረት ኢኻ ትከላኸሎም። ከምኡ ክትገብር ከኣ ኣብቲ ንሶም ሓደጋ ዝፍጽሙሉ ከባቢ ክትዝንብይ ባህርያዊ እዩ።

ኣብ ልዕሊ መንግስትን ሰበ ስልጣንን ብናይ ብረት ኣጽዋር ሽበራ ክትፈጥር ምድላይ ስጋብ 15 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ክትቕጻዕ ወይ በዚ ገበናዊ ክትበሃል እንተኮንካ እቲ ድልየት ብመርትዖ ከረጋገጽ ኣለዎ። እቲ መርትዖ ቃል እምነት እንተኮይኑ፣ እቲ ቃል እምነት ናይ ተኸሳሲ ብመሰጋገሪ ገበናዊ ስርዓት ዓንቀጽ 35 መስርሒ ድንነት ቅድሚ ምጅማሩ ተኸሳሲ ኣብዝኾነ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ቃሉ ብናቱ ነጻ ድልየት ምስዝህብን ተነቢብሉ ምስዝፍርመሉን ጥራሕ እዩ ከም ብቑዕ መርትዖ ዝውሰድ። ስለዚ እቲ ብጉድለቶም ኣሚኖም ይቕሬታ ሓቲቶም ዝበሃል ብመነጽር ሕጊ ተቐባልነት የብሉን።

ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ምልዕዓል ንምፍጣር፣ ናይ ገበን ሽርሕኛታት፣ ናይ ኩናት ኣጽዋርን ጠያይትን ዘዳለወን ናብ መሬት ኤርትራ ዘእተውን መሰጋገሪ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ዓንቀጽ 254 ክሳብ 15 ዓመት ዝበጽሕ ማዕሰርቲ ክቐጽዕ ከሎ ሱቅ ኢሉ ብዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ወይ ብህንጡይነትን ናይ ውልቀ ሰባ ድልየትን ኣይኮነን። ኣባላት ትካል PVI ገበነኛታትን ሽርሕኛታትን ዘይኮኑ፣ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎም፣ ንኣህጉራውያን መራክብ ካብ ገበርቲ ሽበራን ሽርሕኛታትን ዝከላኸሉ እዮም። ኣጽዋርን ዝተራቐቐ መሳርሕን ክዓጥቁ ባህሪ ናይቲ ስርሖምን ሞይኦምን እዩ ዝድርኾም። ኣብ ደሴት ኤርትራ ስለዝኣተው ጥራሕ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ምልዕዓል ክፈጥሩ ሓሲቦም ወይ ይዳለው ኔሮም ክበሃል ኣይከኣልን። እዚ ጉዳይ ጭብጥታትካ ኣቕሪብካ ትራትዓሉ እንበር ሓደ ወገን ነቲ ካልእ ባዕሉ ገበናዊ ሓላፍነት ዘሰክመሉ ኣይኮነን።

ንስለያ ዝምልከት ጉዳይ መሰጋገሪ ገበናዊ ዓንቀጽ 265 (1) (ሀ) ገበነኛ ክትበሃል እንተኮንካ ንናይ ወጻኢ ሃገር ትካል ረብሓ ክትብል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ኮነ ትካላቱ ጉድኣት ንምብጻሕ ናይ ፖሊቲካ፣ ቁጠባ፣ ዲፕሎማሲን ወትሃደራዊ ስለያ ምስተካይድ ኢኻ ክሳብ 10 ዓመት ዝበጽሕ ጽኑዕ ማእሰርቲ ክትቅጻዕ ትኽእል። እዚ’ውን ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ንናይ ደገ ረብሓ ኣብውሽጢ ሃገር ስለያዊ ንጥፈት ከተካይድ ምጽናሕካ ኣብ ክፉት መጋባእያ ብመርትዖ ዝተሰነየ ዘየጠራጥር መረዳእታ እንተቐሪቡልካ ድኣምበር ብይኸውን ዝወሃብ ናይ ኣጉል ውሳነ ኣይኮነን። ብቐንዱ ከኣ እዞም ኣባላት ትካል PVI ንውሕስነት እተን ዝከላኸሉለን ኣህጉራውያን መራክብ ዝንቀሳቀሳሉ ኮለላን ሓለዋን ከካይዱ ከምዝኽእሉ መን ዘይግምቶ።

ቴሌቪጅን ሬድዮን ጋዜጣታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ነዊሕ ድርሳን ዘቃልሓሉን ዝጸሓፋሉን ጉዳይ ጌና ካልእ ብዙሕ ነገር ዝተረፈ ከምዘሎን ምስተጻፈፈ ክሕብራ ምዃነንን እየን ገሊጸን ኔረን። ሕጂ ኣይኮነን ዝተረፈ ካልእ ጉድ ከቓልዓ፣ ብነጻ ከምተለቁ’ ውን ኣይገለጻን። ምኽንያቱ፣ እቲ ዝሓበርኩምናስ ኣብ ምንታይ በጽሐ ኢሉ ዝሓትት ስለዘየልቦ ከም ልሙድ ኣመሎም ጌሮም ወሲዶሞ እዮም።

