መደረ ኤልሳ ጭሩም – ኣብ ጽንብል 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ

ኤልሳ ጭሩም፡ ኣካያዲት ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት – ኤርትራ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፣

ሎሚ ብምኽንያት ሸሞንተ መጋቢት ኣህጉራዊ ምዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ መንጎኹም ተረኺበ ካብቲ ብዙሕ መዳርግቲ ዘይብሉ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሽኡን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮና ብፍላይ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ኣደራዕን ንኽዛረብ ዕድል ብምርካበይ ዝስምዓኒ ሓጎስ ወሰን የብሉን።
ኤልሳ ጭሩም፡ ኣካያዲት ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት – ኤርትራ

እንበኣርከስ ኣቀዲመ ነቲ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣሕጽር ኣቢለ ከቕርቦ ክፍትን እየ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ግፍዕን መከራን ካብ ዝኸፍእ ናብ ዝበኣሰ ይኸርር ኣሎ። ኩሎም መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ተገፊፎም ሕጋዊ መስርሕ ተኽቲልካ ፍትሒ ንምርካብ ካብ ዘይሕሰብ ነዊሕ ኮይኑ። ናይ ናጻ ኮንካ ሓሳባትካ ምግላጽን ርእይቶኻ ምሃብን ናጽነት የልቦን። ህዝባዊ ምርጫ ንክካየድ ምጥላብ’ሞ ሕልሚ እዩ። እቲ ኣብ 1997 ብባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ቅዋም ክሳብ ሕጂ ካብ ትግባረ ተኣጊዱ ኣሎ። ኣብ ሙሉእ ኣፍሪቃ ሓንቲ ኤርትራ ጥራይ እያ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዘይተፍቕድ። እታ ዝለዓለ ቁጽሪ ጋዜጠኛታት ኣሲራ ትርከብ ድማ ንሳ እያ።

ኩሎም ናይ ካልኣይ ደርጃ ተመሃሮ ናይ ካልኣይ ደርጃ ትምህርቶም ኣብ መደብር ታዕሊም ክወድእዎ ይግደዱን ቅድመ ኩነት ድማ ወትሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱ ይግበር። ኩለን ብስም ኮሌጃት ተዶኪነን ዘለዋ ናብ ወትሃደራዊ መዓስከራት ተቀይረን እየን። እታ ዝርካባ እንኮ ዩኒበርሲቲ ኣስመራ ብወግዒ ተዓጽያ እያ። እቲ ምኽንያት መዕጸዊኣ ካብ ተመሃሮኣ ፖለቲካዊ ተቋውሞ ነቲ ስርዓት ንኸይመጽእ ስለዘስግኦምን ኣብ ናይ ኮሌጅ መዓስከራት ከፋፊልካ ንምቁጽጻሮም ክጥዕም ተባሂሉ ዝተቀየሰ እዩ።

እቲ ስርዓት ዝኽተሎ ናይ ቁጠባ ፖሊሲ ገባትን ዓማጽን እዩ። መሬት እንተደልዩ ነታ ትውንኖ ዓዲ ይኹን ውልቀ ሰባት ካሕሳ ከይከፈለ ኣብ ቃሕ ዝበሎ እዋን ይምንዝዖም። ንዝኾነት ናይ ውልቂ ይኹን ናይ ማሕበር ትካል ጽቡቕ ኣታዊ ክትረክብ እንተርእዩዋ ንወነንታ ከምዝጥፍሹ ብምግባር ይሕግራ። እዚ ባርባራዊ ፓሊሲ’ዚ ነጋዶ ናጻ ኮይኖም ከይንቀሳቐሱ ዝዕንቕጽን፡ ንሃገርን ንሕብረተሰብን ድማ ኣብ ድቕድቕ ዝበለ ድኸነትን ስእነትን ዘማስን እዩ።

ብሰንኪ ደርቅን ናይቲ መንግስቲ ግጉይ ፖሊሲ ክልተ ሲሶ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝብና ብስእነትን ጥሜትን ይማስን ኣሎ።

ዓቅሚ ሰራዊት ንምዕባይ ደረት ዘይብሉ ናይ ገዛ ገዛ ግፋ የካይድ። ንትሕቲ ዕድመ ህጻናት ምዕስካርን ኣብ መስርዕ ውትህድርና ምጽንባርን ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ልሙድ ተግባር እዩ። ካብ 14-17 ዝዕድመዓም ህጻናት ምዕስካር እንዳዕበይዎ ይኸዱ ኣለው.። ኣብ መዕለሚ መዓስከራት ካብ 11-14 ዝዕድሚኦም ንወታደራውያን ሰበ ስልጣን የገልግሉ። 25% ካብ ባጀት ኤርትራ ኣብ ወታደራዊ መዓላ ይውዕል። ካብ 4 ሚሊዮን ህዝቢ ኤርትራ እቲ 300,000 ሽሕ ኣብ ንጡፍ ውትድርና ይርከብ ካልኦት ብዙሓት ከኣ ኣብ ዕቑር ሰራዊት ይርከቡ። ካብ ህዝበን ዝለዓለ ቁጽሪ ኣብ ሰራዊት ኣሰሊፈን ካብ ዝርከባ ሃገራት ኤርትራ ብቀዳማይ ደረጃ ትስራዕ።

