ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ስምዓዮ ነቲ ዝህረም ዘሎ ነጋሪት

ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ፣ ላዕላዋይ ኣዛዚ ሰራዊት፣ ኣቦ ወንበር ህ.ግ.ደ.ፍ፣ቻንስለር ዩኒበርሲቲ ኣስመራ ነበር፣ ኣቦ ወንበር ሃገራዊ ባይቶ ነበር፣ ሃየ በል ጊዜ ኣኺሉ ነጋሪት ህዝቢ ይሃምም ኣሎ። ጭራኻ ደጉልካ፡ ዲኖ ህበይ ተኸዲንካ ተኣለ። “ውረድ ዘይበቕልኻ ልቐቅ ዘይርስትኻ” እዋን ከም ቀደም ኣይኮነን። ዓለምና ጸቢባ ከምዝከማኻ ብገበን ዝሕተቱ ክሕብኡሉ ዝኽእሉ በዓቲ ዘይርከበሉ መዋእል ስለዝበጻሕና፡ ዕድል ኣይገበርካን። ኣብ ናይ ገበን መጋባያ ክትቀርብን ኣበሳኻ ሓደ ብሓደ ክንገረካን ጻማ ግብርኻ ክወሃበካ እዩ’ሞ ህይወትካ ንድሕሪት ተመሊሽካ ፈትሻ።

ኣቶ ኢሳይያስ ኣብ 1995 ስልጣን ንህዝቢ ኣረኪብካ ፖለቲካ ይኣኽለኒ ኢልካ ኢድካን እግርኻን ኣኪብካ ሰላማዊ ናብራኻ እንተትመርሕ ህዝብና ብመስዋእቲ ደቁ ዝመጸ ናጽነት ስለዝተደበሰ ንቅድሚኡ ዝነበረ ሽርሕታትካ ኣይምተጸባጸበካን። ኣብ ልዕሌኻ ዝነበረ ልባዊ ኣኽብሮት ባዕልኻ እትዝክሮ ተመሊስካ ዘይርከብ ወርቃዊ ዕድል እዩ ኣምሊጥካ። እንተኾነ ናይ ስልጣን ስስዕ፣ ተንኮል፣ትምክሕቲ፣ህልኽ ዝኣመሰሉ ሓደገኛታት ጠባይ ሒዝካ ንጽቡቕ ክትብገስ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ሎሚ ምስጊዜ እቲ ሓቀኛ መንነትካ ንመላእ ህዝቢ ተኾሊዕሉ እዩ። ንክፋእን ተንኮልን ዝምህዝ ሓንጎል እዩ ዘለካ እንበር ንዝሰርሑ ዘተባብዕን ጽቡቕ ዝደልይ ርእስስ ኣይተዓደልካን። ኣብ ሕሉፍ ብረታዊ ቃልሲ እጃምካ ዕንቅፋት እንበር ቅንጣብ ንጽህና ከምዘይነበረካ እቶም ግዳያት ናይት ስሱዕ ስልጣንካ ዝኾኑ ሰማእታት ደቂ ሃገር እኹላት መርትዖ እዮም። ብኣወንታ ዝሓስብ ርእሲ ከምዘይብልካ እቲ ቃልሲ ብሓንጎል እቶም ብስም ጉጅለ-15 ኣማህሚምካዮም ዘለኻ ላዕለዎት ኣካል መሪሕነት ዝነበሩ ይምራሕን ይእለን ምንባሩ ሕጂ ንሶም ኣብዘይብሉ ብተርእዮ ዘለኻ ናይ ዕብዳን ምሕደራ ክንጸር ክኢሉ።

ንስኻ ውልቀ-መላኺ ብሕጊ ዘይትግዛእ፣ መደብ ዕዮ ዘይብልካ፣ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ዘይተፍቅድ ንኹሉ ስልጣን ቢኢደዋኒንካ ገቢትካ ሒዝካ ኣብ ድላይካ ጊዜን ቦታን ንመላእ ሃብቲ ሃገር ናብ ድላይካ ትዘርዎን ንዝደለኻየን ዕጥቃዊ ምንቅስቃስ ዘካይዳ ውድባትን ጉጅለታትን ትዕድሎ። ንዓያይ ጉልበት መንእሰያትና፡ ኣብ ብስም ኮሌጅ ዝፍለጣ መዓስከራት ዳጉንካ ባህልናን ስነ ምግባርናን ብምብራዝ ግዙኣት ናይ ወልፊ፣ ዘረውቲ፣ ተጸበይቲ ናይ ደገን ተስፋ ቆረጽትን ከምዝኾኑ ጌርካ።

