ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ውረድ ይኣኽለካ!

ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ፣ ላዕላዋይ ኣዛዚ ሰራዊት፣ ኣቦ ወንበር ህ.ግ.ደ.ፍ፣ቻንስለር ዩኒበርሲቲ ኣስመራ ነበር፣ ኣቦ ወንበር ሃገራዊ ባይቶ ነበር፣ ሃየ በል ጊዜ ኣኺሉ ነጋሪት ህዝቢ ይሃምም ኣሎ። ጭራኻ ደጉልካ፡ ዲኖ ህበይ ተኸዲንካ ተኣለ። “ውረድ ዘይበቕልኻ ልቐቅ ዘይርስትኻ” እዋን ከም ቀደም ኣይኮነን። ዓለምና ጸቢባ ከምዝከማኻ ብገበን ዝሕተቱ ክሕብኡሉ ዝኽእሉ በዓቲ ዘይርከበሉ መዋእል ስለዝበጻሕና፡ ዕድል ኣይገበርካን። ኣብ ናይ ገበን መጋባያ ክትቀርብን ኣበሳኻ ሓደ ብሓደ ክንገረካን ጻማ ግብርኻ ክወሃበካ እዩ’ሞ ህይወትካ ንድሕሪት ተመሊሽካ ፈትሻ።


ኣቶ ኢሳይያስ ኣብ 1995 ስልጣን ንህዝቢ ኣረኪብካ ፖለቲካ ይኣኽለኒ ኢልካ ኢድካን እግርኻንኣኪብካ ሰላማዊ ናብራኻ እንተትመርሕ ህዝብና ብመስዋእቲ ደቁ ዝመጸ ናጽነት ስለዝተደበሰ ንቅድሚኡ ዝነበረ ሽርሕታትካ ኣይምተጸባጸበካን።ኣብ ልዕሌኻ ዝነበረ ልባዊ ኣኽብሮት ባዕልኻ እትዝክሮ ተመሊስካ ዘይርከብ ወርቃዊ ዕድል እዩ ኣምሊጥካ። እንተኾነ ናይ ስልጣን ስስዕ፣ተንኮል፣ትምክሕቲ፣ህልኽ ዝኣመሰሉ ሓደገኛታት ጠባይ ሒዝካ ንጽቡቕ ክትብገስ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ሎሚ ምስ ጊዜ እቲ ሓቀኛ መንነትካ ንመላእ ህዝቢ ተኾሊዕሉ እዩ። ንክፋእን ተንኮልን ዝምህዝሓንጎል እዩ ዘለካ እንበር ንዝሰርሑ ዘተባብዕን ጽቡቕ ዝደልይ ርእስስ ኣይተዓደልካን። ኣብ ሕሉፍ ብረታዊ ቃልሲ እጃምካ ዕንቅፋትእንበር ቅንጣብ ንጽህና ከምዘይነበረካ እቶም ግዳያት ናይት ስሱዕ ስልጣንካ ዝኾኑ ሰማእታት ደቂ ሃገር እኹላት መርትዖ እዮም። ብኣወንታዝሓስብ ርእሲ ከምዘይብልካ እቲ ቃልሲ ብሓንጎል እቶም ብስም ጉጅለ-15 ኣማህሚምካዮም ዘለኻ ላዕለዎት ኣካል መሪሕነት ዝነበሩ ይምራሕንይእለን ምንባሩ ሕጂ ንሶም ኣብዘይብሉ ብተርእዮ ዘለኻ ናይ ዕብዳን ምሕደራ ክንጸር ክኢሉ።

ንስኻ ውልቀ-መላኺ ብሕጊ ዘይትግዛእ፣ መደብ ዕዮ ዘይብልካ፣ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ዘይተፍቅድ፣ንኹሉ ስልጣን ቢኢደዋኒንካ ገቢትካ ሒዝካ ኣብ ድላይካ ጊዜን ቦታን ንመላእ ሃብቲ ሃገር ናብ ድላይካ ትዘርዎን ንዝደለኻየን ዕጥቃዊምንቅስቃስ ዘካይዳ ውድባትን ጉጅለታትን ትዕድሎ። ንዓያይ ጉልበት መንእሰያትና፡ ኣብ ብስም ኮሌጅ ዝፍለጣ መዓስከራት ዳጉንካ ባህልናንስነ ምግባርናን ብምብራዝ ግዙኣት ናይ ወልፊ፣ ዘረውቲ፣ ተጸበይቲ ናይ ደገን ተስፋ ቆረጽትን ከምዝኾኑ ጌርካ።

ውረድ ይኣኽለካ!