ኩሉ እቲ ኣፍራይ ዝበሃል ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ደርት ኣልቦ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ውትህድርናን ስለተጸምደ ከተማ ይኹን ገጠር ጥራዩ ተሪፍ ኣሎ። እቲ ዝኸፍእ ነገር ናይቲ መወዳእታ ዘይብሉ ወትሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ናይ ጊልያነት ስራሕ እዩ። እቲ መንግስቲ ኩሉ ንፕሮፓጋንዳዊ ይኹን ንረብሓ ይጠቕመኒ እዩ ዝብሎ ስርሓት ብናይ ጊልያነት ጉልበት የስርሖ። ግዱድ ናይ ጉልበት ስራህ ኣብ ወትሃደራት ጥራይ ከይትሓጽረ ብስም ሃገራዊ ልምዓት ኣብ ህጻናት ተመሃሮ’ውን ዝውቱር እዩ።

ንደስ ዘይብልኦ ሃይማኖታዊ ትካላት ይእግድ፡ ንኣመንተን ድማ ንገደብ ዘይብሉ ጊዜ ይኣስር።

ኣብዚ እዋንዚ ሃገር ብምሉኡ ናብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ተቐይሩ ዘሎ። ዝኾነ ዜጋ ኣብ ዝደልዮ ሰዓት ናብ ኩሉ ዞባታት ክንቀሳቀስ ኣይክእልን እዩ። ኩለን ናይ ሰራዊት ኣሃዱታት ነናይ ገዛእ ርእሰን ኣብያተ ማእሰርቲ ኣለወን። ኣብዚ ኩሉ ዓይነት ማለት ንእሽቶ ይኹን ሽማግለ፡ ተባዕታይ ይኹን ኣንስተይቲ፡ ወትሃደር ይኹን ሲቪል ይዳጎን።

እዚ ኣብያተ ማእሰርቲ’ዚ ገለ ኮንተይነራት ክኸውን ከሎ ካልእ ከኣ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሃንጸ ጎዳጉድ ገለርያታት እዩ። እቶም ግዳያት ናይዚ ድማ ካብ ሰራዊት ምኹብላልን፡ ንፓሊሲ መንግስቲ ተቋዊምኩም ብዝብል ምስምስን፡ መንግስቲ ዘይድግፎ ሃይማኖት ተኸቲልኩም ብዝብል ዝተሓየሩ እዮም። ምስ ስድራቤቶምን ፈተውቶምን ናይ ምርኻብ ዕድል’ሲ ይትረፍ ብርሃን ጸሓይ ናይ ምርኣይን ንፋስ ኣዲንያ ተነፊጉዎም ሰኣን ሕክምናን ጽሬትን መግብን ኣብ ስቅያት ዝርከቡ ዜጋታት እዮም።

ኣብዚ በጺሕናዮ ዘለና መዋእል ክፍጸም ይኽእል እዩ ኢልካ ዘይግምገም ኣረሜናዊ ኣገባብ ኣመራምራ ኣብ ኩሉ ቤት ማእሰርቲ ይካየድ። እቲ ኮንተይነራት ቀትሪ ብሙቀት ናብ ፈርኔሎ ዝቅየር ብለይቲ ብቀዝሒ ዝኹምትር፡ ኣይኮነን ንህዝብኻን ወገንካን ንዝኾነ ጸላኢ ዘይትምነዮ እዩ።

እቶም ኣብ ትሕቲ መሬት ዘለው ጎዳጉዲ መተንፈሲ ዘይብሎም፡ ከትኩርመ እምበር መሓውርካ ክተዛኒ ዕድል ዘይህቡ ብቁማልን ቑንጭን ዝተወረሩ ሰለም ዘይተብለሉ እዩ። ብናይ ጎማ ኣባትር ኩርማጅ መሰል ምቅጥቃጥ ዕለታዊ ስራሕ ኮይኑ፡ ብከም ሄሊኮፕተር፡ ቁጽሪ ሸሞንተ፡ መስቀል፡ ፌሮ ዝበሃል ዓይነት ኣተኣሳስራ ጠሚሮም ይጭፍጭፍዎም፡ ኣብዚ ብናይ ኤሌክትሪክ (ኳሬንቲ) መርመራ ከምዝካየድን መድፈርቲ ክብሪ ንጽህና ልሙድ ተግባር ምዃኑ ይፍለጥ።

