ሕጋውነት “ገበናት እንግሊዛዊ ትካል PVI ን ኣባላቱን ኣብ ኤርትራ”

ሕጊ ከም ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት መጠን ኣብ ጊዜን ቦታን ዝድረት፣ ካብኡ ምስ ዝዝምብል ናብ ዘይሕጋውነት ዝቕየር፣ ጥንቃቐ ዘድልዮ ሞያ ኮይኑ፣ ግህሰት ናቱ ከቢድ ሃሰያ ኣብ ሰብን ንዋትን ዘስዕብ፣ ካብ ፖለቲካን ሃይማኖትን ወገንን ነጻ ዝኾነ ዓውዲ እዩ።

ብዕለት 7 ሰነ 2011፣ ብመራኸቢ ስርዓት ህግደፍ ዓንገረር ዝተባህሎ  http://www.shabait.com/news/local-news/5925-press-release “ገበናት እንግሊዛዊ ትካል PVI ን ኣባላቱን ኣብ ኤርትራ” ዘርእስቱ ብመንጽርር መሰጋገሪ ሕጊ ኤርትራ ንርኣዮ። ዝኾነ ሰብ ኣብ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ገበን ምስዝፍጽም ብናይ ኤርትራ ሕጊ እዩ ዝፍረድ። እዞም ኣባላት PVI ዝኾኑ እንግሊዛውያን ዜጋታት ብዛዕባ እዚ ኣብ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ፈጺሞሞ ዝበሃል ዘሎ ገበን፣ ብናይ ኤርትራ ሕጊ ከምዝሕተቱ ዘካትዕ እኳ እንተዘይኮነ፣ ክሳብ ሕጂ ግን ቃል ከሳሲ ስርዓት ህግደፍ ድኣ እንበር ቃል ናይዞም ገበን ፈጺሞም ተባሂሎም ዘለው ተኸሰስቲ እንግሊዛውያን ኣይተሰምዕን። “ዘረባ ናይ ሓደ ወገን ሰሚዕካ ኣይትፍረድ”። ስጋዕ ሕጂ’ ውን ናይ ጥብቅና መሰሎም ኣይተሓለወሎምን። ናብ ቤት ፍርዲ ኤርትራ’ ውን ኣይቀረቡን።

ምስዚ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ገበናት ዝስማማዕ ትሕዝቶ መሰጋገሪ ሕጊ ኤርትራ ምእንትን ጭቡጥ ኣፍልጦ ክህልወና ሓደ ብሓደ ንርእ፡-

ኣዋጅ ቁጽሪ 1/91 ዓንቀጽ 1፡- ዕላማ ገበናዊ ስርዓት ዝኾነ ክሱስ ብዘይ ጥርጥር ገበነኛ ምዃኑ ብመርትዖ ክሳብ ዝረጋገጽ ንጹህ ብምዃኑ ምሕላው፣ ፍትሓውን ስሉጥን መርመራን ዳንነትን ምሃብ፣ ቅኑዕ ኣጠቓቕማ ሕጊ ምርግጋጽ፣ ሰባት ብሕጊ ንክጎዓዙ ምግባር እዩ።

መሰጋገሪ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ዓንቀጽ 29 (1) ፡- ብስልጣን ናይ ፖሊስ ይኹን ብመሰጋገሪ ገበናዊ ስርዓት ዓንቀጽ 58፡- ብኻልእ ሰብ ተታሒዙ ንፖሊስ ዝተረከበ ተኸሳሲ ካብታ ዝተታሕዘላ ኣብ 48 ሰዓት ወይ ኩነታቱ ዘየፍቅድ ምስዝኸውን ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ይግባእ። ብዘይ ፍቓድ ቤት ፍርዲ ካብኡ ንላዕሊ ክተሓዝ ኣይከኣልን።

መሰጋገሪ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ዓንቀጽ 61 ፡- ኣብ ቀይዲ ዘሎ ክሱስ ምስ ጠበቕኡ ክራኸብ ይፍቀደሉ፣ ንመጽሓፊ ዘድልዮ መሳርሒ ምስ ዝሓትት ይወሃቦ።