ህልኸኛ ጠባይካ ዘምጽኦ ሰበብ ምስሊ ሃገርና ተደዊኑ። ሻራን ኣንቆራን እንዳፈላለኻ ሓድሕዳዊምትእምማን ህዝብና ተፈታቲንካዮ። ባዕልኻ ናይ ኩሉ ነገር ገባርን ሓዳግን ተሓታትነት ናይ ኩሉ ብቐዳምነት ንዓኻ ይምልከት። እስከናይ ቀደም ገዲፍና ናይ ድሕሪ ናጽነት ድፈጸምካዮ ኩሉ ዝፈልጦ፡ ክሕባእ ዘይክእል ደገ ዝወጸ ገበናትካ ዘክሮ፡-

  • እቶምኣብ 1993 ድሮ ረፈረንደም ኣብ ዓዲ ዃላ፣ ከረን፣ ባረንቱ ናይ ደርጊ መሳርሒ ተባሂሎም ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣሽሓት ሰባት ናብ ቤትፍርዲ ከየቕረብካ፣ ኣብ ኣጻምእን ጽምዋ በረኻታትን ተወሲዶም ከምዝርሸኑ፡ ኣብ ጋህስታት ከምዝድፈኑ ዝገበርካ፡ ነቲ ገና ዘይተነግረእከይ ምስጢርካ ንምኽዋል ምዃኑ እንዳሓደረ ዝበርህ ዘሎ ሓቂ ተምልጠሉ’ ዶ ይመስለካ?

ውረድ ይኣኽለካ!

  • ጉዳይናይ ኩናት ስንኩላን ማይ ሓባር መሰሎም ንምሕታት ሰላማዊ ሰልፊ ስለዝገበሩ ብኣድራጋ ጠያይት ዝተረሽረሹ ጻማ ዝተጋደሉዎ ዝተኸፍሎምዋጋ ድዩ? ከም ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት መጠን ካባኻ ሓሊፍ መን ይሕተት? ዘይምልከተካ ኔሩ እንተዝኸውንስ ካልእ ይትረፍ ድሌትካዘተግብሩ ኮሚቴ መዚዝካ ጦርጦስ መስፈርካዮም።

ውረድይኣኽለካ!

  • ኣብ1995 ዓ.ም ብመገዲ ሃገራዊ ድሕነት ካብ ከተማታት ኤርትራ ንኣመንቲ ምስልምና ብስም ጀሃድ ብለይቲ ካብ ኣባይቶም ገፊፍካ ኣብዚኣኣተው ዘይበሃሉ ፍጡራት ደቂ ኣዳም ተሸሚሞም ተሪፎም። ናይ’ ዚ ሽፍትነት’ ዚ ሓላፍነት ባዕልኻ ኢኻ ትስከሞ።

ውረድይኣኽለካ!

  • ኣብደሴት ሓኒሽ ዝጠፍእ ህይወትን ዝተኸፍለ ካሕሳን ኣብ ምንቲ ምንታይ ክበሃል ይከኣል? ከምቲ ዳሕራይ ዝተገብረ ሕጋዊ መዕለቢ ቅድሚኡንከይግበር ዝዓግቶ ኔሩ ድዩ? ሃገራዊ ባይቶ ከይፈለጠ ኩናት ምእዋጅ የሕትትን ፈረቓን።

ውረድይኣኽለካ!

  • ኣብዞባ ዓበይቲ ቀላያት ብዓል ኮንጎ ተላኢኾም ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ዘይዓግብ ናይ ስልጣን ሽውሃትካ ንምርዋይ ስለዝኾነዝተረስዕ ድዩ መሲልካ?

ውረድይኣኽለካ!

  • ኣብ1996 ኣብ ከባቢ ስዋኪን ይኹን ዞባ ምብራቕ ከሰላ መሬት ሱዳን ዝተኻየደ ውግእ ህይወቶም ዝሓለፍ ዜጋታትና ጉዳዮም ተላዒሉ ኣይፈልጥን።ሎሚ ግን ጊዚኡ ኣኺሉ እዩ።

ውረድይኣኽለካ!

  • እቲህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቐዘፈ፡ ማእለያ ዘይብሉ ንብረት ዘብረሰ፡ እዚ እዩ ኢልካ ክትጽብጽቦ ዘጸግም ምዝንባል ዝፈጠረ፣ በሰልኡብቐሊል ዘይሓውይ ናይ ዶብ ግጭት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝባንካ እዩ ዘሎ።

ውረድይኣኽለካ!

  • ጉዳይሶማል ንሶማልያውያን ይምልከት። “ጽምብላሊዕ መዓኮራ ዘይከደነት ምድሪ ከደነት” ሽግርና ዘይፈታሕና ኣብ ናይ ካልኦት ጉዳይ ኣቲናጦብሎቕሎቕ ንብለሉን ህይወት ዜጋታትና ንኸፍለሉን ሃብትና ነባኽነሉን እንሕለቐሉን ነገር የለን። እዚ ዕብዳን እዚ ናትካ እዩ።

ውረድይኣኽለካ!

  • ምስጎረቤት ሃገር ጅቡቲ ንኹናት ዝዕድም ጸገም ኣይነበረናን።    ናይ’ ቲ ዝጠፍእ ህይወት ኮነ ንብረትን ዝኽፈል ካሕሳን ተሓታትነት ኣለካ።

ውረድይኣኽለካ!

  • ኣብልዕሊ ደቀባት ብሄረ ዓፋርን ኩናማን ዝወረደ መጭወይትን ጭካነን ብቐሊል ዝስገር ዘይኮነ ምዓልቱ ክጽበ ዝጸንሐ ጉዳይ እዩ።

ውረድይኣኽለካ!

  • እቲማእለያ ዘይብሉ ገንዘብን ሓንጎልን ዝፈሰሶ፡ ሕዝብና ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ዝነበረ ሃገራዊ ቅዋምና እንታይ ውሓጦ? እዚ ስለዝተኣገደግዳይ ድሌትካ ኮይና ኣብ ዓዲ ኣቤቶ መንእሰያትና ብጠያይት ሓሊቖም፣ ጋዜጣታት ብሕቲ ተኽልኪለን፣ ኣባላተን ንሕልፈት ተኣሲሮም፣ብሕጊዝተቓወሙ ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲ ብኣረሜናዊ ኣተሓሕዛ ኣብ ማሕቡስ ህይወቶም ይሓልፍ ኣሎ።

ውረድይኣኽለካ!

  • ከይንዛረብብኣፍና ሎጊምካ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ከይንሳተፍ ከም ገበን ኣጊድካ፣ እቲ እንኮ ዩኒበርሲቲ ኣስመራ ዓጺኻ፣ ናይ ትምህርቲ መሰልሰሪዝካ፣ ንምሁራን ወጊዝካ፣ ንመራህቲ ሃይማኖት ብምእሳር ናይ እምነት ናጽነትና ግሂስካ፣ከይንሰርሕን ከይንንግድን ከልኪልካ፣ ባዕልኻሓጋጊ፣ ፈጻሚ፣ ፈራዲ ብምዃን ብናይ ዱር ሕጊ ክትገዝኣና እዋኑ ስለዘይኮነ ክንፋለመካ ኢና። ሳዕቤን ናይ ዝመጽእ ጉድኣት ኣብ እንግዳዕካ።

ውረድይኣኽለካ!

ኢሳይያስ ኤርትራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ እንበር ናይ ውልቅኻ ንብረት ኣይኮነትን። ንስኻ ከምድሌትካክትገብራ ምንም መሰል የብልካን። መንእሰያት ኤርትራ ገላዩኻ ኣይኮኑን። ሰብኣዊ መሰሎም ተገፊፍ ንቃሕታኻን ዊንታኻን ከተግብሩ ዝኽርትቱንኣብ ውዕይን ዝሑልን ዝጥበሱ። ስለዚ፡ በቃ! ይኣክል! ዓቅልና ተጸንቂቑ እዩ። ህዝብና ኣብ ልዕሌኻ ዘለዎ ጽልኢ ርኣዮ ገንፊሉ!

ውረድ ይኣኽለካ!

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት – ኤርትራ

ለንደን

ዓዲ እንግሊዝ

26 ለካቲት 2011