እንበኣርከስ እወ ሸሞንተ መጋቢት ኣህጉራዊ ምዓልቲ ደቀንስትዮ ዓመት መጸ ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ብዝተቀያየረ መልክዕ ትውዕል እኳ እንተኾነት፡ ቀጺለ እቲ ትበዓለሉ ኣጋጣሚ ዘይኮነ ከምነጥቢ ጸቒጠ ዝዛረበሉ፡ ሕጂ ደቀንስትዮ ሃገርና ኣብ ምንታይ ሕሞት ከምዘለዋ እቲ መዓልተን ተጠቒመ ንሕሉፍ ኣበርክቶእንን ንዝተፈደይኦ ጻማን ንኽብረን ኢለ ክተናኽፎ እየ’ ምበር ጸዊኻ ዘይብጻሕ ኣድማስ ምዃኑ ርዱእ ነገር እዩ።

ደቀንስትዮ ኤርትራ

ቅድሚ ናጽነት ደቀንስትዮ ኤርትራ መዳርግቲ ኣልቦ ዝኾነ ብርቂ ታሪኽ ብምስራሕ ንማዕርነተን ብቕልጽመን ንምርግጋጽ ኣብቲ ከቢድ መስገደል ዝመልኦ ፈታኒ ጉዕዞ ሰውራ ኤርትራ ንኹሉ ተፈጥሮኣዊ ጸገማተን ጼይረን ብረት ኣልዒለን ምስ ጸላኢ ተዋዲቀን ውጉኣትን ድኹማትን ብጾተን ሓንጊረን ሩባን ኩርባን ሓኹረን። ኣብቲ ንኽትጥምቶ ዓይንኻ ዘሕወዝውዝ ሰጣሕ ኣጻምእ ጐላጉል ብቦንባ ተደራጊመን። ሰራዊት መሪሐን ነቲ ብፈንጂ ዝተሓጽረ ጐዳጉዲ ድፋዓት እንዳዘለላ ናብ ታንክታት ጠኒነን ኩናት መሪሐን፡ ሰራዊት ኣዚዘንን ኣወሃሂደንን ንጸላኢ ኣሸቢረን።

ኣዴታትና ኣብ ድሕሪ መስመር ጸላኢ ብምዃን ደቀን ናጽነት ከናድዩ ንበረኻ ምስወፈሩ፡ ኣጆኹም ኢለን ስረ ኣዕጢቐን፡ ንኽብደን ገዲፈን ጆባ ኢለን ዓንጊለን ስንቂ’ ውን ቋጺረን፡ ውሻጥእንን ጉቡጦሽእንን ናብ መሕብኢ ሰነዳትን ኣጽዋርን ቀይረን ምስጢር ዓቂበን፡ ጽጹይ ናይ ጸላኢ ሓበሬታ ሂበን፡ ነቲ ድቕድቕ ጸልማት ዘመነ መግዛእቲ ቶግ ምስ ዝበለ ቶኽሲ ቅድሜኹም ይስጥሓኒ እንዳበላ ሰለም ከየበላ ሰጊረንኦ። ነቲ ናይሽዑ ዕምሪ መግዛእታዊ ስርዓት ንምኽታም መሪሕ ግደ ከምዝተጻወታ ናይ ትማሊ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።

ደቀንስትዮ ኤርትራ ነቲ ኣብ ታሪኽ ብዙሓት ሃገራት ብዊንታ ዝምጦ መሰል ማዕርነት፡ ብቕልጽመን ንምርግጋጽ በቂዐን ኢየን። ካብ ተራ ክሳብ ብመርሒነት ደረጃ ተዋጊአንን ኣዋጊአንን።

ነዚ ኩሉ ዝፈልጦ ታሪኽ ምድጋም ኣድላይነት ዘይብሉ እኳ እንተኾነ፡ የግዳስ እቲ ዝተከፍለ መስዋእትን፡ እቲ ዝተኣትወ መብጽዓን ከ ተተግቢሩ ዶ ኢልካ ምሕታት መድረኽ ዝጠልቦ ሕቶ ኢዩ። ህልው ኩነታት ደቀንስትዮ ኤርትራ ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከብ ኣሎ ኢልካ ምግምጋም ነዞም ዝሓለፉ 19 ናይ ናጽነት ዓመታት ንድሕሪት ተመሊስካ ምርኣይ ኣገዳሲ ይኸውን።
ኣዴታትና እታ ንመዋእል ሃንቀው ዝበልኣ ናጽነት ፍረ ማህጸነን በሊዓ፡ ፍንጫል መሰንገለን ኣሰንኪላ፡ ንብረተን ኣብሪሳ ምስመጸት፡ ንኹሉ ኣብ ከብደን ጼረን መቕሊ ስኢነን ከለዋ ጨጓሩ ንውሽጢ ጌረን፡ ንናጽነትን መስዋእትን ብሓንቲ ዓይኒ ርእየን ዓሊለናላ። ልቢ ኣዕብየን ኣምላኽ ክልተ ሳዕ ኣየዛርበና ኢለን ነቲ ጠገለ ዘይብሉ ዝተኸሰተ ቁጠባዊ ጋግ ዕሽሽ ብምባል፡ ጥራሕ ነቶም ንኣሽቱ ዝሓለፈ ሕሰሞም ዝተረፈ ድምዖም ኮይኑ ህውከትን ዕግርግርን በዚ ይወድኣሎም፡ ደጊም ናይ ስጋ ይኣክል ናይ ነብሲ ንግበር ተመስገን ንበል ኢለን ባዕለን ንባዕለን ተደቢሰን።

