ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ኣህጉራዊ ሕጊ መዳያት ተራእዩ ዘይፈልጥ ከበድቲ ብድሆታት ይገጥሞ ኣሎ።

ሎሚ ዕለት 20 ሕዳር 2014፡ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት ክልተ ኣገደስቲ ፍጻመታት ተኸሲቱ።

ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ፡ እቲ ኣብ ጀኔቫ ተጋቢኡ ዝቐነየ ናይ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ኮምሽን፡ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ስርሑ ከሰላስል ከም ዝጀመረ ብወግዒ ገሊጹ። ብኤርትራውያን ግዳያት ኣብ ዝወሃቦ ሓበሬታን ቃለ-ምስክርነትን ተሞርኪሱ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ዘሰካሕክሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክጽብጽብን፡ ንኣፈታትሓ እቲ ዘሎ ሽግር ብዝምልከት ድማ ለበዋታት ከቕርብን ትጽቢት ይግበረሉ።

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ካልእ ዕዉት ፍጻመ ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝፍጸም ዘሎ ዘስካሕክሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት፡ ሲ ኤፍ ኤም (CFM) ከምኡ ውን ሲስኪንድስ (Siskinds LLP) ዝተበሃሉ ክልተ ናይ ጥብቅናን ኣህጉራዊ ሕግን ክኢላታት ዝተሳተፍዎ፡ ነጥበ-ኹርናዕ ክበሃል ዝኽእል ካልእ ኣገዳሲ ናይ ሕጊ መስርሕን ጥርዓንን ኣብ ካናዳ ተጀሚሩ ኣሎ። እዚ ንሰለስተ ኤርትራውያን ግዳያት ብምውካል ተጀሚሩ ዘሎ ሕጋዊ መስርሕ፡ ኣብ ከተማ ቫንኮቨር ኣብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብርትሽ ኮሎምብያ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ኮይኑ፡ ኣብቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሓባቢሩ ብምባል ንካናዳዊ ኩባንያ ኔቭሰን ውን ከሲሶሞ ከም ዘለው ተፈሊጡ ኣሎ። ካናዳዊ ኩባንያ ኔቭሰን፡ ምስ ሰገን ኮርፖረሽን ዝተበሃለ ናይ ህግደፍ ኩባንያ ተሓባቢሩ ኣብ ኤርትራ ኣዋፊርዎ ኣብ ዝርከብ ናይ ማዕድን ምዅዓት ስራሕ ንኤርትራውያን ኣብ ናይ ባርነት ስራሕ ክጽመዱ ኣገዲድዎም ብዝብል ምኽንያት ተኸሲሱ ከም ዘሎ እቶም ጠበቓታት ካብ ዝዘርግሕዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ገበናት ጊላነትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን (crimes against humanity) ከም ዘጠቓልል እቶም ክኢላታት ሕጊ ገሊጾም ኣለዉ። ነዚ ጉዳይ ሒዞሞ ዘለው ጠበቓታት፡ ዝተመስከረሎም ፍሉጣት ክኢላታት ብምዃኖም እቲ መስርሕ ብዓወት ክዛዘም ዘለዎ ተኽእሎ ልዑል ምዃኑ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ፍጻመ እዚ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ንኽሰፍን ዝካየድ ዘሎ መሪር ቃልሲ መሊሱ ናህሪ ዝውስኸሉ ምዃኑ ተፈሊጡ ውን ኣሎ።

ኣብ ካልእ ፍልይ ዝበለ ግን ተመሳሳሊ ፍጻመ ድማ፡ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ካብ ዝርከቡ እሙናት ምንጭታቱ ኣገዳሲ ሓበሬታ ረኺቡ ኣሎ። በዚ ሓበሬታ እዚ መሰረት፡ ኣብ ሰነ 2012 መንግስቲ ኤርትራ ብዘይ ተጸበዮን ዘይሓሰቦን መገዲ፡ ኣብ ዙሪክ ስዊዘርላንድ ካብ ዝርከብ ናይ ባንክ ሕሳቡ፡ 85 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ከም ዝተወስዶ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እቲ ዝተወስደ ገንዘብ፡ ኣብ ቁጽሪ ሕሳብ 230-80110-05D ብስም ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ተቐሚጡ ዝነበረ ኽክውን ከሎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብሓደ ናይ ኩዌት ናይ ነዳዲ ኩባንያ ዝእወዶ ዝነበረ ዕዳ ክኸፍል ፍቓደኛ ስለ ዘይኮነ፡ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሉ ዝተወሰነ ፍርዲ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ገሊጾም። እቲ መስርሕ ኣወሳስዳ ገንዘብ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ሕጊ ሕሉፍ ንዕቀት ዘለዎ ላዕለዋይ መራሒ ህግደፍን፡ ብዛዕባ ኣህጉራዊ ሕጊ ዕሙቕ ዝበለ ፍልጠት ዘይብሎም ናይ ሕጊ ኣማኸርቱን ኣዝዩ ዘስንበዶም ፍጻመ ምንባሩ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ብርግጽ ምስቲ ኣብ ካናዳ ተጅሚሩ ዘሎ ሓድሽ ሕጋዊ መስርሕን ከምኡ ውን ካብ ሓምለ 2012 ጀሚሩ ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጀኔቫ ዝካየድ ዘሎ ካልእ ኣገዳሲ ምዕባለታን ኣነጻጺርካ ክርእ እንከሎ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከቢድ ናይ ኣህጉራዊ ሕጊ መዋጥር ተሸሚሙ ከም ዘሎ ምርዳእ ኣየጸግምን።

መራሕቲ ህግደፍ ከምቲ ዝመስሎም ንግዚኡ ካብ ሕጊ ዘምለጡ ኮይኑ ክስምዖም ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፡ እዚ ስምዒት እዚ ግን ካብ ኤርትራ ዘይሓልፍ ናይ ነብሰ-ጥበራ ስምዒት ምዃኑ መመሊሱ እንዳነጸረ ይመጽእ ኣሎ። ብርግጽ ድማ ንኣህጉራዊ ሕጊ ኣብ ብዝጥምት መዳያት፡ እቲ ስርዓት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዕርቃኑ ወጺኡ ጥራይ ዘይኮነስ ካብቲ ንጽበዮ ብኣዝዩ ዝቐልጠፈ ፍጥነት የንደልህጽ ከም ዘሎ ንዕዘብ ኣለና።

ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ከኣ፡ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን መዓንጦኦም ሸጥ ኣቢሎም ቃልሶም ከነሃህሩን ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ድማ ብልዕልና ሕጊ ተማእዚዙ ዝኸይድ ፖለቲካዊ ስርዓት ንምትካል መብጽዕኦም ከሐድሱ ከም ዝግባእ ንጹር ክኸውን ይግባእ።

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ
ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ
20 ሕዳር 2014