ቴድሮስ ገረዝጊሄር (ትሪባ)

ኢሳያስ ካብ ዝሞቖሖም ጀጋኑ ሓደ
ቴድሮስ ገረዝጊሄር (ትሪባ)

ቴድሮስ ኣብዛ ተወሊዱ ዝዓበየላን፡ ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ዝተጋደለላን ኣስመራ፡ በዚ ባርባራዊ ዝኾነ መንግስቲ ኢሳያስ ካብ ዝእሰር ነዊሕ ኰይኑ እዩ። ኣብቲ ብዙሓት ጀጋኑ ውሒጡ ዘሎ ካርሸሊ ተኣሲሩ ከምዘሎ ከኣ ይፍለጥ። ብሕማም ሽኮር ይሳቐ ምህላው’ውን ዝመጽእ ሓበሬታ ኣሎ። ኣብ ካርሸሊ ዝኣቱ እምበር፡ ዝወጽእ የለን። ገባራይ ኰነ ተጋዳላይ ኲሉ እናተደፍአ ናብ መቑሕ እዩ ዝኣቱ ዘሎ። እዚ ኹሉ’ዚ ከኣ እታ ዘይተዓደለት ሃገር መመሊሳ ንጥፍኣት ኣቢላ ትጐዓዝ ምህላዋ ዘመልክት እዩ። እቲ መንግስቲ ካብ ጌግኡ ክመሃር ስለዘይደሊ ግና፡ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዝመልአ ፈቐዶ በረኻ ኣብ ጐዳጉድ ሰብ ይኣስር ከምዘሎ’ዩ ዝፍለጥ።

ኣብ ቴድሮስ ክንምለስ። ቴድሮስ ጭቃን ሓመድን እምባጋሊያኖ እናቘምጥዐ ዝዓበየ ወዲ-ኣስመራ እዩ። ኣቡኡ ኣቦይ ገርዝጊሄር ኣዲኡ ኸኣ ኣደይ ኣለማሽ ይበሃላ። እዞም ወለዲ እዚኦም ግና ኣብ ግዜ ናጽነት ዕልል ኢሎም ወዶም ክቕበሉ ኣይክኣሉን። ምስ ናፍቖቶም እዮም ዓዲ ሞት ከይዶም ጸኒሖም። ክስለፍ ከሎ ኣብ 1975 ካብ ኣዲስ-ኣበባ ዩኒቨርሲቲ እዩ ትምህርቱ ኣቛሪጹ ተሰሊፍ። ኣብ ብዙሕ ጽፍሕታት ተመዲቡ’ውን ካብኡ ዝሕተት ዘበለ ኲሉ ፈጺሙ። ብፍሉይ ዝዝከር ኣብ 1977-78 ኣብ ብርጌድ 44 ኣብ ስለያ ሰሪሑ። ኣብ 80ታት ከኣ ናብ እንዳ 72 ተቐይሩ። ኣብ ሜዳ ዝፈልጥዎ ኲሎም መጋድልቱ ድማ፡ ንሓላፍነት ዝበቅዕ ሰብ ከምዝነበረ ይምስክሩሉ።

ብድሕሪ ናጽነት ኣብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ተመዲቡ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ሃገራዊ ድሕነት ተቐይሩ። ብድሕሪ’ዚ ከኣ ደረጃ ትምህርቱን ተሞክሮኡን ኣብ ግምት ኣትዩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኬንያን ጅቡቲን ዝርከቡ ኤምባሲታት ኤርትራ ተመዲቡ ዘገለገለ ምኩር ናይ ስራሕ ሰብ እዩ። ምስ ጅቡቲ ዝነበረ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ምስተበላሸወ ከኣ፡ ናብ ኣስመራ ተሳሂቡ ሓላፊ ጸጥታ ማዕርፎ ነፈረቲ ኮይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ።

ኣብ 2001 ግን ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ዝዀነ ኤርትራዊ ክጻወሮ ዘይክእል ኣሉታዊ ምዕባሌ ተራእዩ። እዚ ፍጻሜ’ዚ ንመጻኢ ዕድል ሃገርና ኣጸልሚቱዎ። ቴድሮስ እውን ከም ተጋዳላይ መጠን በቲ ዝተገብረ ዓመጽ ኣይጎሃየን ክበሃል ኣይክኣልን። ጓሂኡ ግን እቲ ዝኽተል ሳዕቤን ኣብ ግምት ብምእታው ደኣምበር፡ ንዕኡ ብውልቂ ዝትንክፎ ነገር ኣይነበረን። እታ ዕድመ ንእስነቱ ዝኸፈለላ ናጽነት፡ ኣብ ሓደጋ ክትወድቕ እናረኣያ ዘይጉህየሉ ምኽንያት ኣይነበረን። ሃገር ከም መንዲል ተዓጺፍ ኣብ ጁባ ሓደ ዲክታቶር ክትኣቱ ኢሉ ኣይኮነን ተጋዲሉ።