እተን ጀለብይእን ክንዮ ሓጹር ደርብየን ድሓን ኩኒ ውሻጠ ብምባል ንድርብ ቃልሲ ምዓንጥእን ሸጥ ኣቢለን ስረ ኣሕዋተን ወዲየን ዝተጋደላ ከ ንምሸቱ ናጽነት መጺኡ ዕላምእን ወቂዔን እንታይ’ ከ ተፈድየን?

መንግስቲ ኤርትራ ብኣዋጅ ደረጃ ኣብ 1995 ንማዕርነት ደቀንስትዮ ዝምልከት ሕግታት ኣርቂቑ እኳ እንተጽደቐ ካብ ወረቐት ዝሓልፍ ስጉምታት ግን ክወስድ ኣይተራእየን። መሰል ጤሳን ዉርሻ ንደቀንስትዮ እቲ ኣወንታዊ ለውጢ እኳ እንተነበረ ገና ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ሃገርና ግን ክሳብ እዚ እዋን እዚ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣይተራእየን ዘሎ።

ብዘይካ’ዚ እተን መብዛሕትእን ገዳይም ተጋደልቲ ደቀንስትዮ ድሕሪ ናጽነት ንመንግስቲ ኣድለይቲ ኣይኮንክንን ተባሂለን ተጣይሰን። ብዘይካ እተን ንመጣየሲ ተባሂለን ዝተቐበልእን 10 ሽሕ ብር ካልእ ተወሳኺ ዕድል ስልጠና ይኹን ናይ ስራሕ ባይታ ኣይትፈጥረለንን። እተን ናይ ምውላድ ዕድሚኤን ብጾተን ከየግድዓ ክብላ ኣብ ድፋዕ ንጸላኢ ከቛምታ ዘሕለፍኦ፡ ሰበ ስልጣን ህ.ግ.ደ.ፍ “እናት ጦር” እንዳበሉ ክሽምጥጡወን ጀመሩ።

መብጽዓ በይነን ጥራህ ከምዘይተጠለመ ስለዝተገንዘባ ዓርሚምወን ሂወተን ንምምራሕ ኣብ ምስ ሕሉፍ ኣበርክትኦንን ክብረንን ዘይከይድ ስራሓት ከም ፓርኪንግ፡ ፈተሪኖ፡ ሚኒችፕዮ፡ ጽርየት፡ ነጸላኻ ኣንጺፍካ ኣብ ጐደና ኮሚደረ ሽጉርቲ ዝኣመሰሉ ኣብ ምሽቃጥ ተዋፊረን ይርከባ።

ገለ ካብ ስውኣት ብጾተን ሓድጊ ዘትረፋ፡ መርፍእን ፈትልን ኣላቒበን ንዖዖም ከዕብያ ዘይምሱል መሲለን ከብቕዓ፡ ሓድገን ተመንጢለን ነቶም ዕላማ ስውኣት ወለዶም ዝጠለሙ፡ ልዕልና ሕጊ ዝረገጹ ካሕዳያት ከገልግሉ ብግፋ ተወሲዶም። ዓይነን እንዳረኣየ ኣብዛ ተፈጢርካ ሃንሳብ እንበር ካልኣይ ጊዜ ዘይትነብረላ መሬት ንደቂ ህሉዋት ሓለፍትን ሃብታማትን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከዕቕቡዎምን ንወጻኢ ከህድምዎም ከለው፡ ንደቀን ግን ብኣሽካዕላል “ወለድኹም ዝተሰውኡላ ሃገር ንስኹም ዘይተኻላኸልኩምላ መን ክሕልዋ” እንዳበሉ ንመናውሒ ዕድመ ስልጣኖም፡ መዝሓል ዓረር ጌሮሞም ከምኡ’ውን ክገብሩዎም ኣዳልዮሞም ኣለው።

ገለ ተጋደልቲ መሰለን ንምሕታትን ንሓድሕደን ንምምይያጥን ብባና ዝፍለጥ ብጥዩሳት ተጋደልቲ ደቀንስትዪ ዝቆመ ማሕበር መስሪተን ከምዝነበራ ይዝከር። እዚ ማሕበር እዚ ግን ነዊሕ ከይሰጎመ ብስርዓት ህግደፍ ተኣጊዱ ኢዩ። እዚ ድማ ሓደ ግሉሕ መርኣያ ፍሽለት ዝተኣትወ መብጽዓን ወጽዓን ደቀንስትዮ ዘርኢ ኢዩ።

