ኤልሳ ጭሩም ኣብ ኣኬባ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዙሪክ

ህዝቢ ኤርትራ ኣኽሊል ባርነት ዝደፍኣላ ጸላም ወርሒ – መስከረም 2001

መደረ ኤልሳ ጭሩም ኣብ ኣኬባ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዙሪክ- ZURICH (SWITZERLAND)

ደቂ ሰባት ብሂወት ንክነብሩ ከምቲ ዝብላዕ መግቢ፣ ዝስተ ማይ፣ ዘተንፍሱዎ ኣየር ዘድልዮም፣ ውሕስነት ናይ ቀጻልነት ህይወቶም፣ ዘነባብሮም ሕጊ እንተዘይረኺቦም፣ ከምቲ ኣብ ሕጊ ናይ ዱር እቲ ህይወት እንሰሳታት ዝቕጽል፣ እቲ ድኹም ፍጥረት በቲ ካብኡ ዝሓየለ እንስሳ ክብላዕ ዝነብር፣ ደቂ ሰባት’ ውን ሕጊ እንተዘየልዩ እቶም ታሕተዎት ብህይወት ዝነብሩ መታን ነቶም ላዕለዎት ንኽነብሩ እዮም ዝነብሩ። ብዘይ ድልየትካ ምእንቲ ምቾት ካልኦት ትነብሮ ናብራ ብህይወት ምህላውካ ንዓኻ ዘይኮነ ነቶም ብኣኻ ዝግልገሉ ስለዝኾነ ብግብሪ የለኻን።

ኣብ ታሪኽ መዋእል ደቂ ሰባት ብዝተኻየደ ቃልሲ ባህሪ ንምቕያር ዝጠፍእ ጉልበትን ዝደኸመ ሓንጎልን ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለ፣ በቲ ካልእ ከኣ ሃብትን ስልጣንን ንምግባት ኣብ ልዕሊ ፍትሒ ዝተኻየደ ዓመጽ ዝሓለቐ ህዝብን ዝወረደ ስቅያትን እንተሪእናዮ ዝመጣጠን ኣይኮነን። ጠንቂ ናይዚ ኹሉ ዓለምና ስለዝጸበበት፣ ጸጋታታ ስለዝወሓደ ወይ ክበላሓት ዝኽእል ሓንጎል ብተፈጥሮና ስለዘይብልና ኣይኮነን። እቲ ጸገም ብማዕረ ከነባብረና ንዝኽእል ልሙጽ ሕጊ ሓለዋ ስለዘይብሉ እዩ እዚ ኹሉ ምዝንባልን ስቅያትን።
ዘለናዮ መዋእል ሰብኣዊ መሰል ከም ንሂወት ዘድልያ መባእታዊ ነገር ምዃኑ ተኣሚኑ ነጻነት ኣህዛብ ተሓልዩ ሕግን ስነ ስርዓትን ተነጺሩ ኣብዘለወሉ ዘመን ብውልቀ መላኺ ዝምራሕ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንሃገር ሙሉእ ናብ ቤት ማእሰርቲ ብምቕያር ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ማሕይሩ ኮይኑ፣ ዕድል ዝረኸበ እግሩ ናብ ዝመርሖ ሃጽ ኢሉ ይጠፍእ ኣሎ።

እተን ንመሰናበዲ ዝተጠቕመለን ቃላት ከም ጅሓድ፣ጴንጤ፣ ወያኔ፣ ሲኣይኤ በብእዋኑ መድረኽ ኣሕሊፈን። ሕጂ ብውሽጢ ውሽጢ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ህድህዳዊ ምትእምማን ንምጥፋእ ብኣውራጃን ሃይማኖትን ንኽፈላልይ ዘካይዶ ዘሎ ዘመተ ናበይ ንምብጻሕ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን።

እቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ንቃለስ ኣለና ዝብሎ ብመዓር ዝተሸፈነ ዕረ፣ ቀንዲ ዕላምኡ ህዝቢ ኤርትራ ብቑዋም ክምራሕ፣ ብዲሞክራሲ ክመሓደር፣ ምርጫ ከካይድ ደረጃ ንቕሓቱ ኣየፍቅደሉን ዝብል ጨለነት “ደው በለለይ ክብለጸልካ” ንኸእምን ዝጥቀመሉ ፖለቲካ እዩ። ቀደም ድሕሪ ሞት ጥዕና ቀቢጹ ፍትሒ። ሕጊ ኪኖው ሓጹር ደርብዩ ንዓና ኣየስርሓናን እዩ፣ ብሙህራትን ክኢላታትን ተነዲፍ ድላይና ካብ ምግባር ዓጊቱ እዚ ግበሩ ከምዚ ኣይትግበሩ ኢሉ ዝኽልክለና ሕጊ ንስልጣና ስለዝጻባእን ንሕሉፍ ተግባራትና ስለዝጸባጸብን ኣየርብሓናን እዩ ዝበለ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ናይ ብሓቂ ድዩ ትንፋስ ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ ክሰኩዕ?

ኣኬባ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዙሪክ
ኣኬባ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዙሪክ

ኣብ ሕጊ ዘይብላ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ሰላምን ርግኣትን ረኺቡ ክቀስን፣ ቁጠባዊ ዕቤትን ምዕባለን ተጎናጺፍ ክዓቢ፣ ምስ ጎረባብቱ ብምክብባርን ብምትሕግጋዝን ተሳንዩ ከነብር ዝከኣል ኣይኮነን። ዕግርግር፣ ህውከት፣ ድኽነትን ስደትን፣ ዓመጽን መቕዘፍትን ምዓልታዊ ህይወቱ ኮይኑ ባህሉን ስነ ምግባሩን ክብለል፣ መንነቱን ሃገራውነቱን ክበታተን ዘይተርፍ ዕጭኡ እዩ።

ልክዕ ከምዚ እዋን ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ነቶም ንዴሞክራሲያዊ ለውጢ ዝተንቀሳቀሱ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብህዝቢ ዝተወከሉ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ሰዓብቶምን ሞያውያን ጋዜጠኛታትን ብወግዒ ኣሲሩ፣ ኢሳያስ ውልቀ መላኽነቱ ዝኣወጀሉ ዕለት፣ ህዝቢ ኤርትራ ንዝኸፈለሉ ረዚን ዋጋ ኣሽሓት ሰማእታት ተመንጢሉ ኣኽሊል ባርነት ዝደፍኣላ ጸላም ዕለት ምዃና ጥራሕ ኣይኮነን ዘጉህይ። እቲ ስዒቡ ዝመጸ ፍልሰት ንስደት፣ ጥፍኣት ንሕልፈት’ውን ኣይኮነን ንበይኑ ዘስቆርቁር። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ናይ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትቡቀል ስነ ሞገት ተኸቲሉ ህዝብን ሃገርን ብኣልማማ ከብርስ ዝተኽተሎ ሜላ ንጥሙር ሓድነት ምፍልላይ ኣስዒቡዎ ዘሎ በሰላ’ ውን ቀሊል ኣይኮነን።