ኣዋጅ ቁጽሪ 1/91 ዓንቀጽ 42፡- እሱር ገንዘብ እንተሊዎ ብገንዘቡ ዘድልዮ መግብን ወልፍን ክዳውንትን መንጸፍን ክገዝእን ከምጽእን፣ ኣብ ዝተወሰነ እዋናት ምስ ናይ ቀረባ ኣዝማዱ ክራኸብ፣ ደብዳበ ክጸሓሓፍ፣ መጽሓፍትን ጋዜጣን ገዚኡ ይኹን ተለቂሑ ከንብብ ይኽእል።

መሰጋገሪ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ዓንቀጽ 177 habeas corpus፡- እቲ ኣሳሪ ንእሱር ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ዘየቕርቦ፣ እሱር ጥርዓኑ ናብ ቤት ፍርዲ ክቕርብ ዕድል ምስ ዘይረክብ፣ ኣብ ክንዲ እሱር፣ ዝኾነ ሰብ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ከቕርብ ይኽእል። ቤት ፍርዲ ብመሰጋገሪ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ዓንቀጽ 178 ዕለት ቆጸራ ኣትሒዙ ኣሳሪ ንእሱር ሒዙ ክቐርብን ምኽንያት ዘይመልቀቒኡ ከረድእ ይእዝዝ። ብመሰጋገሪ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ዓንቀጽ 179 ከኣ ጉዳይ መርሚሩ እቲ ማእሰርቲ ሕጋውነት ዘይተኸተለ ምንባሩ ምስዘረጋግጽ እሱር ብነጻ ክልቐቕ ይእዝዝ። ዘጠራጥር ይኹን ዘከራኽር ነገር ምስ ዝህልው ከኣ እሱር ብውሕስነት ክወጽእ ይውስን።

መሰጋገሪ ገበናዊ ሕጊ ዓንቀጽ 416፡- ዝኾነ ናይ መንግስቲ ብዓል ስልጣን ወይ ሰራሕተኛ ካብ ብሕጊ ዝተገልጸ ወጻኢ ሰብ ዝኣሰረ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዝበጽሕ ጽኑዕ ማእሰርቲ ወይ ብገንዘብ ይቕጻዕ።

እንበኣር ሕጋዊ ሸነኹ ብኸፊል ካብ ርኣና፣ እስከ ናብቲ ቀንዲ ጉዳይ ንመለስ። እዚ ዕለተ ፍጻመ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2010 እዩ ተጌሩ ዝበሃል ዘሎ። ስለዚ ዝኾነ ሰብ ይፍኮስ ይኽበድ ገበን ተፈጺሙ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ከምዘለዎ መሰጋገሪ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ዓንቀጽ 29 (1) እንዳኣዘዘ ብስልጣንካ ክሳብ ዝደለኻዮ ጊዜ እንተዘየቕሪብካዮ ንባዕልኻ ሕጊ እንዳጥሓስካ ንኻልኦት ሕጊ ጥሒሶም ክትብል የኽእለካ’ ዶ።

ዝኾነ ክሱስ ክሳብ ብቤት ፍርዲ ገበነኛ ኮይኑ ዝረጋገጽ፣ ከም ንጹሕ ዘይምውሳድ፣ ስሉጥን ፍትሓዊ ፍርዲ ንምሃብ ቅኑዕ ኣጠቓቕማ ሕጊ ዘይምጥቃም ኣንጻር መሰረታዊ ዕላማ ኣዋጅ ቁጽሪ 1/91 ዓንቀጽ 1 እዩ። እታ ቀዳመይቲ ዓንቀጽ ናይ ቀዳመይቲ ኣዋጅ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝተጣሕሰት እቲ ካልእ ተኸብረ ማለት ኣበደን።

ኣብ ቀይዲ ንዘሎ ሰብ መሰጋገሪ ሕጊ ገበናዊ ስርዓት ዓንቀጽ 61 ዘፍቀደሉ ምስ ጠበቕኡ ናይ ምርኻብ መሰል እንተኸልኪልካ፣ መሰል ካልኦት ገፊፍካ ሓላይ ሃገርን ህዝብን ተመሲልካ ልዑላውነተይ ተጋሂሱ ምባል ንዘይፈልጡ ምዕሻው ይመስል እንበር ብቀንዱስ ናይቲ ይከላኸለልካን ይሓልየልካን እየ ትብሎ ዘለኻ ህዝብን ሃገርን ሕጊ ኢኻ ጥሒስካ ዘለኻ።