እተን ግዝኣተ ሕጊ ዝነገሳ ዲሞክራሲያዊትን ብልጽግትን ኤርትራ ንምህናጽን ዘካየድኦ ደርባዊ ቃልሲ ዕላምኡ ንምውቃዕ ከይተሓለላ፡ ስልጣንን ምቾትን ከየታለለን፡ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ድምጸን ዘስምዓ ወዓሩ ኣሓትና፡ ከም ብዓል ኣስቴር ፍስሓጼን፡ ሚርያም ሓጐስ፡ ሰናይት ደበሳይን ኣስቴር ዮውሃንስ፡ካልኦት ዘይተጠቅሳ፡ ኣብ ጐኒ ተቓለስቲ ብጾተን ተሓይረን ኣለዋ። ደቀን ደቂ ኩልና ድማ ዘኽቲሞም ይዓብዩ ኣለው።

ብፍላይ ምስ ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ከቢድ ሳዕቤናት ክወርድ ከምዝጀመረ ኩልና እንግዘቦ ሓቂ ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ ንማዕርነት ደቀንስትዮ ከም መሸቅጢ ጥራይ ብምጥቃም ነቲ ወዲ ንምሓዝ ጋል ምሓዝ ዝብል ፋሽስታዊ መርገጺኡ ኣብ ተግባር ንምውዓል፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት’ዉን ንደቀንስትዮ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ከሳትፈን ጀሚሩ። ንሰን’ዉን ኣይሓመቓን ካብተን ቀዳሞት ኣዴታተንን ኣሕዋተንን ከምዘይሰንፋ ብግብሪ ብምምስካር ብክፉት መንፈስ ንጻዊዒት መንግስቲ ተቐቢለን ካብአን ዝጥለብ ዘበለ ኩሉ ኣማሊእንን ኣብ ምምላእ ይርከባን ኣለዋ።

እንተኾነ ግን ሓደ ካብቲ ኣዝዮ ዘተሓሳስብ ጾታዊ ግፍዕን ዓመጽን ስነኣእምሮኣዊ ጸቅጥን ደቀንስትዮ ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ በጺሑ ኣሎ። ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ውትህድርና ንኽጽንበራ ዝደረኹዎን ዕሸላት መንእሰያት ኣሓትና ከደምትን መርወይት ስምዒት ኣዘዝቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ኮይነን ኣለዋ።

ነዚ ኣደራዕ’ዚ ምስዝቃወማ ናብ ከቢድ ካብ ዓቅመን ንላዕሊ ዝኾነ ወትሃደራዊ ስራሕ ይምደባ፡ ሰፍ ዘይብል ግፍዕን መቅጻዕትን ይወርደን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣደራዕ ዘይተደልየ ጥንሲ የጋጥመን ገለ’ውን ዕድለን ብ ኤች ኣይ ቪ ኤይድስ ይቁጸ።

ካብ ግዱድ ውትህድርና ንከምልጣ ጌና ብኣግኡ ትምህርትን የቛርጻ፡ ብንኡስ ዕድመእን ይምርዓዋን ብንእስነተን ቆልዓ ይወልዳን። ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፋነዋሉ ፍሉጥ ደረት ግዜ የለን። በዚ ምኽንያት ድማ ሓያለ ደቀንስትዮ ኣይ ካብ ዉላድ ኣይ ካብ ሓዳር ዝሮምሮ ተሪፈን ይርከባ።

እተን ዝተረፋ ድማ ከም እንኮ መውጽኢ ካብ ወተሃደራዊ ህይወት ብምርኣይ ናይ ሓዳር መብጽዓታት ካብ ዘይኣትውለን ደቂተባዕትዮ ብብዝሒ ክጠንሳ ይርኣያ ኣለዋ። እቲ ናይዚ ሳዕቤን ድማ ኣብ ህይወተን ከቢድ በሰላ ገዲፉለን ይሓልፍ ኣሎ።

ብመንግስቲ ደረጃ ዝረኽብኦ ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ ደገፍ ስለዘየለ ድማ ንበይነን ቆልዓ ከዕብያ ከልበትበት ይተሓሓዝኦ። ገሊአን ኣብ ፍቖዶ ጽርግያ ቆልዓ ሓቑፈን ቀንጠመንጢ ብምሽቓጥ ነብሰን ክኣልያ ይፍትና። እንተኾነ እቲ ዝረኽብኦ እቶት ቕሩብ ቑራቦን ዘይውሑስን ስለዝኾነ ግን ከርፋሕ ናብራ ከሕልፋ ይረኣያ።

እዚ ጥራይ ከይኣክል ብመልክዐን ተተመሪጸን መጻውቲ ሃፍታማት ኣዕራብ ይኾና ከምዘለዋ’ውን ሓያለ ምንጭታት ዝጠቕስዎ ዘለዉ ጉዳይ ኢዩ። ኣብ ዓንኬል እዚ መዋጽኦ ኣልቦ ከቢድ ወተሃደራዊ ህይወት፡ እተን ዝዓበየ ዋጋ ዝኸፍላ ዘለዋ እምበኣር ደቀንስትዮና ምዃነን ክጥቐስ ይግባእ።