ህልኸኛ ጠባይካ ዘምጽኦ ሰበብ ምስሊ ሃገርና ተደዊኑ። ሻራን ኣንቆራን እንዳፈላለኻ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ህዝብና ተፈታቲንካዮ። ባዕልኻ ናይ ኩሉ ነገር ገባርን ሓዳግን ተሓታትነት ናይ ኩሉ ብቐዳምነት ንዓኻ ይምልከት። እስከ ናይ ቀደም ገዲፍና ናይ ድሕሪ ናጽነት ጽፈጸምካዮ ኩሉ ዝፈልጦ፡ ክሕባእ ዘይክእል ደገ ዝወጸ ገበናትካ ዘክሮ፡-

• እቶም ኣብ 1993 ድሮ ረፈረንደም ኣብ ዓዲ ዃላ፣ ከረን፣ ባረንቱ ናይ ደርጊ መሳርሒ ተባሂሎም ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣሽሓት ሰባት ናብ ቤት ፍርዲ ከየቕረብካ ኣብ ኣጻምእን ጽምዋ በረኻታትን ተወሲዶም ከምዝርሸኑ፡ ኣብ ጋህስታት ከምዝድፈኑ ዝገበርካ፡ ነቲ ገና ዘይተነግረ እከይ ምስጢርካ ንምኽዋል ምዃኑ እንዳሓደረ ዝበርህ ዘሎ ሓቂ ተምልጠሉ’ ዶ ይመስለካ?
• ጉዳይ ናይ ኩናት ስንኩላን ማይ ሓባር መሰሎም ንምሕታት ሰላማዊ ሰልፊ ስለዝገበሩ ብኣድራጋ ጠያይት ዝተረሽረሹ ጻማ ዝተጋደሉዎ ዝተኸፍሎም ዋጋ ድዩ? ከም ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት መጠን ካባኻ ሓሊፍ መን ይሕተት? ዘይምልከተካ ኔሩ እንተዝኸውንስ ካልእ ይትረፍ ድሌትካ ዘተግብሩ ኮሚቴ መዚዝካ ጦርጦስ መስፈርካዮም።
• ኣብ 1995 ዓ.ም ብመገዲ ሃገራዊ ድሕነት ካብ ከተማታት ኤርትራ ንኣመንቲ ምስልምና ብስም ጀሃድ ብለይቲ ካብ ኣባይቶም ገፊፍካ ኣብዚኣ ኣተው ዘይበሃሉ ፍጡራት ደቂ ኣዳም ተሸሚሞም ተሪፎም። ናይ’ ዚ ሽፍትነት’ ዚ ሓላፍነት ባዕልኻ ኢኻ ትስከሞ።
• ኣብ ደሴት ሓኒሽ ዝጠፍእ ህይወትን ዝተኸፍለ ካሕሳን ኣብ ምንቲ ምንታይ ክበሃል ይከኣል? ከምቲ ዳሕራይ ዝተገብረ ሕጋዊ መዕለቢ ቅድሚኡ ንከይግበር ዝዓግቶ ኔሩ ድዩ? ሃገራዊ ባይቶ ከይፈለጠ ኩናት ምእዋጅ የሕትትን ፈረቓን።
• ኣብ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ብዓል ኮንጎ ተላኢኾም ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ዘይዓግብ ናይ ስልጣን ሽውሃትካ ንምርዋይ ስለዝኾነ ዝተረስዕ ድዩ መሲልካ?
• ኣብ 1996 ኣብ ከባቢ ስዋኪን ይኹን ዞባ ምብራቕ ከሰላ መሬት ሱዳን ዝተኻየደ ውግእ ህይወቶም ዝሓለፍ ዜጋታትና ጉዳዮም ተላዒሉ ኣይፈልጥን። ሎሚ ግን ጊዚኡ ኣኺሉ እዩ።
• እቲ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቐዘፈ፡ ማእለያ ዘይብሉ ንብረት ዘብረሰ፡ እዚ እዩ ኢልካ ክትጽብጽቦ ዘጸግም ምዝንባል ዝፈጠረ፣ በሰልኡ ብቐሊል ዘይሓውይ ናይ ዶብ ግጭት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝባንካ እዩ ዘሎ።