ሕግን መስርሑን ንኣብያተ ፍርድን ቤት ጽሕፈት ምኽባር ሕግን ዝምልከት ነገር ንሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት በየን ይምልከቶ? ተኸሰስቲ ሕጋዊ መሰሎም ኣይተኸብረን፣ ኣሰርቲ ናብ ቤት ፍርዲ ኣየቕረቡዎምን፣ ጥርዓኖም ከመሓላልፍ’ ውን ዕድል ኣይከፈቱሎምን፣ ስለዚ እቲ መሰጋገሪ ሕጊ ሲቪላዊ ስርዓት ዓንቀጽ 177 ንኸይስርሓሉ ድዩ ናብ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ተሰጋጊሩ? ተኸሰስቲ ወጻእተኛታት ስለዝኾኑስ ሕጊ ኤርትራ ኣይምልከቶምን እዩ ጥራይ ከይብሉና።

ኣዋጅ ቁጽሪ 1/91 ዓንቀጽ 42፡- እሱራት ብገንዘቦም ዘድልዮም መግቢ፣ ክዳን፣ ወልፊ፣ መጻሕፍቲ፣ ጋዜጣ ክገዝኡ፣ ምስ መቕርቦም ክራኸቡን ከጸሓሓፉን እንዳፈቐደሎም ዝኽልከሉሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ከምቲ ከሰስቲ ባዕሎም ዝብልዎ ኣጽዋር ስለዝነበሮም፣ ኣስጋእቲ ስለዝኾኑ ብሕጂ ‘ውን ካልእ ሽርሒ ንከይፍጽሙ ድዩ? እቲ ሕጊ’ ሞ ፍሉይነት ዝበሃል ነገር ዘይጠቐሰ።

መሰጋገሪ ገበናዊ ሕጊ ዓንቀጽ 416 ንካብ ብሕጊ ዝተገልጸ ወጻኢ ሰብ ዝኣሰረ ኣዋዲድዎ ዘሎ መቕጻዕቲ ደኣሞ ንመን ዘንቀደ እዩ?

መራኸቢ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝኾነት ERI.TV ብዙሕ ደረቕን ተንቀሳቓስን ስእሊ ኣርእያትና፣ ዘረባ በቲ መቓልሕ ዝመልስ ጋዜጠኛ እንበር ቃል ተኸሰስቲ ኣይተሰምዕን። እቲ ስእሊ’ ውን ዋንነቱን ኣበይ ምህላውን ብኸመይ ከምዝመጸን ዝገልጽ ኣይኮነን። እስከ ደሓን ንኹሉ እቲ ድራማ ገዲፍና ነቲ ሕጋዊ ተሓታትነት PVI ን ኣባላቱን ዝብል ሸሞንተ ነጥብታት ንመልከት፡-

1.  ትካል PVI ካብ ወርሒ ሕዳር ክሳብ ታሕሳስ 2010 ኣብ ልዑላውን ማያውን ግዝኣታት ኤርትራ ብኣጽዋር ዝተሰነየ ብርክት ዝበሉ ዕጡቓት ኣባላት ዝተሳተፍዎ ብ KN-252 Sea Scorpion ከምኡ’ ውን ክልተ ፈጣናት ጀላቡ ጌሩ ናብ ደሴት ሮምያ ወሪሩ ስለዝኣተወን ነዛ ልዑላዊት ግዝኣት መሬት ኤርትራ ዝኾነት ደሴት ከም መዋፈሪት መኽዘንን መሕብእን ዕጡቃት ኣባላቱ ተደጋጋሚ ጊዜ ስለዝተጠቅመላ ወራር ፈጺሙ። በዚ ተግባር’ ዚ Domenic Mee  ን ትካሉን እቶም ብተደጋጋሚ ናብ ልዑላዊ ማያትን ደሴትን ኤርትራ ዝኣተው ኣርባዕተ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡን ዕስራን ክልተን ክርከቡ ዘይተኻእሉን ኣባላት ናይቲ ትካል ተሓተቲ እዮም።

ኣብዛ ጉዳይ እዚኣ ጸሙቅና ንረኽቦ ነጥቢ ትካል PVI ንልዑላዊት ደሴት ኤርትራ ብዕጡቃት ወሪራ ብምሓዝ መዋፈሪ መኽዘንን መሕብኢ ዕጡቃት ከምዝተጠቕመትላ እዩ። ስለዚ ዝተወረ መሬት ኤርትራ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሓራ ኾይኑ’ ሎ፣ ኣርባዕተ ምሩኻት ከኣ ሒዙ’ ሎ ማለት እዩ። ስለዚ ጊዜ ተቕይሩ ትካላት ንሃገራት ክወራ ጀሚረን ኣለዋ ማለት እዩ። እቶም ኣርባዕተ ምሩኻት ጉዳዮም ናብ ቀይሕ መስቀል ዝመሓላለፈሉ ጊዜ እዩ ተናዊሑ። ለካ ከምኡ ስለዝኾነ እዩ ሕግን ፍርድን ናይ ኤርትራ ዘይተመልከቶም።