ካብዚ ብዘይፍለ እተን ሓዳር ዘለወን ኣንስቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት’ ዉን እንተኾና ተመሳሳሊ ዕጫ ኢዩ ዘለወን። ሰቡኡተን ዝኸተቱ ተባሂለን ካብ ወርሓዊ ደሞዝ ሰብኣየን ተቖሪጸን 300 ናቕፋ ወርሓዊ ይረኽባ፡ እንተኾነ ግን በዚ ኣብዚ እዋን ዘሎ ቑጠባዊ ዝቕባበ እዘን ገንዘብ ናይ መግብን ክዳንን ይትረፍ ናይ ገዛ ኽራይ ጥራይ’ውን ዝዓጽዋ ኣይኮናን።

ስለዚ ድማ ንሰን’ውን ከይፈተዋ ደገ ወጺእን ድራር እለተን ማእሪረን ክመጻ ኣለወን።ሰብኣየን ቀልጢፉ እንተተባሂሉ ኣብ 6 ወርሒ እንተዘይኮይኑ ግን ኣብ ዓመት ሓንሳእ ስለዝመጸን ቆልዑ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ምሉእ ብምሉእ ኣብ እንግድዐን ጥራይ ይወድቕ።

በዚ ድማ ድርብ ሓላፍነት ተሰኪመን ስራሕ ደገን ገዛን በይነን ይዓማ ኣለዋ ማለት ኢዩ። ኣብዚ ህሞት እቶም ዝያዳ ግዳይ ዝኾኑ እቶም ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ዝውለዱ ህጻዉንቲ ቆልዑ እዮም። እቶም ብፍቕሪ ወለዶም ማሚቖም ክዓብዩ ዝግብኦም ቆልዑ ቀዳሞት ግዳያት ይኾኑ ኣለው። እቲ ዝድለ ቆላሕታ ወለዲ ኣይረኽቡን። በቲ ከቢድ ማሕበረ ቁጠባዊ ኩነታት ናይታ ስድራ ተጸልዮም’ ዉን ሓያለ ህጻውንቲ ካራሜለ ማስቲካ፡ ሽጋራ እንዳበሉ ፍቖዶ መዕርፎ ኣውቶቡስን እንዳባራትን ብምዛር ክሽቕጡ ምርኣይ ኣብዚ እዋን ግኑን ተርእዮ ኮይኑ ይርከብ።

ካብዚ ሓሊፉ እተን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኸዳን ዘይከዳን ደቀንስትዮ’ውን ህልው ኩነታት ዝወለዶ ከቢድ ጽልዋ ኣውሪዱለን ይርከብ። ኣብ ሃገርና ብልምዲ ሓንቲ ብጽሕቲ ጎርዞ ክትምርዖን ክትድርዖን ናታን ናይ ወለዳን ትምኒት ኢዩ። እንተኾነ ግን እዚ ትምኒት እዚ ዝሰምረለን ኤርትራዉያን ደቀንስትዮ ኣብዚ እዋን ብቑጽሪ ኣዝየን ውሑዳት ኮይነን ይርከባ።
በቲ ርዱእ ምኽንያት ህልው ኩነታት ሃገርና ብቑጠባዊ ዓቕሙ ልሙስ ዝኾነ መንእሰይ ጥራይ የፍሪ ብምህላው ደቂ ተባዕትዮ ሓዳር ምግባር ሕልሚ ኮይኑ ይርኣዮም ኣሎ። እቲ ዘቕርብዎ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ድሕሪ ሓዳር ዘሎ ህይወት እንታይን ከመይን ጌርና ክንሓልፎ ዝብል ኢዩ። እዚ ድማ ነቲ ዘለዉዎ ገፊሕ ቤት ማእሰርቲ ክትብሎ ዝቐልል ህይወት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንኩነታቶም ብቐሊሉ ክትርዳእ ይከኣል።

በዚን ካልእን ዝተበሳጨወ መንእሰይ’ዩ እምበኣር ብኣማኢት ቁጽሪ መዓልታዊ ካብ ኤርትራ ብምውጻእ፡ ኣብ ፎቖዶ መዓስከር ስደተኛታት ጎረባብቲ ሃገራት ከርፋሕ ናብራ ብምሕላፍ ከርተት ክብል ዝርከብ ዘሎ። ኣብዚ ከይተጠቕሰ ዘይሕለፍ ድማ ማዕረ ማዕረ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ብምዃን ብምረት መዓንጥእን ዝሓርራ ዘለዋ ደቀንስትዮ ካብ የሕዋትና ኣይንፍለይን ብምባል ስግረ ዶብ ኪኸዳ ብብዝሒ ይረኣያ ኣለዋ።