ኣብ መንገዲ ስደት ብኾረሩማ ሙቀት ናይ ምድረበዳ ኣጻምእ ዝመኽኽ ህይወት ጭልቕዓት፣ኣብ ማያት ባሕርን ውቅያኖሳትን ድራር ዓሳ ኮይኑ ሓመድ ኣዳም ዘይለበሰ ነብሲ መንእሰያት፣ ናይ በረኻታት ሲናይ ትንግርቲ ኣጸያፍነቱን ኣስካሕካሕነቱን ብዋጋ ኹሉ ዝሕተቱ ናይ ሎም ሹመኛታት ህ.ግ.ደ.ፍ እዮም።
ኣብ መንቀራቕሮ ዒራዒሮን ኣብ ጎዳጉዲ ቤት ማእሰርትን ዝሓልፍ ዘሎ ህይወት ዜጋታትና ምዓልቱ ኣለዎ። እቲ ብሰንኩ ዝሰዓበ ዝኽትምና ናብ መን ከምዝሰግር ትንቢት ዘድልዮ ኣይኮነን። ዋላ ጊዜ ይመጠጥ እቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ኩናት ስንኩላን ዝተፈጸመ ጭፍጨፋ፣ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ዝተቀዝፉ ንጹሃት፣ ብናይ ሃይማኖቶም እምነት ሀለዋቶም ዝጠፍእ ዜጋታት፣ ብሽርሕን ጉርሕን ዝተሸርቡ ሰባት፣ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብጥይት ዝቑለዎ ዘለው መንእሰያት፣እቶም ኣብ ፍሉጥን ዘይፍሉጥን ቤት ማእሰርትታ ኤርትራ ዝሓቐቑን ዝሳቀዩን ዘለው ንጹሃት ዜጋታት ከመይ ኢሎም ይርስዑ።

ምእሳር ውልቀ ሰባት ብሕጊ ዘይተማእዘዘ ስጋብ ዝኾነ፣ ዘይቅቡል ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ ብዓውታ ክውገዝ ዘለዎ ስለዝኾነ ንዝሓለፍ ዓሰርተ ዓመታት ተቃውሞና ብዘይ ምቁራጽ ከነስምዕ እኳ እንተጸናሕና መለኽቲ ዝርድኦም ቋንቋ እሱ ብዘይምዃኑ ጥራይ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ዘውረዱዎ ዓቢ ገበን ክጠዓሱሉ ይትረፍ’ ሲ ንሓንቲ ካልኢት’ ውን ትኹን ልቢ ህዝቢ ዘረስርስ ቃላት ወስ ከብሉ ኣይተሰምዑን።
በዚ ናይ ሎሚ ኣጋጣሚ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ኢ-ሰብኣዊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንምዝካር እኳ ተኣኪብና እንተሃለና፣ ካብ ተራ ኣኼባን ዓመታዊ ዝኽርን ዝሓለፈ ንመለኽቲ ዕድል ዝኸልእን ንውጹዓት ዜጋታትና ድማ ካብቲ ንዓመታት ዝኣክል ኣሳቒዎም ዝጸንሐ ባርባራዊ ግፍዒ ንምንጋፍ ኩሉ ክብደትናን ዓቕምናን ብምጽንቃቕ ብሓባር ንሰርሓሉን ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ሳቦያ ኢልና ብሓባር ንለዓለሉ ጊዜ ክኸውን ይግባእ። እዚ ኣብዚ ዓመት’ዚ ንርእዮ ዘለና ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእኸላይ ምብራቕን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓልን ዓመጽን ንዘመናት ክኸይድ ዝጸንሐ ግፍዒ ዝወለዶ ድኣ እንበር ሰባት ኣብ ጽርጊያታት ወጺኦም ህይወቶም ብጥይት መለኽቲ ክምንጠል ስለዝደለዩ ኣይኮነን። ንሕና ኤርትራውያን ካብ ከምዚ ዓይነት ባርባራዊ ግፍዒ ተናጊፍና ነጻ ኣተሓሳስባን ንሕና እንደልዮን እንብህጎን መንግስትን ስርዓትን ንክህልወና ኢና ንዘመናት ከም ኣራዊት መሮር ኣብ በረኻ ሰፊርና ኣንጻር ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝተቓለስና። ቃልስና ሰብኣዊ ናጽነትን ፍትሕን ንምርግጋጽ እኳ እንተነበረ፣ ውጽኢት ቃልስና ከምዝምስክሮ ግን ንባዕዳውያን ገዛእትን መለኽትን ካብኦም ብዝገደዱ ሃገራውያን መለኽትን ጠለምቲ ሕድርን ምትካእና እዩ።

