ቃል ኤልሳ ጭሩም ኣብ ዝኽሪ ኤርትራውያን ግዳያት ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ

ክቡራትኤርትራውያን ኣሓተይን የሕዋተይን፣
ሎሚምዓልቲ ኣብዚ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብዝወረዶም ኣደራዕ ባህጎምን ሕልሞምን ኮሊፎም፣ ካብታ ብዕድመ ንእስነቶም ዓንዲሮምዘይጸገቡላ ሃገሮም ሃጽ ኢሎም ናብ ደይፈልጥዎ በረኻን ዓድን ንስደት ዝተቓልዑ መሳኪን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣጋጢምዎም ዘሎ ናይሞት ሓደጋ ምኽንያት ብምግባር፣ ነዚ ቀጺለ ዘቕርቦ መደረ ከቕርብ ከለኹ ዓሙቕ ሓዘን ይስምዓኒ።

ናይዞምመንእሰያት ጥፍኣት ንኹሉ ኤርትራዊ ዓቢ ክሳራን ዓቢ ጓህን ዘኸተለ እኳ እንተኾነ፣ ብፍላይ ንዓይ ግን ምስዞም ትማሊ ምሳና ዝነበሩሎሚ ግና ካባና ዝተፈልዩ የሕዋትና፣ ዳርጋ ምስ ኩሎም ክበሃል ይከኣል ካብ መጀመርታ መዋእል ስደቶም ኣትሒዘ፣ ካሳብ’ ቲ ድሮ ሓደጋናይ ሞቶም፣ ኣብ ጸበብኦም ኩሉ ምስኦም ተላዚበ ጥራይ ዘይኮነ፣ ምስኦም ዝጎሃኹሉን ዝነባዕኩሉን እዋን ውሑድ ዘይምንባሩ፣ እዞምመንእሰያት እዚኣቶም ከም ኣሕዋተይ ጥራይ ዘይኮኑስ፣ ከም ውላደይ’ ውን ኮይኖም ስለ ድረኣዩኒ፣ ካብ ከርተት ናብ ከርተት ዘሕለፍዎመዋእል ከየብቕዕ፣ ጻማ መከርኦም ሓንቲ መዓልቲ’ ኳ ትኹን ከይረኣዩን ብኸምዚ ዘሕዝን ኣገባብ ምህላቆም ኣዝዩ የሕዝነንን የንብዓንን።

ክቡራትኤርትራውያን ኣሓተይን የሕዋተይን፣

ብሞትየሕዋትና ዝተሰምዓና ሓዘን ንምግላጽን ነንሕድሕድና ንምጽንናዕን፣ ብኸምዚ ተኣኪብና ናይ ሽምዓ ዝኽሪ ክንገብር ምብቓዕና ከም ሃገራውያንመጠን ዘሕብን እኳ እንተኾነ፣ ነዚ ምትእኽኻብና ዝያዳ ቁምነገርን ዝያዳ ሓላፍነትን ዘሸክመና ምእንቲ ክኸውን ከምዚ ሒዝናዮ ዘለናሽምዓ እንዳመኸኹ ዝጠፍኡ ኣሓትን ኣሕዋትን፣ ኣብ መጻኢ ከይንርእይን ከይንሰምዕን፣ ኩላህና ከም ሓደ ሰሚርና ንጥፍኣት ኤርትራውያንቀንዲ ተሓታቲ ንዝኾነ ኣብ ልዕሊ ጥፍኣትና ኣብ ክንዲ ጓሂ፣ ብዳንኬራ ዝድብል ብርሰት ሃገር ከም ዋዛ እናረኣየ ንጥፍኣትና ለይትንቀትርን ከይደቀሰ ዝሰርሕ ጠላም ስርዓት ካብ ስልጣን ንምእላይ፣ በዚ ኣጋጣሚ’ ዚ ቃል ክንኣትው ይላቦ።

ብፍላይነዚ ኹሉ መስገደል ሓሊፍኩም ዕጫኹም ጸቢቑ ደይ ከምቶም ኣብ መንገዲ ዝተኾልፍ የሕዋትኩም ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ኣቲኹም ነቲ ኩሉጸበባ ንምዝንታው ዕድል ዝረኸብኩም መንእሰያት ኤርትራውያን፣ እዚ ሎም ተረኺቡዘሎ ሓዘን ኣብቶም ተሪፎም ዘለው ንኣሽቱ የሕዋትኩም ምእንቲ ከይድገም፣ እስኻትኩም ብኹሉ ትኽእልዎ ዘበለ ኣቕምታት ተዋፊርኩምንምስቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከም ጋላዩ ተቖሪኖም ድርከቡ ዘለው የሕዋትኩም ርክባት እንዳፈጠርኩም፣ ዕምሪ ናይዚ ኣራዊት ስርዓት ንምሕጻርካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ኣብዚ ሰዓት’ ዚ ክትውደቡን ብኹሉ መዳይ ሃገርኩምን ህዝብኹምን ካባኹም ዝጠልብዎ ደበለ ንምፍጻም ድሉዋትትኾኑሉ እዋን እዩ።