• ጉዳይ ሶማል ንሶማልያውያን ይምልከት። “ጽምብላሊዕ መዓኮራ ዘይከደነት ምድሪ ከደነት” ሽግርና ዘይፈታሕና ኣብ ናይ ካልኦት ጉዳይ ኣቲና ጦብሎቕሎቕ ንብለሉን ህይወት ዜጋታትና ንኸፍለሉን ሃብትና ነባኽነሉን እንሕለቐሉን ነገር የለን። እዚ ዕብዳን እዚ ናትካ እዩ።
• ምስ ጎረቤት ሃገር ጅቡቲ ንኹናት ዝዕድም ጸገም ኣይነበረናን። ናይ’ ቲ ዝጠፍእ ህይወት ኮነ ንብረትን ዝኽፈል ካሕሳን ተሓታትነት ኣለካ።
• ኣብ ልዕሊ ደቀባት ብሄረ ዓፋርን ኩናማን ዝወረደ መጭወይትን ጭካነን ብቐሊል ዝስገር ዘይኮነ ምዓልቱ ክጽበ ዝጸንሐ ጉዳይ እዩ።
• እቲ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብን ሓንጎልን ዝፈሰሶ፡ ሕዝብና ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ዝነበረ ሃገራዊ ቅዋምና እንታይ ውሓጦ? እዚ ስለዝተኣገደ ግዳይ ድሌትካ ኮይና ኣብ ዓዲ ኣቤቶ መንእሰያትና ብጠያይት ሓሊቖም፣ ጋዜጣታት ብሕቲ ተኽልኪለን፣ ኣባላተን ንሕልፈት ተኣሲሮም፣ብሕጊ ዝተቓወሙ ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲ ብኣረሜናዊ ኣተሓሕዛ ኣብ ማሕቡስ ህይወቶም ይሓልፍ ኣሎ።
• ከይንዛረብ ብኣፍና ሎጊምካ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ከይንሳተፍ ከም ገበን ኣጊድካ፣ እቲ እንኮ ዩኒበርሲቲ ኣስመራ ዓጺኻ፣ ናይ ትምህርቲ መሰል ሰሪዝካ፣ ንምሁራን ወጊዝካ፣ ንመራህቲ ሃይማኖት ብምእሳር ናይ እምነት ናጽነትና ግሂስካ፣ከይንሰርሕን ከይንንግድን ከልኪልካ፣ ባዕልኻ ሓጋጊ፣ ፈጻሚ፣ ፈራዲ ብምዃን ብናይ ዱር ሕጊ ክትገዝኣና እዋኑ ስለዘይኮነ ክንፋለመካ ኢና። ሳዕቤን ናይ ዝመጽእ ጉድኣት ኣብ እንግዳዕካ።

ኢሳይያስ ኤርትራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ እንበር ናይ ውልቅኻ ንብረት ኣይኮነትን። ንስኻ ከምድሌትካ ክትገብራ ምንም መሰል የብልካን። መንእሰያት ኤርትራ ገላዩኻ ኣይኮኑን። ሰብኣዊ መሰሎም ተገፊፍ ንቃሕታኻን ዊንታኻን ከተግብሩ ዝኽርትቱን ኣብ ውዕይን ዝሑልን ዝጥበሱ። ስለዚ፡ በቃ! ይኣክል! ዓቅልና ተጸንቂቑ እዩ። ህዝብና ኣብ ልዕሌኻ ዘለዎ ጽልኢ ርኣዮ ገንፊሉ!
ውረድ ይኣኽለካ!

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት – ኤርትራ
ለንደን
ዓዲ እንግሊዝ
26 ለካቲት 2011