ዕላማና እዚ ክሳብ ዘይነበረን፣ በቲ ዘምጻእናዮ ለውጢ ጀለምታ ንብዓትና ከነንቅጽ ስጋብ ዘይክኣልና ድማ፣ ዝኸፈልናዮ ህይወትን ኣካልን ርትዓዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ የዕውተና እዩ ክንብል ስለዘይንኽእል፣ ካብዞም ኣብ ከባቢና እንርእዮም ዘለና ኣብነታውያንን ጀጋኑን ናይ ለውጢ ሃዋርያት ኣህዛብ ገለ ነገር ተማሂርና ኣብ ሃገርና ሰላምን ቅሳነትን ንኽነግስ ብኹሉ ሓይልና ንለውጢ ዝደረኸ ኣውያትን ተቃውሞን ነካይድ።
እቶም ንዓና ዝወለዱ ኣቦታት እተን ንዓና ዝወለዳ ኣዴታት ናይ ወላድ መኻን ኮይኖም፣ ረዳኢ ኣብ ዘይብሉ ዕጹው ገዛ ዘይስማዕ ስቅያት እንዳሕለፍን እንዳተሳቐዩን ንሕና ኣብዚ ኮይና ንዛንየሉ እዋን ኣይኮነን። ልዕሊ ኹሉ ግና እቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ንሓንቲ ካልኢት’ ውን ይኹን ክረኽቦ ዘይከኣለ ፍትሕን ሰላምን ቅሳነትን ተዓዲልና ከነብቅዕ ነዞም እዚ ዘይረኸቡ ወገናትና ነዚ ንክረኽቡ ካብ ምሕላምን ምጽዓርን ዓዲ እንተውዒልና፡ ሎሚ ብሕልና፣ ጽባሕ ድማ ብታሪኽ ተሓተቲ ምዃና ክንርስዕ ኣይግባእን።

በዚ ኣጋጣሚ መበል ዓሰርተ ዓመት ብቑሉዕ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝተጋህሰሉ ዕለት ንምዝካር ተኣኪብናሉ ዘለና ምዓልቲ፣ ነቲ ብኣረሜን ውልቀመላኺ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝብና ዝወረድ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕን ጌና ዝቕጽል ዘሎን ምስቁርቋርን ምስትንታንን ጥራሕ እኹል ደይኮነ፣ ጠንቂ ናህና ስደትን ከርተትን ንሱ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምዃኑ ፈሊጥና ካብ ስልጣኑ ምስ ዝእለ ጥራሕ እቲ ግፍዒ ኣብቒዑ ናይ ህዝብና ራሕዋ ዝመጽእን ናህና ከም ድላይና ምስ ወለድናን ኣሕዋትናን ኣብ ሃገርና ንራኸበሉ ዕድል ዝርከብን ምዃኑ ተገንዚብና፣ ሕልናና ዝዓግበሉ ቃልሲ ንምእላይ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ክንሰርሕ፣ ኣብ ክንዲ እቲ ከምተቃለስቲ ኣብ ነንሕድሕድና ዝፈላልየና ነጥቢ ነተኩር፣ ናብቲ ዝያዳ ዘቀራርበና ጉዳይ ከነድህብን ክንጸቅጥን ከምዝግባእ ሕልናዊ ድርኺትና ክዓዝዝ ለበዋ ናይ ኩላህና ክኸውን፣ ብስም እቶም ኩሎም ግዳይ ናይዚ መሪር ኣደራዕ ኮይኖም ዘለውን ጌና ኣብ ኣፈፌት ናይቲ ሓደጋ ተጋሊጾም ዘለው ምሕጽንታ ንቀበል።

የቀንየለይ

ኤልሳ ጭሩም
ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት – ኤርትራ
17 መስከረም 2011