ካብ መጀመርትኡ’ ውን መንግስቲ እንግሊዝ ዝተኣስሩ ዜጋታቱ ሕጋዊ መሰሎም ተሓልዩ ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ምስ ጠበቓታቶም ክማኸሩን ዕድል ክወሃቦም እዩ ኣጥቢቑ ሓቲቱ’ ምበር፣ ኣብ ክንድኦም ኮይኑ ኣብቲ ቀንዲ ነገር ኣትዩ ኣይተዛረበን። ምኽንያቱ ስርሖም ምስ ናይ መንግስቲ ጉዳይ ስለዘይተኣሳሰርን ናይ ገበን ጉዳይ ንተኸሳሲ ጥራይ ስለዝምልከት። ሕጂ ንመንግስት እንግሊዝ ንምሕጓስ ወይ ንዑዑ ብምፍራሕ ብዘምስል ዕምሉግሉግ ዝዓይነቱ ብኣማላድነት ሃገረ ቐጠር፣ ሕጊ ብዘይምኽታሎምን ጭብጥታት ብዘይምሓዞምን፣ ክመጾም ዝኽእል ሳዕቤን ስለዝተገንዘቡን፣ ድሮ ዲፕሎማስያዊ ስጉምቲ ክውሰደሎም ስለዝተጀመረ፣ ዝወሉዑዎ ሃልሃልታ ንምቕሓም ብጭሉቕ ዝለቐቕዎም።

በቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝበሉዎ እንተኸድና’ ውን ኣብ እዋኑ ሕጋዊ መስርሕ ስለዘይተኸተሉ’ ምበር ዓቢ በደልን ሽርሕን እዩ ተዋዲዱ ኔሩን ተፈጺሙን እነቴልና፣ ቀጺሉ ዝመጽእ ሕቶ ከመይ ድኣ ወደይ እዚ ስርዓት’ ዚ ክሳብ ክንድዚ ይቅረ በሃሊ ካብ ኮነ፣ ነቶም ናይ ምዝራብ መሰሎም ዝተግሃሱ ሞያውያን ጋዜጠኛታት፣ ናይ እምነቶም ናጽነት ዝተነፍጉ ሃይማኖተኛታት፣ ህዝቦም ዘሰከሞም ሓላፍነት ተጠቒሞም ንትግባረ ቅዋም ዝሓተቱ ኣባላት ባይቶን ሚኒስተራትን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ካልኦት የስጉእኒ እዮም ኢሉ ዝግምቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ንጹሃት ዜጋታት ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ማሕቡስ የማስኖም ኣሎ። ምሕረት’ሲ ወረ ይትረፎም ዝፈጸምዎ ገበን እንተልዩ፣ ሕጊ ዝህቦም መሰል ተጠቒሞም ናብ ቤት ፍርዲ ቐሪቦም፣ ኣበሳ እንተልይዎም ዘይቅጽዑ። እንግሊዛውያን ኣባላት ትካል PVI ኣትሪሩ ዝጣበቐሎምን ዝሓተሎምን ሃገር ስለዘለዎም፣ ብዝተኸሱሉ ከቢድ ገበን፣ ይውዓሉዎ ኣይውዓሉዎ ኣብ ሕጊ ከይቀረቡ ኣብ ሽድሽተ ወርሖም ብነጻ ተለቒቖም። ኤርትራውያን ዜጋታት ግን፣ ዝሓተሎምን ዝጣበቐሎምን ስለዘይረኸቡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህይወቶም ይሓልፍን ንቡር ስርዓተ ቀብርን ሓዘንን ተነፊግዎም ንከተዘንትዎ ዝቐፍፍ ግፍዒ ኣብ ልዕሊኦም ይፍጸም ኣሎ።

ናይ ገዛእ ህዝቡን ሃገሩን ሕጊ ዝጠሓሰ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ፣ ብዛዕባ ሕግን ሕጋውነትን፣ ሃገርን ልዑላውነትን፣ ምሕረትን ሓጥያትን፣ ፍትሕን ሽርሕን፣ ዓቅልን ትዕግስትን፣ ሓልዮትን ልውሃትን ክምድርን ክመጻደቕን ኣይክእልን እዩ። በቲ ኮይኑ በቲ ሕልና ዘለዎ ሰብ ምሕረት ኣይጸልእን እዩ። ምሕረት ዘይፈልጡ ክምሕሩ ከለው ግን የደንቕ እዩ። ምሕረት ክለምዱ ዝብል ትጽቢት እኳ እንተዘይብልና፣ መሓሪ ዝኾነ ምሕረት ከውርደሎም ግን ልባዊ ድሌትና እዩ። እንተ በዚ ጉዳይ’ ዚ ግን ምሒርና ክብሉ ኣየምሕረሎምን እዩ።

ልዕልና ሕጊ ይንገስ!

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት – ኤርትራ

ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ

14 ሰነ 2011