ስምዕታ ንላዕለዎት ሰበ ስልጣናትን መኮንናትን ኤርትራ

ሰላምታ ናይ እግዚኣብሄር ጥራይ ስለዝኾነ ኣይኮነን ብሰላምታ ዝጅምር ዘሎ ስምዕታና። ሰላም ዝምነ ሰብ ናይ ሰላምታ ኣድልዎ ስለ ዘይገብርን መቐረት ሰላም ከኣ ኣብ ኩሉ ምስ ትሰፍን ምዃኑ ስለእንፈልጥ እዩ። ንሕና ደለይቲ ሰላም ነቲ ሕማቁ እንዳዘከርና ኣይኮናን ንጸባጸብ፡ ንኽንዲ ፍረ ኣድሪ ትኸውን ጽቡቕ’ውን ኣይንርስዕን ኢና።

ወዲ ሰብ መጀመርታ ኣብ ገበንን ተሓታትነትን ዘለዎ ከቢድ ጉድለት ክወድቕ ከሎ፡ ድሒሩ ናብ ነብሱ ዝግምጠል ሳዕቤን ስለ ዘየስተውዕለሉ፡ ርዝነቱ ብኣጋ ስለዘይርድኦን በቲ ንሱ ክኾነሉ ዝደልዮ መኣዘን ስለዝጥምቶ እዩ። እንዳኽፍእን እንዳብኣሰን ምስከደ ንባዕሉ ዘሕድረሉ ጭንቀት ንማንም ዝጠፍኦ ኣይኮነን።

ክቡራት መኮንናት፡ ምስ ስልጣንኩም ኣይተወለድኩምን። ናይ ዘልኣለም መዝነት ድበሃል የለን። “እቶም ዘየለው ዘይነበሩ ይመስሉ እቶም ዘለው ዘይሞቱ ይመስሉ” ከምዝበሃል ጊዜ ምስኣኸለ ኩልኻትኩም ማዕረ ተራ ሰብ ተሰሪዕኩም ብዝፈጸምኩሞ ተግባር ብሕጊ ክትሕተቱ ኢኹም። ብማልዶን ጉቦን ምጥፍፋእን ዝተጠረየ ንብረት ደቕኹም ክወርሱዎ’ ስ ይትረፍ ሕማቕ ስምኩምን ታሪኽኩምን በሰልኡ ኣይሓውየሎምን እዩ። ይትረፍ ገበን ዝኣክል ከቢድ ጉዳይ፡ ተበዲልካ ክንስኻ ይቕረ እንተዘይልካሉ’ውን ወትሩ እዩ ሕርኽርኽ ዝብለካ። እቲ ዝበደለ እሞ ኽኣ ሕልናዊ ጣዕሳ ኣይወጸሉን እዩ። እቲ ንጹሓት ከለኹም ዝነበረኩም ነብሰ ምትእምማን፡ ፍስሃ፡ ቅሳነት፡ ርግኣትን ናጽነትን ክሳብ ክንደይ ከምትናፍቁዎን ትብህጉዎን ክኽወል ዘይክእል ሓቂ እዩ። ምስ’ዚ ሕጂ ዘለኩም ህይወት ጣዕሳ፡ ተነጽሎ፡ሽቑራረ፡ ራዕድን ጸልማት መጻእን ኣወዳዲርኩም ንተራ ህይወት ዝነብሩ ዘለው መዛንኹም ከምትቐንኡሎም እቲ ድቃስ ስኢኑ ዘሎ ሕልናኹም እዩ ዝፈልጦ።

“ዘይወግሕ መሲልዋስ ኣብ ቡኽራ ……..” ከምዝበሃል ሽመትን መዝነትን የዕሽዩኩም ከይተፈለጠኩም መንነትኩምን ዕላማኹምን ዘንጊዕኩም እምነት ብምጉዳል ፍትሒ ረጊጽኩም ኣብ ናይ ስልጣን ብልሽውና ጥሒልኩም። ሕጂ እቲ ክትወጽኡዎ ዘይትኽእሉ ታኼላ ውሒጥኩም ጥራይ ዘይኮነ ደልሓመት’ውን ብምዃን ኣዚሩ ክርእይ ዝግቡኦ ኣዒንትኹም’ውን ተዓሚቱ እዩ። እቲ ዝቕየር ዘይመስለኩም ዝነበረ ጊዜ ዶርሆ ነቂው ብስራት ወጋሕታ ተሰሚዑ እነሆ እቲ ነዚ ከምዝመጽእ ከይመሰለኩም ዝፈጸምኩሞ ተግባር ይሓቕየኩም ኣሎ።