2.  ብዕለት 19 ታሕሳስ 2010፣ 21 ዕጡቃት ኣባላት PVI (ኣርባዕተ ካብኦም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ) ንሽርሓውን ሽበራውን ክውዕል ልዑል ተኽእሎ ዘለዎ ብዝሒ ዘለዎ በብዓይነቱ ኣጽዋር፣ መርዛም ጠያይት፣ ገርዒ መከላኸሊ ጥይት፣ ዝተራቀቀ መራኸቢ መሳሪሕታትን ናይ ለይቲ መነጽርን ሒዞም ናብ ልዑላዊ ግዝኣት ኤርትራ ደሴት ሮምያ ብምእታዎምን ኣጽዋሮም ኣብታ ደሴት ሓቢኦም ብምቕናዮምን ብምድላው ሽርሕን ሽበራን ተሓተቲ እዮም።

እዚ ክሲ’ ዚ ኣብ ደሴት ኤርትራ ብዙሕ ሓደገኛ ኣጽዋር ተሓቢኡ ከምዝቐነየን መቀጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ወራር ንሽርሕን ግብረ ሽበራን ይዳለው ምንባሮምን እዩ ዝገልጽ። እቲ ዕላማ ሽርሒ ይኹን ግብረ ሽበራ ዘይተገልጸሉ ምኽንያት እንታይ ይኸውን? እዚ ክግለጽ እንተደይኪኢሉ ድኣ ኣጽዋር ስለዝተረኽበ ጥራሕ ንግብረ ሽበራ ብድብድቡ ክበሃል ይከኣል ድዩ? ምኽንያቱ ብረት ከተጥቅዓሉ ጥራሕ ኣይኮንካን ትሕዞ፣ ክትከላኸለሉ’ ውን ትዓጥቖ ኢኻ። ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ሽፍትነት ባሕሪ’ኸ ንሰላማውያን ናይ ንግዲ መራኽብ ቅሳነት ዝህብ ድዩ? እቲ ብኡኡ እንዳተሰጋገረ ንኸባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ከሊእዎ ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ጥዕና ዘለዎ ከባቢ’ ድዩ? እቲ መስመር ግብረሽበራውያን ዝንቀሳቀሱሉ ከባቢ’ ዶ ኣይኮነን? ብዓቢኡ ድማ ትካል PVI እንታይ ድዩ ስርሑ?

3.  ዋና ትካል PVI ኣብ ልዑላዊ ግዝኣት ኤርትራ ደሴት ሃርሚልን ከባቢኣን ንዘሎ ምንቅስቃስ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከጽንዕ ብፈጣን ጀልባ Red Ribን መርከብ AL-345 ጌሩ ስለያዊ ተግባራት ብምፍጻሙ፣ ብስለላ ተሓታቲ እዩ።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንወዲ ሰብ ዘጽንት ስርዓት ኑክሌር ይሃንጽ ከይህሉ ተሰጊኡ ድዩ ብምዕራባውያን ሃገራት ዝተላእከ ትካል PVI ስለያዊ ንጥፈታት ከካይድ ተታሒዙ ወይስ ንዘይህጋዊ ምስግጋር ኣጽዋርን እቲ ስርዓት ምስ ሸፋቱ ባሕርን ካልኦት ግብረ ሽበራዊ ውድባትን ዘለውዎ ርክብ ንምክትታል? ንገለ ለውሃትስ’ ባ ንሚስጥር ርእስኻ ብምኽኣል ኣብ ኤርትራ ዝምዝገብ ዘሎ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት ንምስላይ እዩ ኢሎም ከእምኑዎም ኣይሓንኩን እዮም። እዚ ከሳስን ተኸሳስን ኣብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ጭብጥን መርትዖን ሒዞም ብምቕራብ ዝከራኸሩሉን ዝተወሰነሉ ንዝተበደሎ ካሕሳ ዝሓተሉን ድኣምበር ሓደ ወገን ጥራሕ ንበይኑ ስለዝተዛረበ ከም እሙን ተወሲዱ ዝድምደመሉ ነገር ኣይኮነን።