እዚፍሉይ ዘሕዝን ኣጋጣሚ’ ዚ ነቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ጠላም ስርዓት ከም ሓላይን ተሓላቂ ህዝብን ሃገርን ወሲዶም ምስኡክደናገጹ ዝጸንሑን ነዚ ጠላም ስርዓት ንዝቃወሙ ዘቆናጽቡን ኤርትራውያን፣ ስርዓት ኤርትራ ነቶም ትማሊ ሃገር ካብ ወራር ንክድሕኑዝተበጀውን ሳላ ጅግንነቶምን ተወፋይነቶምን ድማ ሃገር ዘውሓሱ ዜጋታት ካብቶም ወረርቲ ንላዕሊ እቲ ንኤርትራ ኣለኹላ ዝብል ጠላምስርዓት ንዝረግጹዎ መሬት ዓዶም ኣብ ረመጽ ቀይሩ፣ ነዛ ንምንባር እኳ ምስ ከልኦም ከይፈተው ዓዶም ገዲፎም ከም ደቂ ዛግራ ናብስደት ዝተበታተኑ። ንሃገር ጥራይ ክብሉ ነዛ ንህይወቶም ሓንቲ ቁምነገር ከይሰርሑ፣ ዋላ’ ውን ዝትክኡዎም’ ኳ ከይወለዱ ባሕሪ ዝበልዖምየሕዋትና ከም መግለጺ ሃዘንን ጓህን ሃገራዊ ሓዘን ክእውጅ ይትረፍ ንቁም ነገሮም ኣመልኪቱ ድሕሪ ሞቶም ንሓንቲ ካልኢት እኳ ትኹንኣብ ናይ ዜና ማእከናቱ ክዛረበሎም ዘይ ምፍቃዱ እንታይ ዓይነት ኣረሜናዊ ስርዓት ምዃኑ ንክትፈልጡ ዕድል ዝፈጠረልኩም ይመስለኒ።

ኣብዚከብርሖ ዝደሊ ሓደ ዓቢ ጉዳይ እንተሎ፣ ኩሎም እዞም በዚ ሓደጋ’ ዚ ዝተቐዝፍ የሕዋትና፣ ንኤርትራ ዘበርከቱላን ከበርክቱላ ዝኽእሉንእጃም ልዑል እኳ እንተኾነ፣ ብፍላይ ገለ ገሊኦም ድማ ኣቦታቶም ወይ ኣዴታቶም ወይ ኣዴታቶም ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን ኤርትራህይወቶም ዝኸፈሉ ገለ ገሊኦም ድማ ብልዑል ሃገራዊ ወጻኢ ናይ ፓይሎትን ካልኦት ዓበይቲ ሞያታት ምሩቓት ዝኾኑን ብዙሓት ናይ ዩኒበርሲትተመሃሮ ዝነበሩን ምሩቃትን ኮይኖም ንመጻኢ ምዕባለ ናይዛ ሃገር ወሰንቲ ዜጋታት እዮም ኔሮም። እንበኣርከስ ናይዚኦም ጥፍኣት ብመጀመርያነታ ንእስነቶም፣ ንደቆም፣ ነፍቀርቶምን ንመላእ ቤተሰቦምን እኳ እንተኾነ ካብኡ ብዘይንእስድማ ንኹልና ዝተፈላለየኣመለኻኽታ ዘለና ኤርትራውያን ዓቢ ኪሳራ እዩ።

ክሳራናንከይዛይድን ናይ ጓህን መከራን ተሰከምቲ ኮይና ንኸይንነብር ድማ ነቲ ናይ ኩላህና ሽግር ብሕብረት መፍትሒ ክንደልየሉ ይግባእ።

በዚኣጋጣሚ ንኹሎም ነቶም ኣብ መሪር ሓዘን ዝርከቡ ስድራቤታትን ፈተውትን ጽንዓት ይሃብኩም እንዳበልኩ ኩላህና ኤርትራውያን እዚ ዘሕዝንተረክቦ ከም መምሃርን መምዓድን ወሲድና ምስቶም ምስ ሽግርን ጸበባን ኣብ ቃልሲ ዝርከቡን ራህዋ ክመጻሎም ዝጽበዮን ኤርትራውያንኣሓትናን የሕዋትናን ክንደናገጽን መከርኦምን ጸበብኦምን ከም መከራናን ጸበባናን ሓሲብናብኹሉ እንኽእሎ ክንተሓጋገዞምን ካብ ተወሳኺ ቅዝፈትን ጥፍኣትን ከነድሕኖምንምእንታን ክንክእል ሰብኣዊ ሕልናናን ዜግነታዊ ሓላፍነትናን እንፍጽመሉ ሰዓት ክኽውን ይላቦ።

ነቶምዝሞቱ የሕዋትና መንግስተ ሰማይ የዋርሶም፣ ንዓና ድማ ጽሮቱን ክእለቱን ይሃበና።

ኤልሳጭሩም

ለንደን፡ዓዲ እንግሊዝ

16ሚያዝያ 2011

http://news.assenna.com/index.php?option=com_content&view=article&id=3705:candle-lighting-memorial-service-at-hyde-park-speakers-corner-london-&catid=44:message&Itemid=100578