እሞ’ኸ መኮንናት ሕጂ’ኸ እንታይ ይሓይሽ? ናብ “ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆላ” ምስላ ኣድጊ’ዶ ወይስ ዝሓለፈ ይኣክል ኢልካ ተናሲሕካ ንዝወጻዕካዮ ህዝቢ ምድባስ? ኣብቲ ዝተፈጸመ ናይ ስልጣን ብልሽውና ዝነበረ ግደን ተራን ናይ ኩሉኹም ሓደ ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ። እቲ ርዲኢት’ውን ክፈላለ ከምዝኽእል ዘማትእ ኣይኮነን። ስለዚ ዓይንኹም ሰም ኣቢልኩም’ዶ ተለኻኺምኩም ክትጠፍኡ ወይስ ጣዕሳኹም ገሊጽኩም ህልናዊ ዕረፍቲ ረኺብኩም ንሓዋሩ ክትቀስኑ ጸጋ ጌጋኹም ክትቅበሉ።

ደም ብደም ኣይነቅጽን እዩ። ሕጊ መምሃሪ እምበር መፍደይ ሕነ ኣይኮነን። “ርህራሄ ናይ ህጊ ካብ ጣዕሳን ካሕሳን እዩ ዝምንጩ” ዝተባህለ ነቲ ከቢድ ስለዘቃልሎ እዩ’ሞ ሕጂ’ውን እቲ ዘይተርፈኩም ናይ ሕጊ ተሓታትነት ካብኡ ኣይሕለፍ ኢልኩም’ዶ ከተካብድዎ ወይስ ብንጽህና ተናሲሕኩም ብእዋኑ ኢድኩም ስሒብኩም ከተቃልሉዎ። ድርቅና ናይ ደናቑር ለካሚኻ፣ ሰኸኽ ምባል ሕሉፍ ምዝካር ንመጻኢ ምሕሳብን ግን ውርዝይናን ጠቃሚኻን ምዃኑ ብዘይካ ብስልጣን ዝዓበደ ዝስሕቶ የለን።

ብዘይካ ብጽልኢ ዝከሓነ ይቅረ ዘይብል ዋላ ሓደ የሎን። ጽልእን ቅርሕንትን ናይ ህዝብና ልምዲ ከምዘይኮነ ናይ ትማሊ ታሪኽና ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ነቶም እንትርፎ ገበን ቅንጣብ ጽቡቕ ውዕለት ዘይነበሮም ሰራዊት መግዛእቲ’ውን ብዘሕብነና ልውሃት እዩ ህዝብና ኣፋኒዎም። ምጭኽኻን ዝመጽእ ጣዕሳ ናይ በዳሊ ምስ ዘይህልው እዩ። ብደም ጨቒኻን ወለዶ ኣጽኒትካን ክሳብ ዓቅምኻ ዝጽንቀቅ ዝከኣለካ ጌርካ ብኢድካ ምስተታሓዝካ ኣይኮነን ጣዕሳ። ወጽዓ ህዝብኻ ተረዲእካ ትርግታ ልቡ ኣንቢብካ ብኣጉኡ ምስትሓድግ እዩ ንዓኻ’ውን ሕድገት ዝግበረልካ’ሞ መኮንናት ሕጂ’ውን ዝሓለፈ ይኣክል።

ትማሊ ንቅሓት ሰራዊት ግብጺ ብዓይንና ርኢናዮ። ሰራዊት ናይ ህዝብን ሃገርን እንበር ናይ ሰበ ስልጣን ከምዘይኮነ ብግብሪ ኣረጋጊጾም። ኣብቲ ናይ ወጥሪ ጊዜ ኣንጻር ህዝቦም ስጉምቲ ክወስዱስ ይትረፍ ነቶም ጸግዒ ሑስኒ ሙባረክ ኮይኖም ቅትለትን ግፍዕን ክፍጽሙ ዝጀመሩ ናይ ጸጥታ ትካላት ኣብ ትሕቲ ሙሉእ ቁጹጹሩ ኣእትዩ፣ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቃወምትን ዝተላዕለ ኣምባጓሮ ስርዓት ኣትሒዙ። እዚ ንመላእ ሰራዊት ኣፍሪቃ ዓቢ ትምህርቲ ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ክነብር እዩ። ሰራዊት ምክልኻል ሃገርና’ኸ ብቓላትኩም ተታሊሉ ወይ ብመብጽዓኹም ተጠቢሩ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ኣሕዋቱ ሻምብቆ ብረቱ ዘቕንዕ’ዶ ይመስለኩም? ኣይትጋገዩ ኩሉ ብውሽጡ ብኣኹም ሕሙም እዩ።

ንተግባራትኩም ቅኑዕ፣ ሕጋዊ፣ ካብ ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ዝተበገሰ ምዃኑ ከተእምኑ ትድርድሩዎ መመኽንየታ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ስለትርድኡ ፍረ ኣልቦ ሓልኪ መጥፍኢ ጊዜ ብምዃኑ ባዕልኹም ነብስኹም ኣይተታልሉ። ህዝብና ቆጽሊ ዘየንበረልኩም፡ ብሓይልኹም ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተወጢሕኩም ኣፍና ዓቢስኩም ዝበልናኩም ጥራሕ ተማእዘዙ ኢልኩም ሃገርን ህዝብን ዝኣክል ሓይርኩሞ ኣለኹም። ብሕጊ ዘይተረከብኩሞ ስልጣን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ጉዳይ ንስኹም እትፍጽምዎ ተግባር ሕጋውነት ከምዘይብሉ መዘኻኸሪ ዘድልየኩም ኣይኮነን።