4.  ዋና ትካል PVI ን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ኣባላቱን ሕጊ ጥሒሶም ብዘይ መውጽኢ ፍቃድ (clearance) ካብ ባጽዕ ሃዲሞም ብምውጽኦምን ብፈጣን ጀልባ ጌሮም ነቶም 11 ዕጡቃት ቁጽሩ ምስ ዘይተፈልጠ ኣጽዋር ዝሓዘ ሳናዱቕን ካብ ደሴት ሮምያ ሃዲሞም ከምዝስወሩ ብምግባሮም ብገበን ተሓተቲ እዮም።

ኣብ ልዑላዊ መሬት ሃገር ብዘይ ፍቃድ ምእታው ይኹን ምውጻእ ብሕጊ ኢምግሬሽን ዘሕትትን ዘቕጽዕን ምዃኑ ዝጠፍኦ ሰብ የለን። እዚ ምጥሓስ ሕጊ ኢምግሬሽን ሕጂ ንፈለማዩ ኣብ ኤርትራ ዝረእ ዘሎ ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ፍሉይ ምክትታል ተጌሩሉ ዝተከሽኸ ዘይኮነ ኣብ መላእ ኣለምና ምዓልታዊ ዝፍጸም ተግባር እዩ። ኩለን ሃገራት ከኣ ዶባት ሃገረን ይኹን መእተዊ ኣፍደገእን ናይ ባሕርን ናይ ኣየርን ዘይሕጋውያን ሰባትን ንብረትን ከይኣትውወን ዓቲበን ይከታተላ፣ ንዘጋጥም ዘይሕጋዊ ፍጻመታት ከኣ ኣብ እዋኑ ብናይ ሃገረን ሕጊ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ኣቕሪበን ብናይ ፍርዲ ውሳነ መዕለቢ ይገብራሉ። ሕጂ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ከም ናይ ዓለምና ፍሉይ ተርእዮን ተጌሩ ዘይፈልጥን ኣምሲሉ ነቲ ኣብጊዚኡ ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሉ ናይ ፍርዱ ውሳነ ዘይሃበሉ ጉዳይ ኣብ ዜጋታቱ ዝለመዶ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ንምኽዋል ኣተዓባብዩ ዘጋውሖ ዘሎ። ውልቀ ሰባት ይኹን ጉጅለን ትካላትን ሕጊ ክጥሕሱን ገበን ክፍጽሙን ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን። ሃገርን ህዝብን ዘመሓድር መንግስቲ እየ ዝብል ስርዓት ግን ንሕጊ ጥሒሶም ኢሉ ዝሓዞም ንባዕሉ ሕጊ ጥሒሱ ናይታ ዓዲ ሕጊ ዝህቦም መሰል ገፊፉ ድላዩ ዝገብር ግን ዘጋጥም ኣይኮነን። ሕጋዊ መስርሕ ከይተኸተልካ ሕጊ ከተተግብር ምፍታን ኣብ ቀዳድ ፊስቶ ማይ ምምላእ እዩ።

5.  እቶም ብፈጣን ጀላቡ ጌሮም ካብ ባጽዕ ሃዲሞም ናብ ደሴት ሮምያ ምእታው 11 ዕጡቃት ኣባላቶም ምስ ኣጽዋሮም ሒዞም ዝሃደሙ ኣባላት PVI ብምድላው ሽበራን ሽርሕን ምኽዋል መርትዖታትን ተሓተቲ እዮም (ኣስማቶም ኣብ ሰነድ ተታሒዙ ኣሎ)።

ሎሚ ዓለም ሳላ ቴክኖሎጂ ክንዲ ዓውዲ ጸቢባ ኣላ፣ ገባር እከይ ተኸዊሉ ዝነብረሉ ዕድል ውሑድ እዩ። ኣይኮነን ትካል ዝኣክል ሕጋዊ ተፈላጥነትን ቀዋሚ ቦታን ዘለዎስ፣ ውልቀ ሰባት እኳ ብኢንተርፖል ተታሒዞም ናብ ዝምልከቶ ክቐርቡ ብማዕቀናት ዜና ዓለም ክንርእን ክንሰምዕን ንውዕል ኣለና። እቲ ዝድለ ሕጊ ተኸቲልካ፣ ጭብጥታትካ ሒዝካ ምቕራብ እዩ’ ሞ እነሆ ፈረስ እነሆ ሜዳ።