እንተኾነ ኣብ ርእሲ ዘላታ ተወሰኸታ ከምዝበሃል ኣብዚ መስርሕ ስግረ-ዶብ’ ዉን ጸዊኻ ዘይውዳእ ከቢድ መዓት መሊሱ ይወርደን። ብዙሓት በቶም ዘስግርወን ይኹን ሓሓሊፉ’ውን በቶም መማጽእተን ይዕመጻን ግዳይ ዘየድሊ ጥንስን ሕማምን ኮይነን ይተርፋ ኣለዋ።
ካብ ብዙሕ ፍጻመታት ሓንቲ ንምጥቃስ ንኣብነት ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ሓንቲ መንእሰይ ጓለንስተይቲ ናብ ኤውሮጳ ዝርከብ ሕጹያ ንኽትጽንበር ብመንግስቲ ኤርትራ ፍቃድ ድሕሪ ምኽልካላ፡ ናብ ሱዳን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዶብ ክትሰግር ተገዲዳ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ብሱዳናውያን ተዓሚጻ። ካብቲ ዝኸፈኣ ድማ ድሕሪቲ ዝወረዳ ተግባር ዓመጽ ጥራይ ከይኣክል ድሒራ ብዝገበረቶ መርመራ ተሰካሚት ኤች ኣይ ቪ ኮይና።

እዛ መንእሰይ ዝወረዳ ከቢድ በደል ንነብስና ኣብ ቦትኣ የእቲና እንተሪኢናዮ ክሳዕ ክንደይ መሪርን ከቢድን ምኻኑ ንምግማቱ ዘሽግር ኣይኮነን። እዚኣ ሓንቲ ካብተን ብቐረባ ዝሰማዕኩወን ፍጻመታት’ያ እምበር ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮና ዝወርድ ዘሎ በደል ካብዚ ዝብእስ ከምዝኾነ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እዛ መንእሰይ ካብ ሃገራ መሰላ ተሓልዩ ከቢራ ብሕጋዊ ኣገባብ እትወጻሉ ባይታ መንግስቲ ፈጢርላ እንተዝነብር ህይወታ ኣምበይ ምተበላሸወን።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ንኹሉ ኣጋጣሚታት ገዲፍና ህሉው ኩነታት ኣዴታትናን ኣሓትናን ምስንጥምት።

ክንደይ እየን ነቶም ብሰንኪ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝዘኽተሙ ቆልዑ ከዕብያ፡ ሰፍ ዘይብል ጾር ናብራ ምኽኣል ስኢነን ጻዕዳ ክዳነን ተጐልቢበን ንልመና ተቓሊዕን ዘለዋ?

ብዛዕባ እተን መእተዊኦም ዘይፈለጣ ደቀንን ሰብኡተንን ሰንፈላል ኮይነን እህህ! ክብላ ድቃስ ስኢነን ኣብደይ ህማመን ዝበጽሓ?

እተን ንብደይሕጊ ዝተሓየሩ ሰብ ኪዳነንን ደቀንን ስልጣንያ ከብጽሓሎም ዕድል ዘይረኸባ፡ ህጻውንቲ ደቀን ብዛዕባ ሃለዋት ወለዶም እንዳክሓቱወን ብንብዓት ኣዒንተን ዝነቅጽ?

ሎሚ ጥርንፍቲ ስድራቤት ኣብ ሃገርና ትህሉ’ዶ? ልባዊ ጸሎትን ምህለላን ኣዴታትናን ኣሓትናን እንታይ ምዃኑ ዘይፈልጥ ሰብ ይህሉ’ዶ?

ቆረብትን ሰገድትን ኣዴታትናን ኣሓትናን ደቕኽን ኣምጽኦኦም ወይ 50,000 ናቕፋ ክፈላ ተባሂለን ንዘይተደረተ ጊዜ ኣብዘይንቡር ገለሪያታትን ቤት ማእሰርትን ይእሰራ ከምዘለዋ ዘይፈልጥ ኣሎ ድዩ?

ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ደቀንስትዮ ፍርቂ ኣካል ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ከም ምዃነን መጠን ድማ እቲ ኣብ ልዕሊአን ዝወርድ በደል፡ ኣብ ልዕሊ መላእ ሃገር’ዉን ይወርድ ከምዘሎ ክንግንዘቦ ይግባእ። ሎሚ ሃገርና ብዙሕ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዘይዝረበሉ ግን ከኣ ከቢድ ስምብራት ዘለዎ ሓደጋ ኣንጸላልዩዋ ይርከብ። እዚ ድማ በዚ ክብ ኢለ ክጠቕሶ ዝጸናሕኩ ምኽንያታት ከቢድ ሓደጋ ናይ ወለዶ ጋግ ማለት ጀነሬሽን ጋፕ የንጸላልወና ኣሎ።