መኮንናት ሃገርና እስከ ህድእ ኢልኩም ባዕልኹም ንነብስኹም ሕተቱዋ? ስለምንታይ ዓለም ክዒባትኩም ህዝብኹም’ ከ ፎእ ኢልኩም? እቶም ሃገር ነጻ ከውጽኡን ከዕቅቡን ዕድመ ንእስነቶም ዝበጀው ግዳይ ስንክልናን ሕማምን ዝኾኑ ተጋደልቲ ነቲ ልዕሊ ማንም ዝፈትውዎ ህዝቦምን ሃገሮምን ገዲፎም ናብ ስደት ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ጭንግራዕ ዝበሉሉ ምኽንያት ትፈልጡዎ’ዶ? እቶም ኣብቲ ህሮሩማ ጸሓይ ሳሕል ምሳኹም ዝመኩ ዝነበሩ ሕጂ ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ ዓለምና ብቐዝሕን በረድን ደሪቖም ካብ ናብርኦም ተነጺሎም ግዳይ ቃንዛን ናይ ሓንጎል ጭንቀትን ኮይኖም ዘለው ፈትዮም’ ዶ ይመስለኩም?

ለይለያት ምዓንጣ ዘይቆጸሩ ዕሸላት ቆልዑ ደቅኹምን ደቂ ደቅኹምን ዝኣኽሉ፣ ፍቅሪ ወለዶም ከይጸገቡ እንዳወደቁን እንዳተስኡን ምድረ በዳ ሰሃራ፣ ጎቦታት ሲናይ፣ሜድትራንያን ዝስንጥቁ ዘለው: ጠንቂ እስኻትኩም ምዃንኩም ይርድኣኩም’ዶ?

ኣብ ጎዳጉድን ኮንተይነራትን ቀፊድኩሞም ዘለኹም ብሓቂ ኣቢሶም’ ዮም እሱ’ ኳ ክውሕዶም ትብሉ’ ዶ ትኾኑ? ጽባሕ ልክዕ ከምኡ እንተትፍደዩ እንታይ ምበልኩም? መጀመርታ ናጽነት ንምንዳይ ንበረኻ ክትወፍሩ ከለኹም ዝነበረኩም ኣተሓሳስባን ሕጂ ትፍጽምዎ ዘለኹም’ ሲ ኣንጻር ምዃኑስ ሓሲብኩምሉ’ ዶ ትፈልጡ? “እንጀራ ምሸት ይፍጠረልካ” ዝበሃል ምርቓ እንተትፈልጡዎ ኔርኩም፡ መርገም ምሸት ኣይመዋደድኩምን። ዝሸምገሉ ወለድኹም ከተጉህዩ ሕንቑቓት ደቅኹም ከተዘኽትሙ ደስ ይብለኩም’ ዶ?

መኮንናት፡ ኣብቲ እዋን ህደም ህደም መንነትኩም ሓቢእኩም ክትስደዱ ባልጃኹም የሕሊፍኩም ምህላውኩም ኣይጠፍኣናን። ግን ሎሚ ከምዘይከኣልን ዓለም ከምዝጸበበትን ንነግረኩም ኣለና። እዚ ሕጂ ኣብ በይንኹም ትሓስቡዎ ደለኹም፡ ትእዛዝ ኢና ፈጺምና፣ ንድሕነት ሃገር እዩ፣ መርትዖ ኣይርከበናን እዩ….ወዘተ ዝብል ምስምስ ድቃስ ከሊእኩም ዘሎ ቀልዲ ኣይኮነን። ጽባሕ ንጉሆ ኣብ ክፍት ናይ ገበን መጋባያ ክንፋጠጥ ኢና። እቲ ዝሓይሽ ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ጽረግ እንድዩ፡ ኣብ ክንዲ፡ ኦሮማይ! ዝተካዕወ ኣይሕፈስን እዩ ኢልካ ዝኸፍእ በደል ምፍጻም፡ እቲ ተዓቢሱ ዘሎ ማዕበል ናይ ውጹዕ ህዝብኹም ከይነቶገ ከሎ ካልእ ተወሳኺ ዕንወትን ሕልቂትን ከይሰዓበ፡ ብኣግኡ ካብዚ ብማዕዶ ትርእይዎ ዘለኹም ተማሂርኩም፡ ነቲ ለካሚኹም ኢሳያስ ራህሪሕኩም፡ ምስ ህዝብኹም ክትጽንበሩ ነሰምዓልኩም ኣለና።

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት – ኤርትራ
ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ
26 ለካቲት 2011