6.  ኩሎም እቶም በብእዋኑ ኣብ መርከብ Sea Scorpion ተሰቒሎም ናብ ልዑላዊ ግዝኣት ኤርትራ ብምእታው ኣብ ተግባራት ወራር ምድላው ሽርሕን ስለያን ዝተሳተፍ ኣባላት PVI በዚ ተጠቂሱ ዘሎ ገበናዊ ተግባራት ተሓተቲ እዮም (ዝርዝር ኣስማት ናይ ኩሉም ኣብ ሰነድ ተታሒዙ ኣሎ)።

መሰጋገሪ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ዓንቀጽ 2 (3)፡- ዝኾነ ሰብ ብናይ ሓደ ገበናዊ ተግባር ክልተ ሳዕ ኣይቅጻእን እዩ ይብል። እሞ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ድኣ ነዛ ሓንቲ ገበናዊ ፍጻሜ ዝብላ ክንደይ ጊዜ ደጋጊሙ ብምቕራብ እዩ ገበናዊ ሓላፍነት ከሰክሞምን ደጋጊሙ ክቐጽኦምን ዝወጣወጥ ዘሎ። “ክንብርኩትን ከይንብርኩትን’ ሲ ቅድም ኣብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕ”  እዩ ነገሩ። ክሕተቱን ዘይክሕተቱን ብጭቡጥ መርትዖ ዝተሰነየ ናይ ጥብቅና መሰሎም ተሓልዩ ናብ ሕጋዊ ክፍት መጋባእያ ይቕረቡ እሞ ሽዑ ይርእ።

7.  Christopher Alan Collison ብጉልባብ ቱሪስት ቪዛ ረኺቡ ብመዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣትዩ ከብቕዕ ብዘይ ሕጋዊ መውጽኢ ቪዛ ምስቶም ብዕለት 23 ታሕሳስ 2010 ካብ ባጽዕ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ሃዲሞም ክወጹ ፈቲኖም ብናይ መጠንቐቕታ ተኹሲ ተገዲዶም ዝተታሕዙ ክሱሳት ሞሊቑ ክኸይድ ምሕቃኑ ብምትላልን ጥሕሰት ሕጊ ኢምግሬሽን ተሓታቲ እዩ።

“ድሕሪ ማይ ኣብ ብዓቲ” ኩሉ እቲ ብቅድሚት ክኸውን ዝነበሮ ብድሕሪት ይመጽእ ኣሎ። እዚ ምትላልን ጥሕሰት ሕጊ ኢምግሬሽን ዝበሃል ዘሎ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2011 ክሕተት ዝግብኦ ድኣምበር ንኣስታት ሽድሽተ ኣዋርሕ (ልዕሊ እቲ ሕጊ ዝሕቦ መቕጻዕቲ) ብዘይ ፍቃድ ቤት ፍርዲ ኩሉ ናይ ክሱስ መሰል ግሂስካ ጸኒሕካ ንስኻ ንባዕልኻ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ዓለም ዕርቃንካ ምስ ወጻእካ ክትሕተቱ ምባል ንመን የዘንግዕ?

8.  መንግስቲ እንግሊዝ ነዞም ንኣህጉራዊ ሕጊ ጥሒሶም ኣብ ልዑላዊ ማያትን ደሴትን ኤርትራ ብዕጥቂ ብረት ወራር፣ ስለያን ምድላው ሽርሕን ሽበራን ዝፍጽሙ ገበነኛታት፣ ገበን ንክፍጽሙ ጉልባብ ዝኾኖም ፍቃድ ንግዲ ምሃቡ ተሓታቲ እዩ።

