ብርጋዴር ጀነራል እስቲፋኖስ ስዩም

ብርጋዴር ጀነራል እስቲፋኖስ ስዩም ሓደ ካብቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ኣባላት ባይቶ ኤርትራ እዩ። ብመስከረም 2001 ዓ/ም ምስ ብጾቱ ነቲ ቀይደ-በተኽን ዘይሕጋውን ዝኾነ ኣመራርሓ ፕረዚደንት ኢሳያስ ስለዝተቃወመ፡ ብዘይ ክስን ፍርድን ብዘስካኽክኽ ኩነታት መጀመርታ ኣብ እንባትካላ፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ዒራዒሮ ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ተዳጐነ።

ብወርሒ ሚያዝያ 2004 ዓ/ም እዚ ኣብ ታሕቲ ተጻሒፍ ዘሎ ናይ ብ/ጀ እስቲፋኖስ ስዩም ሓጺር ታሪኽ ህይወት ብመንገዲ ፈነወ ሬድዮ ድምጺ ሓርነት ተቓሊሑ ኔሩ። ኣብዚ እዋን ድማ ነዚ ጽሑፍ ካብ መርበብ ሓበሬታ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ተለቂሕና ኣብዚ መርበብ’ዚ ዘርጊሕናዮ ኣለና።

ብ/ጀ እስቲፋኖስ ስዩም፡ ሓው ንኮረኔል ተስፋልደት ስዩም እዩhttp://cs.asmarino.com/index.php?itemid=526 ። እዞም ክልተ ኣሕዋት ንናጽነት ኤርትራን ድሒሩ’ውን ንህንጸት ኤርትራ ተጋዲሎምን ሰንኪሎምን ክንሶም፡ ኣብቲ ፍረ ቃልሶምን ጻምኦምን ክርእዩሉ ዝግብኦም እዋን ተሞቂሖም።

ህዝቢ ብስርዓተ ኢሳያስ ክዕመጽን ክግፋዕን ሃገር ብዘይ ቅዋምን ስርዓተ- ሕግን ክትመሓደርን ርእዮም ስቅ ስለዘይበሉ፡ ንሳቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይበልዩ ኣለው፡ ስድራቤቶምን ኣንስቶምን ደቆምን ድማ ኣደዳ ስቅያትን መከራን ሽግርን ኮይኖም ይርከቡ።

ነቲ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ ዘመስከሩዎ ጅግንነትን፡ ምእንቲ ፍትሕን ስርዓተ-ሕግን ዝወሰዱዎ ተባዕ ስጉምትን ከም ክድዓትን ጥልመትን ተቆጺሩ፡ በብዓይነቱ ኣስማት ተዋሂቦም፡ ድሃዮም ኣብ ዘይስምዓሉ ጐዳጉዳት ተሓይሮም ኣለው። እንተኾነ እቲ ዘስተንክር ጅግንነቶምን ቆራጽነቶምን ዘሕብንን ዘይሃስስ ንዘልኣለም ነባሪ እዩ። እቲ ንሳልኡ ኢሎም ዝተበጀውሉ ውጹዕ ሕዝቢ ኤርትራ ድማ ክዝክሮም ክነብር እዩ።
ኤልሳ ጭሩም
ዓዲ እንግሊዝ
18 ሕዳር 2007