ብተኸታታሊ ኩናት ዝሰኣናዮም ለይለይ መንእሰያት ከይኣክል ሎሚ ድማ መንእሰያትና ሰኣን ፍትሕን ሰላምን፤ ሰብኣዊ መሰሎም ስለዝተግሃሰን ክብሮም ስለዝተቀንጠጠን ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ጊላነትን ባርነትን ስለዝተጸምዱን ሰብ ምዃኖም ተዘንጊዑ ከም ኣቕሓ ከምድላዮም ክጥቀሙሎምን መርወይ ድሌታቶም ስለዝገበሩዎምን ናጻ ኮይኖም ክመሓሩን ክሰርሑን ህይወቶም ክመርሑን ሰለዘይክኣሉ፡ እግሮም ናብ ዝመርሖም ብኣዝዩ ኣሰካፊ ዝኾነ ብዝሒ ንስደት ይውሕዙ ኣለው።

ኤርትራ ከም ሃገር ክትህሉ እትኽእል ድማ መንእሰይ እንተሒዛ ጥራይ ኢያ። እዚ ኣብ ከቢድ ስነኣእምሮኣውን ቁጠባውን ገልታዕታዕ ዝርከብ መንእሰይ እንተዘይወሊዱን ዘሚዱን ድማ ጽባሕ ንጉሆ ንሱ ዘረክቦም ወለዶ በዚ እንርእዮ ዘለና ክስተት ኣዝዮም ውሑዳት ጥራይ ኢዮም ኪኾኑ ዝኽእሉ ዝብል ስክፍታ ኣለኒ።

መደምደምታ

እንበኣርከስ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ እቲ ጨካን፡ ብሙሉእ ዓለም ዝተወገዘ፡ ብዘይ ቅዋምን ሕግን ዝገዝእ ዘሎ ብልሽው ወትሃደራዊ መንግስቲ ህ.ግ.ድ.ፍ.እዩ። ነዚ ንሙሉእ ሃገር ጅሆ ሒዙ ንህዝብና ዘሳቕይ ዘሎ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ሚሕውካ፡ ንህዝቢ ዝውክልን ዝሓልን ብልዕልና ሕጊ ዝኣምን ስርኣት ንምትካል ሎሚ’ውን ከምትማሊ ንሕና ደቀንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ጎኒ ደቂ ተባዕትዮ የሕዋትና ተሰሪዕና ናይ ሓባር ቃልስን ህቡር ጻዕርን ከነካይዳ መድረኽ ዝጠልበና ሞራላዊ ሓላፍነት እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ ምዃኑ ድማ ኩሉ ኤርትራዊ ክፈልጦ ይግባእ።

ህዝቢ ኤርትራ በቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ብዝወሰነሉ እገዳ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዓለም ተነጺሉ፡ እኽሊ ረድኤት እኳ ንኸይረክብ ተኸልኪሉ ኣብ ድቕድቕ ዝበለ ጥሜትን ሕሰምን ጭቆናን ተሸሚሙ ይርከብ። እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝፍጽሞ ዘሎ በደል ከይኣክል፡ ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ዘለዎ ክቱር ንዕቀት ደርት ስለ ዝሓለፈ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዕለት 23 ታሕሳስ 2009 ብቑጽሪ መጽገብ 1907/2009፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ማዕቀብ ወሲኑ ኣሎ።

እቲ ማዕቀብ ኣብ ምሕጻር ዕድመ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እዙዝ ተራ ክህልዎ እዩ ኢለ ይኣምን። እቶም ንፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን ንስርዓተ ሕግን ዴሞክራስን ኣብ ኤርትራ ክህልው ንቃለስ ዘለና ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ምዕባለ ናብ ረብሓ እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። እቲ ማዕቀብ ዝዀነት ሃገር ንኤርትራ ኣጽዋር ከይትሸይጥን ካብ ኤርትራ ኣጽዋር ከይትእድግን ይእዝዝ። ኣብ ርእሲዚ’ ውን ኣስማቶም ብሕጂ ዝግለጽ ላእለዎት መራሕቲ ኤርትራ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ንኸይገሹ እገዳ ተጌሩሎም ኣሎ። ከምኡ’ ውን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብስሞም ወይ ድማ ብስም ንሳቶም ዝቆጻጸርዎ ትካላት ዝተቐመጠ ገንዘብ እንተሎ፡ ክድስክል ተወሲኑ ኣሎ።

ስለዚ ከከም ቦትኡን ኩነታቱን ካብ ዝሓለፈ ብዝሓየለ መገዲ ተወዳዲብና ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ዕድል ተጠቒምና ነቲ ንህዝብና ዘሳቅይን ንሃገርና ካብ ዓለም ነጺሉ ናይ ውልቁ ንብረት ጌሩዋ ዘሎ ስርዓት ዕድመ ንክሓጽር ኣበርቲዕና ንክንስርሕ በዚ ኣጋጥሚ ይላበወኩም።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና
ፍትሕን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