መንግስቲ እንግሊዝ ብጉዳይ ዚጋታቱ ብሕጋዊ መገዲ ኣብ ሕጊ ክቐርቡን ዝፈጸምዎ ገበን እንተልዩ ብሕጊ ክኽሰሱን ሕጋዊ መሰሎም ክሕለወሎም ኣጥቢቑ ሓቲቱ። ግብራዊ ዲፕሎማስያዊ ስጉምቲ ኣንጻር ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ክወስድ ምስ ጀመረ፣ ንገበነኛታት ብብረት ዝተሰነየ ወራርን ስለያን ሽርሕን ሽበራን ንክፍጽሙ ጉልባብ ዝኾኖም ፍቃድ ንግዲ ሂቡ ምባል እኹል ድዩ? መንግስቲ እንግሊዝ ዝኽሰሰሉ ቦታ ኣበይ ድዩ? ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ በቲ ጉዳይ ብሕጊ ምስ ተሓተቱ ተመሊሶም ኣነ ኸኣ ክሲ ኣለኒ ብምባል ኣብ ጥራሕ ጎልጎል ፍንጭራዕ ምባል ንመን የደናግር?። ሓቅነትን መርትዖን ዘለዎ ጉዳይ ኣብ እዋኑ ዘይቀርበሉ ምኽንያት እንታይ እዩ።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ትርጉም ናይቲ ወራር ዝብል ኣምር ስለድጠፍኦም ዘይኮነ ልዑላዊ መሬትና ብትካል PVI ተወሪሩ ዝብሉ ዘለው። ዓለም ከምዘይትግራሃሎም እንዳፈለጡ ነቲ ጉዳይ ብምትዕብባይ ንኣቃልቦ ህዝቢ ኤርትራ ንምስሓብን ነቲ ሕጋውነት ብዘይምኽታሎም ክመጾም ዝኽእል ተሓታትነት ንምክልኻል ዝተሃንደሰ እዩ። እቲ ሽርሕን ሽበራን ዝብል መርዛም ቃላት ንህዝቢ ዘሻቕል ምዃኑ ስለዝፈልጡ እዮም ዝደጋግሙዎ ዘለው እምበር እንታይ ዓይነት ሽበራ? ንምንታይ ዝዓለመ ሽርሒ ምዃኑ ብወግዒ ብጨቕ ከብሉ ኣይደለዩን፣ ብውሽጢ ውሽጢ ግን ንፕሬዚደንት ኢሳያስ ንምቕታል፣ ንመንግስቲ ምግምጣል ዝብሉ ወረታት ናብ እሙናቶም ብምጉስጓስ ናብ ህዝቢ ካብ ዝዝርጉሑዎ ውሕድ ጊዜ ኣይገበሩን።

ሓቂ ብሓቂ እቲ ጉዳይ ሎሚ ድሕሪ ኣስታት ሽድሽተ ወርሒ ጊዚኡ ስለድኣኸለ ድዩ ብቴሌቪጅን ሬድዮን ጋዜጣን ዘርጊሕዎ? ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ ኤንባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ብወግዒ ዝወሰዶ ናይ ምንቅስቃስን ናይ ስራሕን እገዳ ጨሪሱ ደው ምባል ዘይሕጋዊ ምእካብ ግብሪ ክረእ ከሎ ናይ ኣጋጣሚ ድዩ? “ኣናፍራ ቖቛሕ ዘይፈልጥ ኣይሃዳናይን”። ሕጂ ምስ ተቓቐርካ ኣይኮነን ወልደፍደፍ።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ከምቲ ንዜጋታቱ ብዘይ ሕግን ፍርድን ኣብ መቓቕሮታት ዒራ ዒሮን ካልኦት ስውራት ኣብያት ማእሰርትን ንልዕሊ ኣሰርተ ዓመታት ሃለዋቶም ኣብዘይፍለጥ ዳጉኑዎም ዝርከብን ኣብኦም ዝለመዶን ሕጂ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ናይ ካልእ ሃገር ዜጋታት ክደግሞ ዝሓሰቦ ኣይኮነሉን ጥራይ ዘይኮነ፣ ንዕርቃኑ ንደገ ዘቃልዕን ውድቀቱ ዘቀላጥፍን ኮይኑ እዩ ረኺብዎ።

ብሕጂ፣ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ዝመጽእ “ከይደቀስካ ዝሕለም እዩ”። ጉድለቶም ኣሚኖም፣ ይቕሬታ ስለዝሓተቱ፣ ዝተትሓዘ ንብረቶም ተወሪሱ ምሕረት ተጌሩሎም ተፋንዮም፣ ብኣተሓሕዛ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ኣመስጊኖም ክበሃል ምዃኑ ኣይጠፍኣናን። ወዳጄ ውሕልነት!

ልዕልና ሕጊ ይንገስ!

ሰላምን ራህዋን ንህዝብና!

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት – ኤርትራ

ለንደን፣ ዓዲ እንግሊዝ

10 ሰነ 2011