መንግስቲ ህግደፍ መኣዝኑ ስሒቱ፡ ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲ ክኣስርን ጋዜጣታት ክዓጹን ምስ ጀመረ ከኣ፡ ተጋደልትን ህዝብን ኣብቲ መንግስቲ ዝጸንሖም እምነት ከንቈልቁል ተራእዩ። ኣሺምባይ ቴድሮስ ኲሉ ዝፈልጥ ለባምን ምሁርን፡ እቲ ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝብና ከይተረፈ፡ እቲ መንግስቲ ዝወሰዶ ግጉይ ስጉምቲ መዓንጣ ከብዱ ክሳብ ዝሓምም ኣጉህዩዎ እዩ። ቴድሮስ ኣብ ዝኾነ ኣኼባ ክርከብ ከሎ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ፖለቲካ ዝግበር ዝነበረ ዕንደራ ስክፍታኡ ከይገለጸ ከይዱ ኣይፈልጥን። መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቐፌታ ክጻወር ስለዘይክኣለ፡ ኣሽምባይዶ ኣፍ ኣውጺኦም ዝነቐፍዎ፡ ይሓምዩኒ እዮም ንዝበሎም እውን ኣብ ቀይዲ እዩ ኣእትዩዎም።

ቴድሮስ ክዛረብ ከሎ ብመንጽር ረብሓ ሃገር እንተዘይኮይኑ፡ ንመንግስቲ ከሐጉስ ወይ ክነቅፍ ብዝብል ሓሳብ ዝብገስ ኣይኰነን። ብዓል ኢሳያስ ግን እቲ ምሳና ዘይደናገጽ ጸላኢና እዩ ስለዝበሉ፡ ቴድሮስ’ውን ከም ኲሉ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብቲ ብዙሓት ዝሳቐዩሉ ዘለው ካርሸሊ ክእሰር ተገዲዱ። እቲ ከም ምኽንያት ዝጥቀስ ሰበብ መእሰሪኡ፡ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ኣብ 2003 ሓደ ኣባል ጸጥታ ንህጹጽ ሕክምና ናብ ኣሜሪካ ክኽይድ ይፍቀዶ።

መውጽኢ ቪዛ ተዋሂብዎ ከኣ፡ ናብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ይመጽእ። እዚ “ቀይሕ” ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ተጋዳላይ ንቴድሮስ ናይ ቀረባ መሳርሕቱ ስለዝነበረ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብሓንሳእ ከዋግዑ የምስዩ። ነፋሪት ትብገሰሉ ሰዓት ምስ ኣኸለ ከኣ፡ መስርሕ ኢምግሬሽን ዝሓቶ ዘበለ ኲሉ ኣማሊኡ “ቀይሕ” ንኣሜሪካ ይኽይድ። ከም ኣጋጣሚ ከኣ “ቀይሕ” ደጋፊ ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ሰበ ስልጣናት (G15) እዩ ስለዝተባህለ፡ ኪዱ ኣሲርኩም ኣምጽኡዎ ዝብል ትእዛዝ ይወሃብ። ቀይሕ ግን ምርቓ ወለዱ ግዲ ጸኒሑዎ፡ ድሮ ከይዱ ስለዝጸንሐ ከርክቡዎ ኣይከኣሉን።

ሃገራዊ ድሕነት ግና ምስ ቴድሮስ ከዕልል ክምዘምሰየ ቀስ ኢሎም ይበጽሑዎ። ስለምንታይ ስቕ ኢልካ ክሓልፍ ገዲፍካዮ ኢሎም’ውን ንቴድሮስ ይሓቱዎ። ንሱ ድማ እቲ ሓዙዎ ዝብል ትእዛዝ ነፋሪት ምስ ነቐለት ስለዝመጸ፡ ኣነ ብሓላፍነት ዝሕተተሉ ዝተፈጸመ ጌጋ የለን ይብል። እቲ ሓቂ ከኣ ከምቲ ቴድሮስ ዝብሎ እዩ። ንሱ ዝሕተተሉ ምኽንያት ኣይነበረን። “ዓንጽ ዓንጾ ንማዕጾ” ከምዝበሃል ስለዝኾነ ግን፡ ኣብ ቀይሕ ዝነበሮም እንጽርጽሮት ኣብ ቴድሮስ ኣውሪዶሞ።

ካብቲ እዋን’ቲ ጀሚሩ ከኣ ቴድሮስ ኣብ ካርሸሊ ተቐይዱ ይርከብ ኣሎ። እታ ሰንኪላ ዝኣተወት ሓፍቱ ብስቓይ ሓዋ ትሳቐ ኣላ። ብዓልቲ ቤቱን ደቁን እውን ምስ ንብዓት ዓይኖም ቀባሕባሕ ይብሉ ኣለው። ቴድሮስ ቀረባ ዓርኪ ጴጥሮስ ሰለሙን እውን እዩ። ዓርኪ ጴጥሮስ፣ ዓርኪ ድሩዕ፣ ዓርኪ ሸሪፎ ምዃን ከኣ፡ በቲ ብጽላሎቱ ዝስምብድ ዘሎ መንግስቲ ገበን እዩ። ወይልኦም ደኣ ኢሳያስን ወገን ኢሳያስን እምበር፡ እቶም ተኣሲሮም ዘለውስ ጨው ኮይኖም ስለዘይሓቁ ክወጹ እዮም። እቲ መስፈር ግፍዒ መሊኡ፡ እቲ ውድቀት ከኣ በጺሑ እዩ። ንህዝቢ ጅሆ ሒዝካ እነብር ኣሎኹ ማለት ምንባር ኣይኮነን።

ካብ መትዓብይቲ ቴድሮስ
ኣስመራ
17 መስከረም 2007